ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ብርቱዕ ኲናት ይካየድ ምህላው ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ብርቱዕ ውግኣት ይካየድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ገሊጾም።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብርክት ዝበላ ከተማታት ከም ዝተቐጻጸሩ ክገልጹ እንከለው፡ መሰኻኽር ዓይኒ'ውን ዕጡቓት ትግራይ ብከባቢኦም ክሓልፉ ከም ዝረኣዩ ተዛሪቦም።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ግን ስኑዕ ዜና ብምባል ነጺግዎ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት: ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝዛዘሞ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እቲ ዝኸበደ እዩ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብዚ ኲናት ዝተቐትሉ ኮይኖም ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
በዚ ምኽንያት ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከም ዘድልዮን ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።
ብሰኑይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ዝካየደሉ እዋን'ዮም ኣብ ትግራይ ከቢድ ውግኣት ይካየድ ምህላው ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም።
ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ድማ ኣብ ትግራይ መረጻ ኣይተኻየደን።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ገብረ ገብረጻድቃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊቱ ከተማታት ንምቁጽጻር ትኹረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዝበላ መካይን ከም ዘዕነውን ምሩኻት ከም ዝሓዙን እውን ገሊጹ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣትዮም ከም ዝነበሩ እዮም ዝገልጹ።
እዚ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ዝተራእየ ዓብዪ ምንቅስቓስ'ዩ።
ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብሸነኽ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት ተራእዮም ነይሮም።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ እኳ እንተኣመነ፡ ዝኾነት ከተማ፣ ዕጥቂ ወይ'ውን ሰራዊት ኣይተትሓዙን ኢሉ።
"መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተጸመደሉ ግዜ፡ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት [ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ቑልፊ ተራ ኣለዎ] ምስ መናእሰይ ኮይኑ ኣብ ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ተጸሚዱ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ቑልፊ ኣመራርሓ ንምሓዝ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ'ውን ኢሉ።
ብሰራዊት ኤርትራ ዝድገፍ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣንጻር ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ገሊጹ ነይሩ።
ኣመራርሓ ህወሓት ምስ ፖለቲካዊ ጽገናታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘይሳነዩ ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝብል ክሲ ኣፈላላዮም ናብ ረጽሚ ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ድሕሪ'ዚ ህወሓት ምስ ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይልታት ብምዃን 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' ዝብል ሰራዊት መስሪቱ ይርከብ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብድሕሪ'ቲ ክልተ ሻብ ተናዊሑ ብሰኑይ ዝተኻየደ መረጻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ኣብቲ ክልል ይሳተፉ ዘለው ሰራዊት ኤርትራ ንምውጻእ ይስራሕ'ኳ እንተሃለወ "ደፊእና ግን ኣይነውጽኦምን" ኢሉ ነይሩ።
ሰራዊት ኤርትራ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ብምፍጻምን ሰብኣዊ ረድኤት ብምኽልካልን'ኳ እንተተኸሰሱ፡ ኤርትራ ነዚ ክስታት "ጸለመ" ክትብል ትነጽጎም።
ብተወሳኺ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ኢሉ። እኳ ድኣ ኣብ ትግራይ ጸገም'ዩ ዘሎ፤ ነዚ ድማ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።
ብኻልእ ወገን ህወሓት ኣብ ዝሓለወ ወርሒ ግንቦት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ስለ ዘስፈሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ምስዞም ሓይሊ ክዘራረብ ከም ዘይደሊ ገሊጹ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







