ቅልውላው ትግራይ፡ ዓጸቦ እንታይ'ዩ? መዓዝኸ ይእወጅ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ትግራይ ንሰዓታት ዝጸንሐ ዘተ ብመርበብ ሓበሬታ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፣ ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመሪካ ሳምንታ ፓወር፣ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ተሳቲፎም።
ኣብዚ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ዘተ፡ ኣመሓዳሪ ቅልውላው ሕብረት ኤውሮጳ ኮሚሽነር ያኔዝ ሌነርቼክን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማንን'ውን ተረኺቦም ነይሮም።
ኩነታት ትግራይ ናብ ሰብ ዝሰርሖ ቅልውላው ከም ዝተሰጋገረን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝተፈጥረን እቶም ተሳተፍቲ ተዛሪቦም።
ኮሚሽነር ምምሕዳር ቅልውላው ሕብረት ኤውሮጳ ያኔዝ ሌነርቼክ፡ "ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ግን ድማ ክተርፍ ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ መረዳእታታት ኣለው'ዮም" ክብል እንከሎ "ሰላማውያን ሰባት ንዕላማ ኲናት ብዝብል ክጠምዩ ምግባር ግን ዓብዪ ግህሰት ዓለማዊ ሕጊ'ዩ" ብምባል ኣተሓሳሲቡ።
ካብዚ ብዝተፈለየ ግን ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ጥምየት ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ እቶም መራሕቲ ዘካየዱዎ ዘተ፡ ማርክ ሎውኮክ "እወ ጥምየት ኣሎ" ምስ በለ "እቲ ኩነታት እናኸፍአ ክኸይድ'ዩ" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
ማርክ ሎውኮክ ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግብን ዝስዕብ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግላጽ 'ፋሚን' (ዓጸቦ) ዝብል ቃል ኢንግሊዘኛ ተጠቒሙ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወልን ውሕስነት መግቢ ዝቆጻጸርን ጉጅለ 'ኢንተግሬትድ ፌዝ ክላስፊኬሽን' (IPC) ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ዞባታትን ድሕሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ይርከቡ ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክልል ጥምየት ይኹን ዓጸቦ የለን ክብል ነዚ ጸብጻብን ንመጠንቀቕታ ማሕበረሰብ ዓለምን ክነጽጎ እንከሎ፡ ን5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ ከም ዝገበረ ገሊጹ።
ኢንተግሬትድ ፌዝ ክላስፊኬሽን እንታይ ይብል?
እዚ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ጸገም ቀረብ መግቢ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ ንምባል፣ ስፍሓት እቲ ጸገም ንምግላጽ ኢሉ'ውን ነቲ ኩነታት ስያመ ንምሃብ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ትንታነ'ዩ።
እዚ ትንታነ ኣብ ትግራይ ከምኡ'ውን ኣብ ጎረባብቲ ዞባታት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ዓብዪ ጸገም ይርከቡ ኣለው ኢሉ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ኲናት ዜጋታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝርከቡን 1.7 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን ኣረዲኡ።
ብመሰረት እዚ ትንታነ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ደረጃ ሕጽረት መግቢ 'ካታስትሮፊክ' ብዝብል ንሓደጋ ዝመዓራረ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣስፊሩ።
እዚ ማለት ውሑድ ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ብጥምየት ንዝስዕብ ሞት ከም ዝተቓልዑን እቲ ኩነታት እናሰፍሐ ክኸይድ ዝኽእልን'ዩ ማለት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ ኩነታት፡ እቲ ናብ ደረጃ ዓጸቦ [ፋሚን] ዘይበጽሐ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ እዩ 'ካታስትሮፊ' ብዝብል ቃል ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ትንታነ ከም ዝብሎ እቲ ኩነታት ብምኽንያት እቲ ኲናት ሰባት ስለ ዝተመዘባሉ፣ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት፣ ድሩት ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሓረስቶት ምህርቶም ብዘይምእካቦም፣ ጥሪቶም ስለ ዝስኣኑን እኹል ዕዳጋ ብዘይምህላውን ዘጋጠመ እዩ።
በዚ መሰረት እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጥምየት 'ካታስትሮፊክ' ኣብ ዝብል ደረጃ ክስራዕ ዝገብሩዎ ምኽንያታት'ውን እዚኦም ከም ዝኾኑ የቐምጥ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ንነጀው 5.5 ሚልዮን ሰባት ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዝተቓልዑን ክሳብ ወርሒ መስከረም እናኸፍአ ክኸይድ ከም ዝኽእልን ይጠቅስ።
ኣይፒሲ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዓጸቦ [ፋሚን] ኢሉ ኣይገለጾን፤ እቲ ትንታነ'ውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይኮነን።
ዓጸቦ [ፋሚን] ድኣ እንታይ'ዩ?
ዓጸቦ፡ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝህሉ ጸገም ጥምየት 'ፋሚን' ኢልካ ንምጽዋዕ ክማልኡ ዝግብኦም ሓሙሽተ ቅድመ ኩነታት ኣለው።
ትንታነ ኢንተግሬድስ ፌዝ ክላስፊኬሽን (IPC)፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ሕጽረት መግቢ 'ፋሚን' ኢሉ ኣይገለጾን ዘሎ።
ናይዚ ምኽንያት ዓጸቦ ናይ መወዳእታ ጸገም ስለ ዝኾነን እዚ ቃል ንምጥቃም ክማልኡ ዝግብኦም ደረጃታት ስለ ዘለውን'ዩ።
ንግዝኡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምግላጽ ዝተጠቐመሉ ቃል 'ካታስትሮፊ' ዝብል እዩ።
እዚ ድማ ካብ 'ፋሚን' ሓደ ደረጃ ትሕት ኢሉ ዝርከብ ግን ድማ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ጥምየት [ፋሚን] ክወስዱ ዝኽእሉ ኩነታት ምህላዎም ዘመክት'ዩ።
ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል ግን ይግለጽ ኣሎ።
ደረጃ ሓሙሽተ ካታስትሮፊ ዝተወሰነ ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ክጠምዩ ከለውን ቑጽሮምን እቲ ጸገምን ቀስ እናበለ እናሰፍሐ ክኸይድ እንከሎን ዘርእይ ኮይኑ፡ ዓጸቦ ዝብል ቃል ግን ልዑል ቑጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ብጥምየት ክጥወፍ እንከሎ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ቃል እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሕጽረት መግቢ ተባህለ ጥምየት፡ ዓጸቦ ኣሎ'ዩ ኢሎም ዝካትዑ ኣለው።
ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማርክ ሎውኮክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትግራይ 'ከቢድ ጥምየት' ኣሎ ንምባል 'ዓጸቦ ኣሎ' ዝብል ኣገላልጻ ምጥቃሙ ነዚ ኩነታት ዘርኢ'ዩ ዝብሉ'ውን ኣለው።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓዝ ዓጸቦ ተኸሲቱ ይብል?
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ ዞባታት ደቡብ ሶማሊያ ዓጸቦ ኣዊጁ ነይሩ።
ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ዓለምለኻዊ ትካላትን ነዚ ሰብኣዊ ቅላውላው ዝገልጽ ቃል 'ኤፍ' [f-word] ኢሎም ይጽውዑዎ።
ዓጸቦ [ፋሚን]: ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ክጠምዩ እንከለው ንምግላጽ ዝውዕል ቃል ኮይኑ፡ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምግላጽ ግን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክጥቀምሉ ኣይኽእሉን።
እዚ ቃል ሓያልን ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎን ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።
ስለ ዝኾነ ድማ መዓዝን ብከመይን ኢና ነዚ ኣገላልጻ እንጥቀመሉ ዝብል ብዛዕባ እቲ ዝፍጠር ዘሎ ጸገም ዘረጋግጽ ኩነታት ምህላው ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ዓጸቦ ኣጋጢሙ ኢልካ ምእዋጅ ከኣ ናይ መንግስታት ሓላፍነት እዩ።
ኣብ ሶማሊያ ግን ብምኽንያት ሕጽረት ስጉምቲ ማእከላይ መንግስቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣትዩ።
እቲ ዓጸቦ ኢልካ ንምእዋጅ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግብኦም ናይ ደረጃታት ስርዓት ብ2005 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓገዝ ንምክፍፋል ንክጥዕም ብዝብል እዩ ነይሩ።
እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት እቲ ውድብን ካብ ባይታ ብመሰረት ዝኣከቡዎ መረዳእታን ዳህሳስን ዝዕቀን ይኸውን።
ዓጸቦ ዝብል ቃል ፖለቲካዊ ቆይቊ ዘስዕብ ስለ ዝኾነ፡ መንግስታት ብዙሕ ግዜ ነዚ ኣሰያይማ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ'ዮም ዝረኣዩ።
ንኣብነት ኣየርላንድ፣ ሩሲያን፡ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዘጋጠመን ሓደጋ ዓጸቦ ብደረጃ ዓለም ዝነበረን ምስሊ ንምቕያር ብዙሕ ተቓሊሰን እየን።
መንግስታት ዓጸቦ ብዙሕ ኣሉታ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ነቲ ዘጋጠሞም ልዑል መጠን ሕጽረት መግቢ በዚ ኣጸዋውዓ ክውከል ኣይደልይዎም።
ንኣብነት ኢትዮጵያ ብ1984 ዓ.ም [ኣቆጻጽኣረ ኤውሮጳ] ዘጋጠማ ዓጸቦ፡ ምልክት ውድቀት ተገይሩ ስለ ዝተወሰደ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ'ውን ብምኽንያት እቲ ዓጸቦ ክወድቕ ከም ዝኽኣለ ተንተንቲ ይገልጹ።
ዓጸቦ ኣሎ ኢልካ ምእዋጅ ተወሳኺ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል'ዩ። እዚ ማለት ለገስቲ ኣካላት ክሳብ ዓጸቦ ወይ'ውን ህጹጽ ግዜ ተባሂሉ ዝእወጅ ዝህቡዎ ሓገዝ ጠጠው ከብሉ ስለ ዝኽእሉ'ዩ።
በዚ መሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደ ከባቢ ዓጸቦ ኣሎ ንምባል ዝኽተሎ መምርሒ ኣሎ።
ንውሕ ንዝበለ ግዜ ዝጸንሐ ድርቅን ካልኦት ምኽንያታትን ቀረብ መግቢ ክድርቱዎ ከለው፡ ግድን ዓጸቦ ኣትዩ ንምባል ዘኽእሉ ኩነታት ዘይክፍጠሩ ይኽእሉ'ዮም ይብል እቲ መምርሒ።
ዓጸቦ ዝብሃል ብምኽንያት ሕጽረት መግቢ ዝሞቱ ሰባት ሓፍ ክብል እንከሎ፣ ንምንባር ዘድሊ መሰረታዊ ዝተመጣጠነ መግቢ ሕጽረት ኣጋጢሙ ዕለታዊ እናኸፍአ ክኸይድ እንከሎ እዩ።
ከም ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም፣ ትካል መግቢ ዓለም፣ ኔትዎርክ መጠንቀቕታ ዓጸቦ፣ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኦክስፋም ዝበሉ ትካላት፡ ዝኾነ ቅልውላው ዓጸቦ ኢሎም ክጽውዕዎ ዝኽእሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ደረጃ ሓሙሽተ ትንታነ ኢንተግሬትድ ፌዝ ክላስፊኬሽን (IPC) ምህላው ምስ ኣረጋገጹ'ዩ።
እዚ ማለት፥
- ኣስታት 20 ሚኢታዊት ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 2100 ካሎሪ መግቢ እንተኾይኑ
- ከቢድ ሕጽረት መግቢ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት እንተኾይኑ
- ኣብ መዓልቲ ካብ 10 ሽሕ ሰብ ሞት ክልተ ሰባት እንተተመዝጊቡ፤ ወይ'ውን ካብ 10 ሽሕ ህጻናት ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ህጻናት እንተሞይቶም'ዩ








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







