ቅልውላው ትግራይ፡ 5 ሽሕ ህጻናት ካብ ስድረኦም ከምዝፈላለየ ትካል ገብረ ሰናይ ገሊጹ

ቅልውላው ትግራይ 5 ሽሕ ህጻናት ካብ ስድረኦም ፈላልዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ዝተፈናቐሉ ኣስታት 5 ሽሕ ህጻናት ምስ ስድራቤቶም ከምዝተፈላለዩ ትካል ግበረ ሰናይ ሴቭ ዘ ችልድረን ገሊጹ።

ብዙሓት ህጸናት ናብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ወይ ዘይስሩዕ መዕቖቢ እናመጹ እዮም።

እቶም ህጻናት ንጥምየት፣ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ዝተቃልዑ ከምዝኾኑ እዩ ገባሪ ሰናት ህጻናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ዝገልጽ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝበዝሕ ከባቢታት እቲ ክልል ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ዝሕብር እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ እቶም ህጻናት ንርእሶም ክናብዩ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጡ፡፡

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ 1.7 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፈአ ይመጽእ ከምዘሎ ብቐጻሊ የጠንቅቕ ኣሎ።

ብተወሳኺ ዋላ'ኳ ሙሉእ መረዳእታ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ትግራይ ህጻናት፣ ነፍሰ ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ''ብዘሰምብድ'' ደረጃ ብሕጽረት ምግቢ ከምዝተጠቕዑ ዘመላኽቱ ኩነታት ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ።

ኣመዓባብላ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።

በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።

እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።