ጥራሕ ነብሳ ደቂሳ ንዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ዝሰኣለ ሰብ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ

ኤምሊይ ሃንት

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓደ ሰብኣይ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ክዳን ዘይብላ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ ብቪድዮ ብምስኣሉ ድሕሪ ናይ ሓምሽተ ዓመት ጎስጓስ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

እዚ ክሪስቶፈር ኪሊክ ዝተባህለ ወዲ 40 ዓመት፡ ኣብ 2015 ንኤምሊይ ሃንት ዝተባህልት ጓል ኣብ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ሆቴል ን62 ካልኢት ዝኸውን ብቪድዮ ቀዲሕዋ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ጉዳዩ ብቤት-ፍርዲ ይግባይ ክሳዕ ዝርአ፡ ነቲ ሰብኣይ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይገበርካን ኢሎም ኣብ ፍርዲ ኣየቕረብዎን።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክሪስቶፈር ኪሊክ፡ 'ካልኦት ሰባት ወሲብ ክፍጽሙ ከለው ብምስጢር ብምዕዛብ ንወሲባዊ ዊንትኡ ዜቋድስ' ተባሂሉ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ንሰላሳ ወርሒ ኣብ ኮማዊ ማሕበር ክሰርሕን £2,000 ፓውንድ ክኸፍልን ተኣዚዙ ነይሩ።

ኣብ ኣስታድፎርድ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ግን፡ ንኤምሊይ ሃንት £5,000 ካሕሳ ክኸፍላ ከምዘለዋን ንሓምሽተ ዓመት ኣብ መዝገብ ጾታዊ ዓመጽ ተመዝቢቡ ክጸንሕን በይኑ'ሎ።

ክሪስቶፈር ኪሊክ

ኤምሊይ ሃንት፡ ኣብ 2015 ኣብቲ ሆቴል ብኸመይ ከምዝኣተወት ዝኾነ ተዘክሮ ከምዘይብላ'ያ ትሕብር።

ንሳ፡ ሓሺሽ ከምዝተዋህባን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመላን እያ ትገልጽ።

ክሪስቶፈር ኪሊክ፡ ኣብቲ መጀመርታ ተኣሲሩ ከምዝነበረን፡ እንተኾነ፡ ፖሊስ እኹል መርትዖ ብዘይምርካቦም ነቲ ጉዳይ ገዲፎሞ ነይኖም።

ምስታ ጓል ዝተገብረ ጸታዊ ርክብ ግን ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።

ፖሊስ፡ ኣብ እዋን መርመራ ነቲ ቪድዮ ከምዝረኸቡን፡ ንሱ ድማ ንጾታዊ ዊንትኡ ንምርዋይ ከምዝሰኣሎን ገሊጹ ነይሩ።

ናይ ይግባይ ቤት-ፍርዲ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ሰብ ቪድዮ ምቕዳሕ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ፈሪዱ።

እታ ግዳይ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦቶ ዘረባ፡ ተግባራት ክሪስቶፈር ኪሊክ ንህይወታ ከምዘዕነዎን፡ እቲ ናይ ቤት-ፍርዲ መስርሕ ድማ ኣዝዩ "ዝርብሽን ነብስኻ ዘማስንን" ክትብል ገሊጻቶ።