''ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ጎሮሮይ ክሓንቀኒ ፈቲኑ''

ቢቢሲ ሬድዮ 5 ምስ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድመአን ሓደ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ዓባይ ብሪጣንያ፤ ኣብ እዋን ወለንታዊ ጾታዊ ርክብ፡ ከም መጽፋዕቲ፣ ምሕናቕ፣ ምዕባስ ኣፍ ወይ ጡፍ ምባል ዝኣመሰለ ግህሰት የጋጥመን ከምዘሎ ጸብጺቡ።
ካብዚ ዝተጠቐሱ ተግባራት ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ እተን 20 ሚእታዊት፡ ድሕሪ እቲ ርክብ፡ ኣዝየን ከምዝሓረቓ ገሊአን ከኣ ፍርሒ ከምዝፈጠረለን ይገልጻ።
ጓል 23 ዓመት ኣና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምሰ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ሰባት ብፍታዋ ኣብ ዝፈጸመቶም ጾታዊ ርክብ ዘይትደልዮ ዓይነት ጎነጽ ከምዘጋጠማ ትገልጽ።
ንሳ፡ ካብቶም መጻምድታ ሓደ፡ ብጸጉራ ጎቲቱ ከምዝጸፍዓን ዳሕራይ ከኣ ብጉሮሮኣ ክሓንቃ ምስ ጀመረ ''ሰንቢደ'' ትብል። "ተሸምቂቐ ሕፍረት እውን ተሰሚዑኒ፡ ኣብ መገዲ ሓደ ሰብ እንተጸፊዑካ ወይ እንተሓኒቑካ ጥቕዓት እዩ።''
ኣና፡ ንመሓዙታ ክሳብ እትነግረን፡ እዚ ዓይነት ጎነጽ ዝተለመደ ከምዝኾነ ኣይትፈልጥን ነይራ።
''ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኩሎም ተባዕትዮ እንተወሓደ ሓደ ዓይነት ጎነጽ ወይ ብዙሓት ዓይነታት ጎነጽ ይፍጽሙ''
ኣብ ካልእ ኩነት ድማ፡ ሓደ ሰብኣይ ከየፍቀዳ ወይ ከየጠንቀቓ ከምዝሓነቓ ትዛረብ።
ሎሚ ዓመት ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐት ኣና፡ ስምብራት ክሳብ ዝወጻን ንብዙሕ መዓልታት ክሳብ እትቕንዞን ብሓይሊ ዝሕዛ መሓዛ ከምዝነበራ 'ውን ትዛረብ።
''ገለ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጎነጽ ከምዝፈትወኦ ይፈልጥ እዩ። እቲ ጸገም ግን፡ ደቂ ተባዕትዮ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዝደልየኦ ክመስሎም ከሎ እዩ።''
ሳቫንታ ኮምረስ ዝተብሃለ ትካል መጽናዕቲ፡ ዕድሚአን ካብ 18 ክሳብ 39 ንዝኾና 2002 ደቂ ኣንስትዮ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ከም ምውቃዕ፣ ምሕናቕ፣ ኣፍ ምዕባስ ወይ ጡፍ ምባል ኣጋጢሙወን እንተኾይኑን ሓቲቱወን።
እቲ ካብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተወስደ መርኣዪ/መፈተኒ፡ ንኹለን ደቂ ኣንሰትዮ ዓባይ ብሪጣንያ ብዕድመን ዞባን ከምዝውክል ኮይኑ ዝተወስደ እዩ።
ኣስታት 38 ሚእታዊት ተመሳሳሊ ዓይነታት ወሲባዊ ጎነጽ ከምዘጋጠመንን፡ እተን 31 ሚእታዊት ከኣ እቲ ዘጋጠመን ግህሰት ብዙሕ ከምዘይጸልአኦ ክነግራ እንከለዋ፡ እተን 31 ሚእታዊት ግን ዝኾነ ዓይነት ግህሰት ከምዘየጋጠመን ወይ ክዛረባሉ ዘይደልያ ሓቢረን።
ማእከል ንፍትሒ ደቂ ኣንሰትዮ፡ እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ''ንጎነጽ፣ ሓደጋ ዘውርዱን ንርእሰን ዘሕሰሩን ነገራት ክቕበላ ዝገብር ተጽዕኖ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ'' ዘርእዪ እዩ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
''ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ምስምማዕ፡ ነቲ ዝወርድ ጽፍዒት ወይ መሕነቕቲ ኣየቕልሎን'' ክትብል ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ዝሕግዝ ትካል ሓላፊት ኣዲና ክሌር ትዛረብ።
'ኣዝየ ፈሪሐ'
ኣብ ሰላሳታት እትርከብ 'ኢማ' ንነዊሕ እዋን ዝነበራ ፍቕራዊ ርክብ ምስተቛረጸ እያ፤ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ርክብ ጥራሕ ክህልዋ ዝወሰነት።
''ናብ ዓራት ደዪብና፤ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብዘይ መጠንቀቕታ ክሓንቀኒ ጀሚሩ። ሰምቢደን ፈሪሐን፤ ሽዑ ግን ምንም ኣይበልኩን። ምኽንያቱ ኣብ ኣእምሮይ እቲ ሰብኣይ ካበይ ዝሓየለ'ዩ ዝብል ሓሳብ ስለዝነበረ።''
እቲ ሰብ ኣብ ቪድዮታት ወሲብ (ፖርኖግራፊ) ርእይዎስ፡ ብተግባር ክፍትኖ ዝደለየ እዩ ዝመስል።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ካብተን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ወሲባዊ ጎነጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ 42 ሚእታዊት ጸቕጢ ከምዝተገብረለን ወይ ከምዝተገደዳ ከምዝስመዐን ይገልጻ።
ኣብ እዋብ ጾታዊ ርክብ ዝፍጸም 'ቅቡል' እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ጎነጽ
ኣብ ጾታዊ ርክብን ፍቕርን ብፍሉይ ዝሰርሕ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ስቴቨን ፖፕ፡ ወግሐ ጸብሐ እናዓበየ ይመጽእ ምስዘሎ ሳዕቤናት ወሲባዊ ጎነጽ ክቃለስ ከምዝውዕል ይገልጽ።
''ዘይረአ ተላባዒ ሕማም እዩ። ሰባት ንቡር ስለዝመስሎም ይፍጽምዎ፡ ግን ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም እንርእዮ ንብዙሓት ሰባት ርክቦም ዋጋ የስእኖ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ጎነጽ ቅቡል ይኸውን ኣሎ።''
ከምዚ ዓይነት ጎነጽ ዘጋጥሞም ሰባት፡ ብዛዕባ ሓደጋታቱ ዘይምፍላጦም ከምዘተሓሳስቦ ይዛረብ።
ጎስጓሲት ፍዮና ማኬንዜ ነቲ ውጽኢት ምርመራ ''ዘሰምብድን ዘፍርሕን'' ክትብል ትገልጾ።
''ኣብ ፍቕራዊ ርክብ'' ብዝተፈጠረ ስሕተት ሞይተን ዝበሃላ ደቂ ኣንስትዮ ምብዘሐንን፡ ብፍቓደን እየን ወሲብ ፈጺመን ዝብል ሓሳብ ከም መከላኸሊ ምቕራቡን ስለዘተሓሳሰባ እያ ጎስጓስ ጀሚራ ዘላ።
ኣና፡ ወሲብ ንኣወዳት እምበር ንደቂ ኣንስትዮ ዘየዕግብ ይኸውን ከምዘሎ ትገልጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







