ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መዓልታዊ ሓደ ሚሊዮን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ይፍጠር ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መዓልታዊ ሓደ ሚሊዮን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ይፍጠሩ ኢሉ።
እዚ ማለት፡ ልዕሊ 376 ሚሊዮን ሓደሽቲ ረኽሲታት ክላይሜዲያ [ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ዘጋጥም ምቅጻል]፣ ጅግል፣ ፍንጣጣን ከርክርን ዝበሉ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ይፈጥሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ቑጽሪ ናይዞም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምግታእ መስርሕ ደው ምባሉ ዘመልክት'ዩ ብምባል፡ "መንቅሒ ደወል" ክብል ገሊጹዎ።
እቲ ውድብ፡ ዓመታዊ በቶም ኣርባዕተ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ዝበጽሕ ዘሎ ዓለማዊ ጸቕጢ የጽንዕ'ዩ።
ኣብ 2012 ምስ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ክነጻጸር ከሎ ድማ፡ "ወሳኒ ምንካይ ኣይተርኣየን" ይብል ጸብጻብ እቲ ውድብ።
ብደረጃ ዓለም፡ ሓደ ካብ 25 ሰባት፤ እንተውሓደ ብሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲ ዝተጠቕዑ'ዮም ኢሉ። ጅግል፣ ጭብጢን ክላይሜዲያን ድማ ብናይ ባክቴሪያ ረኽሲ ይፍጠር።
ኣብ እዋን ሽንቲ ምቕንዛውን ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያ ድማ ምድማይን ካብቶም ምልክታት ብጾታዊ ረኽቢ ዝፍጠሩ ረኽስታት ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም ግን ምልክት የብሎምን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዞም ረኽሲታት ኣብ ዝተሓላለኸ ደረጃ ምስ ዝበጽሑ፡ መኻንነት፣ ናይ ነርቭ ጸገም ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት ከስዕቡ ይኽእሉ።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ነፍሰ ጾር እናሃለወት፡ ግዳይ እዞም ረኽሲታት እንተኾይና፡ መዓልቶም ከይኣኸለ ዝውለዱ፣ ትሑት መጠን ክብደት፣ ምቺ ሳንቡእ፣ ዓይነ ስውርነትን ሕማም ከብድን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ዘለዎ ህጻን ንኽውለድ ምኽንያት ይኸውን።
ሰራሕተኛ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፒተር ሳላማ፡ "ብደረጃ ዓለም፡ ብጸታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኣብ ምግታእ ሕጽረት ንርኢ ኣለና" ኢሉ።
"እዚ ንኹሉ ሰብ መንቅሒ ደወል'ዩ፤ ኩሉ ሰብ እዞም ሕማማት ንምክልኻልን ንምሕካምን ዘኽእሎ ኣገልግሎት ንክረክብ ድማ ዝተዋደደ ጻዕሪ የድሊ" ኢሉ።
ኮንደም ተጠቒምካ ውሕስነት ዝሓለወ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምን ሕክምናዊ መርመራ ምግባርን ኣገደስቲ መገድታት ተባሂሎም ብውድብ ጥዕና ዓለም ተሓቢሮም ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







