ጄኔቲካዊ ጽልዋ ዘበነ ንግዲ ባርነት ጸለምቲ 'ብዲኤንኤ' ተጸኒዑ

ሓወልቲ ኣፍሪቃውያን በራዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ 16 ክሳብ 17 ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን ብባርነት ናብ ኣመሪካ ዝተወስዱ ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ዝሰዓበ ሃስያ ንምፍላጥ ዝዓለመ ሓደ ዓቢ መፈጠራዊ (ጄኔቲካዊ) መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ልዕሊ 50,000 ከምዝተሳተፉን፡ እቲ ባርነት ኣብ ልዕሊ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ህዝቢ ዘይተኣደነ መፈጠራዊ ጽልዋ ከምዘገደፈን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ሕማም ከምኡ'ውን ዓሌትነት ዓቢ ሳዕቤን ከምዝነበሮ ንጹር ገይርዎ ይርከብ።

ካብ 1515 ዓ.ም ክሳብ 19 ክፍለዘመን ልዕሊ 12.5 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ከም ገላዩ ከምዝተወስዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብኣቶም፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ስብኡት፡ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም ንኣመሪካ ክውሰዱ እንከለው ከምዝሞቱ ይግለጽ።

እቲ ናይ ዲኤንኤ መጽናዕቲ ብሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ (23andMe) ዝተባህለት ኩባንያ ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን'ዩ ተኻይዱ።

ካብቲ መጽዕናቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ከምዝሕብሮ፡ እተን ከም በራዩ ተታሒዘን ኣደራዕ ዝወርደን ዝነበረ ኣፍሪቃውያን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረደን ዝነበረ ግፍዒ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ሰረት ከምዝገደፈ ይሕብር።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣንጻረን ኣፍሪቃውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሓያል ኣድልዎ ከምዝነበረን፡ እቶም ዋናታት ድማ ብሓይሊ ይጋሰስወንን ጾታዊ ምዝመዛን የብጽሑለን ከምዝነበሩ ይገልጹ።

ካብ 15 ክፍለ-ዘመን ጀመሩ ክሳብ 19 ክፍለ ዘበን ንልዕሊ 400 ዓመት ዝኸውን፡ ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ካብ ገዛውቶም ተሃዲኖም ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምዝተሸጡ ሰነዳት ይሕብሩ።

እዞም ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ሕርሻን ካልኦት ከበድቲ ስራሓት ተዋፊሮም ይሰርሑ ነይሮም። እኹል መግብን ሕክምናን ስኢኖም ዝሞቱ ኣፍሪቃውያን እውን ቁጽሮም ብሚልዮናት እዩ ዝግመት።