ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ምስጢር እታ ቐጠልያ መጽሓፍ

እታ ቐጠልያ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, Wikimedia Commons

ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ዶን ሻርሊ ህቡብ ተጻዋታይ ፒያኖን ጃዝን'ዩ ነይሩ። ብ1962 ዓ.ም ንደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ንምድህሳስ ዑደት ጀሚሩ። ቶኒ ሊፕ ዝተባህለ ጻዕዳ ከኣ መራሕ መኪናኡን ዓጃቢኡን ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ኣሜሪካ ክቱር ዓሌታዊ ፍልልይ ስለዝነበረ እቶም ብከተማ ማንሃታን ጉዕዞኦም ዝፈለሙ ተጓዓዝቲ፡ ህይወቶም ንምዉሓስ ብሓንቲ ቐጠልያ መጽሓፍ እናተመርሑ ይጓዓዙ ነበሩ።

እታ 10 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ብ1936 ዓ.ም እያ ተጻሒፋ። ትሕዝቶኣ ከኣንጸለምቲ ዜጋታት ኣሜሪካ ዘአንግዳ ትካላት መዕረፊ ኣጋይሽ፤ ቤት መግብን መስተን ከምኡ'ዉን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ዝምርሓሉ መጽሓፍ እያ።

ኣብ 1950 ዓመተ ምሕረት ገጻት እታ መጽሓፍ 80 በጺሑ። ኣብ ድራማ ቐጠልያ መጽሓፍ ታሪኽ ጉዕዞ ሻርልን ሊፕን ዳግማይ ምስተዘንተወ እታ መጽሓፍ ኣብ ኦስከር ተሸሊማ።

ኣብታ ድራማ ማሀርሻላን ሞርተንሰን ዝተባህሉ ተዋሳእቲ፡ ከም ወቓዒ ፕያኖን መራሒ መኪናን ኮይኖም ተዋሲኦም።

ዓሊን ቨጎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንምንታይ እዮም በታ ቐጠልያ መጽሓፍ ዝምርሑ? ንዝብል ሕቶ!

ዓሌታዊ ኣፈላላይ

ኣብቲ ቐጠልያ መጽሓፍ ዝተጻሕፈትሉ እዋን፡ ኣብምዕራባዊ ሽነኽ ኣሜሪካ ብጂም ክሮዉ ዝፍለጥ፡ ብዛዕባ ዓሌታዊ ጉዳይ ዝጸደቑ ሕግታት ነይሮም። ብጂም ክሮዉ ናይ ጸለምቲ ሓረስቶት ደርፊታት ዝተወስደ ስም ኢዩ።

ኣብ 1860 ሲቪላዊ ኩናት ምስተኻየደ ባርነት ኣቋሪጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ከባቢ ኣመሓደርትን ግዝኣታትን ኣመሪካ ''ተፈላላሊና ግን ማዕረ'' ዝብል ሕጊ ስለዘጽደቑ፡ ንጸለምትን ጻዓዱን ፈላሊኻን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ዜጋታት ኣብ ወሰናስን ናይ ሕብረተሰብ ከምዝነብሩ ገይርዎም።

ኣብቲ ዓሌታዊ ኣፋላላይ ዝነበረሉ ግዜ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከቡ ነይሮም።

ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ኣልቪን ሆል፡ ብጸዓዹ ዝውነና ትካላት፡ ንጸለምቲ ዜጋታት መራሕቲ መካይን ኣገልግሎት ናይ መካኒክ ይኹን ናይ መዕረፍን ክህቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ ይብል።

ኣብቲ እዋን መገሻ ዝበሃል ንህይወትካ ኣስጋኢ ዝኾነሉ ኩነት'ዩ ነይሩ ዝበለ "ብጌጋ ናብ ዘይግባእ ከተማን ቤት መስተን ምስ እትኣቱ'' ጸገም እዩ ክብል ንቢቢሲ ራዲዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ዝተፈልየ ናይ ማይ መቕደሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"መጽሓፍ ቅዱስ" ኣንጻር ዘይምጽዋር

ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ፖስታ ቪክትር ሁጎ ግሪን ብ 1936 ዓመተ ምሕረት ኣብ ከተማ ሃርለም ግዛኣት ኒዉዮርክ ይሰርሕ ነይሩ። ንሱ ንመሳርሕቱ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካዉያን ብዘይ ኣፈላላይ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ቦታታት ይውክሶም ነይሩ።

እታ ቐጠልያ መጽሓፍ ብዘይ ስክፍታ ንኣፍሪቃውያን ኣሜሪካዉያን ኣገልግሎት ዝህባ ቤት-መግብን መስተን፥ ሆቴላትን ክትሓቁፍ ብምኽኣል "ብፍላይ ድማ ንጸለምቲ ዜጋታት ተሳፈርቲ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ጸገማትን ስክፍታታትን ንምዉጋድ ዝተሓትመት መጽሓፍያ" ክብል ቪክተር ግርን ይገልጽ።

ካብ 1950 ክሳብ 1960 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቶም ንነዊሕ መገዲ ዝጓዓዙ ሰባት ከም መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙላን ክምርሑላን ከምዝኸኣሉ' ናይ ታሪኽ ምሁር ሱልቫን ሶሪን ብቓላቱ ገሊጹ።

ጸለምቲ ኣሜሪካዉያን ኣብቲ እዋን "ከቢድ ጽልእን ኣካላዊ መጉዳእትን" ይወርዶም ከም ዝነበረ ድማ ኣልቪን ይገልጽ።

"ኮይኑ ግን እታ ቐጠልያ መጽሓፍ ኣብዛ ሲኦላዊት መሬት ከም መድሕን ኮይና ንሕይወት ብዙሓት ካብ ሓደጋ ኣድሒና'ያ"።

ዶን ሸርሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተስፋ ንብሩህ መጻኢ

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ከም እትሕተምን ክሳብ 15000 ቕዳሓት ትሽየጥ ከም ዝነበረትን መጽሔት ስሚዝ ሶነያን ተመልክት።

ቪክተር ሆል ግሪን ኣብ 1948 ሕታማ፡ ብዛዕባ እዛ ቀጠልያ መጽሓፍ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ መጻኢ ምሕታም እዛ መጽሓፍ ኣድላይነት ኣይክህልዎን'ዩ ክብል ብኣወንታ ተዛሪቡ።

"ሽዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ኩላትና ከም ደቒ ሰባት መጠን ማዕረ ዕደላትን ሓለፋን ከህልወና ዩ" ኢሉ ተዛሩቡ።

ግሪን ኣብ 1962 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እታ ቐጠልያ መጽሓፍ ድማ ክሳብ 1967 ዓመተ ምሕረት ትሕተም ነይራ። ። ሕታማ ኣሜሪካ ንመጀመርያ ግዜ ሲቪላዊ ሰብኣዎ መሰል ዝብል ዓንቐጽ ተግባራዊ ምስገበረት ጠጠው ኢሉ።

ዓለታዊ ኣፈላላይ ኣብ ሚሲሲፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ብቐጥታ'ዶ ዘቋረጸ ይመስለኩም?

ኣለቪን ሆል፡ ቀጠልያ መጽሓፉ ሒዙ ጉዕዝኡ ካብ ከተማ ታላሃሲ፤ ፍሎሪዳ፤ ኣልባማ፤ ሚሲሲፒ፤ ተነሲ ከምኡ'ወን ሚሲሲፕ ጀሚሩ።

ንሱ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ስግኣት ከም ዘለዎም ከም ዝተዓዘበን፡ ገና ብዙሕ ጸገማት ከም ዘሎን ገሊጹ።

ዓሌታዊ ውጥረትን ሻቕሎትን ይቕጽል ከም ዘሎን እዚ ከኣ ብላክ ላይቭስ ማተር ሙቭመንት ዝብል ጎስጓስ "ንጸረ ጎንጽን ዓሌታዊ ኣፈላላይ" ንምጥፋእ ዝዓለመ ምንቕስቓስ ፈጢሩ።

ኣልቨን '' ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ኣብ ጉዕዝኦም ብጥንቓቀ ክጉዓዙ ኣለዎም'' ይብል። እዛ 1967 ሕታማ ዘቋረጸት ቀጠልያ መጽሓፍ ብዙሕ ልቦና ከም ዝነበራ ድሕሪ ምሕባር፡ ክሳብ ሎሚ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ የዘንቱ።