ጆርጅ ፍሎይድ፡ ጠንቂ ናዕቢን ቃልስን ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እንታይ እዩ?

ናዕቢ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሚንያፖሊስ፡ ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝፈጸሞ ግፍዒ ዓለም ብምሉኡ ርእይዎ።

ዘስካሕክሕ ፍጻመ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም - ኣብ በርሊን፣ ለንደን፣ ቶሮንቶ፣ ሚላኖ፣ ዳብሊን ... ወዘተ።

እቶም ሰላማዊ ሰልፍታት ገሊኦም ብሰላም፡ እንተ ገሊኦም ድማ ብባርዕን ዘረፋን ብምክያዶም ንኣቓልቦ ሚድያ ዓለም ስሒቡ ይርከብ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ድማ ብጕድለት ኣተኣላልያ እዚ ናዕቢ'ዚ ብዝተፈላለያ ሚድያታት ይንቀፍ ኣሎ።

ደሪክ ቾቪን ዝተባህለ ጻዕዳ ፖሊስ፡ እሞ ኸኣ ምስ ሰለስተ ብጾቱ ዀይኑ፡ ነቲ ጆርጅ ፍሎይድ ዝስሙ ሰብኣይ፡ 'ከተንፍስ ኣይክእል ኣለኹ' እናበለ፡ ክሳብ ትንፋሱ ትሓልፍ ንሾሞንተ ደቓይቕ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጹ ቀተሎ።

ብኡ-ንብኡ ግብረ-መልሲ ናይ'ቲ ርኡይ ጭካነ'ቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓዊ ተባርዐ።

ወዲ 59 ዓመት ውሩይ ተዋሳኢ ጆርጅ ክሉኒ፡ ነቲ ወትሩ ጊዜ በጨቕ ዝብል ጭካኔ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብምጥቃስ"ኣብ ኣሜሪካ ሰፊኑ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ዓሌታውነት'ዩ" ክብል መስኪሩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ሰበቡ ሓያል ክነሱ ፖሊስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዜጋታት ዘዘውትርዎ ግፍዒ ምምሕያሽ ኣየርኣየን።

ጽገናታት ኣብ ክንዲ ዝግበሩ ብዙሕ ጊዜ እቲ ግፍዒ መሊሱ ክድገም ተራእዩ። ንዕኡ ብምጥቃስ እምበኣር'ዩ ጆርጅ ክሉኒ "ለውጢ ኣይንርእን ዘሎና" ኢሉ ኣብ ጋዜጣ ጽሒፉ።

ኣብ ዘበን ሶሻል-ሚድያ፡ ዳርጋ ኵሉ ሰብ መስኣሊ (ሞባይል-ፎን) ሒዙ ኣብ ፈቐድኡ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ኣሜሪካ ዘሎ ጠመተ ዛይዱ'ዩ፣ ይዅን'ምበር እቲ ኵነታት ኣይተመሓየሸን፣ ፖሊስ ደጋጊሞም ነቲ ግፍዒ ክውዕልዎ ይረኣዩ ኣሎዉ።

ንምንታይ'ዩ ኣብ ኣሜሪካ፡ እቲ ዝሃብተመን ዝሓየለን ሃገር ኣብ ዓለም፡ ብጕዳይ ሓለዋ ፖሊስ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ንኻልእ ሃገራት ኣብነት ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ሽግራት ኣብ ክንዲ ምእላይ ባዕሉ ሽግራት ዝፈጥር?

እዚ ሕቶ'ዚ ብቐሊሉ ክምለስ ኣይከኣልን፣ እቲ ጕዳይ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ነዊሕን ጽዑቕን ዝተሓላለኸን ስለ ዝዀነ።

ታሪኽን ቃልስን ጸለምቲ ኣሜሪካውያን

ምንጪ ስእሊ, API

ታሪኽን ቃልስን ጸለምቲ ኣሜሪካውያን

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዳርጋ ኣይፍለጥን'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብዙሓት እቲ ወጽዓ ጸለምትን ታሪኾምን ብማዕዶ እዮም ዝፈልጡዎ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝስማዕን ዝንበብን ዜናን ዛንታታትን ተመርኲስካ ግን ብኵነታት ጸለምቲ ሓደ ስእሊ ክቐርብ ይኽእል እዩ።

ግናኸ ብዛዕባ ታሪኾም፡ ኣውራ ኸኣ ብ መሰል-ሲቪል ኣሜሪካ (Civil Rights Movement) ዝፍለጥ ድሩት'ዩ ።

ብሓጺሩ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያንን ደገፍቶም ዘካየድዎ ቃልሲ ሓያልን ዉጽኢታውን ምንባሩ በቶም ሓያሎ ዝተኣታተዉ ለውጥታት ክምዘን ይከኣል።

ኣይኰነን'ዶ ብእዋን ባርነት ቅድሚ 30 ዓመታት ኵነታት ከመይ ከም ዝነበሩ እቶም ጌና ብህይወቶም ዘሎዉ ዜጋታትን ምሁራትን ይምስክሩ'ዮም።

ቃልሲ ጸለምቲ ነዞም ኵሎም ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን (ከምኡ'ውን ካልኦት ኣፍሪቃውያን) መገዲ ከም ዘጣጥሕሎም ምግንዛብ ኣድላዪ'ዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ መራኸብ-ብዙሃን ብተደጋጋሚ ዝቐርቡ ዘሎዉ በብዓይነቶም ዜናታት ናዕብን ባርዕ-ሓውን ሓደስቲ ተርእዮታት ኣይኰኑን።

ጠንቅታቶም ካብ ጊዜ ባርነት ጀሚሩ በብእዋኑ በጨቕ እናበለ ምስ ምዕባለታት ተጓዒዙ እዩ። ስለዚ እቲ ጸገም ክብል-ክብል ምስ ታሪኽ ባርነት ዝተኣሳሰረ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ስነ-ጽሑፍ ታሪኽ ጸለምቲ ኣዝዩ ሃብታም ክነሱ ኣብ ኣብያተ ታሕታይን ላዕላይን ትምህርቲ ኣይቀርብን እዩ።

እዞም ሕጂ ዝረኣዩ ዘለው ፍጻመታት ምስ ታሪኽ መሰል-ሲቪል ኣሜሪካ ኣወሃሂድካ ምስ ዝረአ እቶም ጠንቅታትን ኣብ ክቦም ዓሲሎም ዝርከቡ ሽግራትን ጎሊሖም ክረኣዩ ይኽእሉ።

ብታሪኽ መሰል-ሲቪል ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣሜሪካ (ምናዳ ጸለምቲ) እቲ ዝዓበየ ለውጢ ዘተኣታተወ ቃልሲ ይዅን'ምበር እቲ ኣድልዎ-ብዓሌትን ዘይምዕሩይ-መሰላት-ዜጋታትን ካብ ስእሊ ኣሜሪካ ብጠቕላላ ከልግስ ኣይከኣለን።

ጸለምቲ ኣመሪካውያን ፖለቲካውን ማሕበራውን ለውጥታት ንከተኣታትዉ ዘካየድዎ ቃልሲ ካብ መፈለምታ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ታሪኾም ምዝጉብ'ዩ።

ጸለምቲ ከም ባሮት ኣብ ኣሜሪካ ክሽየጡ ዝጀመርሉ እዋን ብ1619 ኢዩ።

ብ1865፡ ፕረሲደንት ኣብራሃም ሊንከልን ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ድማ ጸለምቲ ካብ ባርነት ሓራ ወጽኡ።

ይዅን'ምበር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ግፍዕታት ኣየብቅዐን። ፕረሲደንት ሊንከልን ድማ ከም ዝተቐትለ ዝዝከር'ዩ።

እቶም ክፍለ-ሃገራት፡ ብድሕሪ "ሕገ-ጸለምቲ" (Black Code) ዝፍለጡ ሕግታት ተኸዊሎም ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ገበን ይፍጽሙ ነበሩ - ምናዳ ኣብ ስራሕ ዓለም።

ንጸለምቲ ዝዕምጹ ጸበብቲ ዓንኬላት መንግስቲ ብዝያዳ ኣብ'ተን ኣግልሎ ዝጥቀማ ናይ ደቡብ ክፍለ-ሃገራት ሕ.መ.ኣ. ይርአ ምንባሩ ሰነዳት ይሕብሩ።

ብተወሳኺ ድሕሪ ሓርነቶም ጸለምቲ ኣብ ፈቐድኡ ብዓጋፎ ይቕተሉ ነበሩ። ብዓጋፎ ምቕታል ማለት ሰባት ተኣኪቦም፡ ካብ ሕጊ ወጺኦም፡ ንጸለምቲ ኣብ ኣግራብ ይሓንቅዎም ነበሩ። እዚ ማለት ካብ ባርነት ኣምሊጦም ኣብ ኢድ ሓነቕቲ ዓጋፎ ይወድቁ ነበሩ።

ብ ኩ-ክላክስ-ክላን (KKK) ዝፍለጡ ምንቅስቓሳት ጸዓዱ እናተገፍዑ ድማ ንነዊሕ እዋን ተሳቕዮም'ዮም።

እዚ ላዕለ-ላዕሉ'ዩ፣ እቶም ብጋህድን ብሕቡእን ዝፍጸሙ ዝነበሩ ግፍዕታት ግን ኣብ ስነ-ጽሑፍ ጸለምቲ ምዝጉባት'ዮም።

ኩ-ክላክስ-ክላን

ምንጪ ስእሊ, BUYENLARGE VIA GETTY IMAGES

ለውጥታት ንከተኣታትዉ ህርድግ ካብ ዝበሉ ተቓለስቲ

  • ፍረድሪክ ዳግላስ (1818-1895) - እቲ ካብ ባርነት ሃዲሙ ኣብ ምምራሕ ምንቅስቓስ ዉገዳ-ባርነት ዝተቓለሰ
  • ሃርየት ታብማን (1822-1913) - እታ ብድሕነት ነብሳ ከይፈርሀት ንዉገዳ-ባርነት ትንቀሳቐስ ዝነበረትን ብሕቡእ ከኣ ንባሮት እተህድም ዝነበረት
  • ዊልያም ዱብዋ (1868-1963)- እቲ ብዛዕባ ትርጕምን ህይወትን መንፈስን ባራዩ ንዓለም ብስነ-ጽሑፉ ዘላለየ ጥራይ ዘይኮነስ 'ሕብረት ጸለምቲ ኣመሪካውያን' (NAACP) ዝተባህለ ዓቢዪ ሃገራዊ ትካል ኣብ ምምስራት ኢድ ዝነበሮ ምሁር
  • ሮዛ ፓርክስ (1913-2005) - እታ ብእምቢተኝነት እትፍለጥ፡ ብዓይኒ ትእምርቲ ክርአ ኸሎ "ኣብ ኣውቶቡስ ሰፈረይ ንጻዕዳ ኣይህብን" ኢላ ብትብዓት ብምሕንጋዳ ኣብነት ዝዀነት ዓባይ ተቓላሲት መሰል-ሲቪል ምዃና'ያ።

ንማልኮልም-አክስ (Malcolm X) ዳርጋ ዘይፈልጥ ሰብ የለን ክበሃል ይከኣል።

ንሱ ሓደ ካብ'ቶም ኣዝዮም ግኑናት መራሕቲ ምስ ነሽን-ኦፍ-ኢስላም ዝበሃል ማሕበር ኰይኑ (Nation of Islam) ብንጹር ንጽንሰ ሓሳብ ዘርኢ (ጸሊምነት)፡ ሓበን-ጸለምቲ ኰነ ብሄረውነት-ጸለምቲ ብስሳታት ኮፍ ዜበለ ሓያል ተቓላሲ ነበረ።

ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር ዝተጻወቶ ተራ

ኣብ ምንቅስቓስ መሰል-ሲቪል ኣሜሪካ ዝዓበየ ተራ ዝተጻወተ መራሒ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር ነበረ።

ኣይጸንሐን ግን፡ ኣብ 39 ዕድሚኡ ብሓደ ኣኽራሪ ጻዕዳ ተቐትለ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልተ ኣገደስቲ ጽሑፋት ኣብ 'ሳይኮሎጂ-ቱደይ' (Pschology Today) ተሓቲመን ነበራ።

እታ ሓንቲ ብዶክተር ጆሴፍ ፒየር ዝተባህለ፡ ኣብ ዩ.ሲ.ኤል.አይ. ተመራማሪ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ዝተጻሕፈት "ሳይኮሎጂ ናዕቢ - ቋንቋ ዕቡሳት" ዘርእስታ ዀይና፡ ሱር እቲ ሕማም ኣብ ክንዲ ምፍዋስ ንሕለጋቱ ክንኵንን መፍትሒ ኣይኰንነ ኢላ እትምጉት እያ።

እቲ ጽሑፍ፡ "ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ በጨቕ ዚብል እምባጋሮ ንምርዳእ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብ1967 "እታ ካልእ ኣሜሪካ" እትበሃል መደረኡ ተመሊስና ክንሰምዕ ይግባእ" ይብል።

ዶክተር ፒየር ከም ዝበሎ፡ "ማርቲን ሉተር ኪንግ ብዛዕባ ናዕቢ ህዝቢ ምሂሩና'ዩ ... ናዕቢ ከም ሕለጋት ቍስሊ ክርአ ከም ዘለዎ፣ እቲ ቀንዲ ሕማም ከኣ እቲ ዉሽጠ-መዛርዓዊ (systemic) ዓሌታውነት ምዃኑ ምስትብሃል" እናበለ ይምጕት።

ማርቲን ሉተር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ማርቲን ሉተር ኪንግ እንታይ በለ?

"ከምቲ ኵሉ ጊዜ ዝብሎ ዝነበርኩ፡ ንብሕጂ'ውን ዝደግሞ፡ ናዕቢ መዕነው ሕብረተሰብ'ዩ፣ ከምኡ'ውን ሰባት ንዝተበገሱሉ ዕላማ ዝሃሲ'ዩ። እቲ ኣነ ዐርየ ዝኣምነሉ ስልቲ፡ ማለት ዉጹዓት ክጥቀምሉን ዝረብሕሉን ኣገባብ ቃልሲ፡ ጐነጽ-ኣልቦ ቃልሲ ምዃኑ'ዩ።

. . . እምባጋሮ ኣብ ክንዲ መፍት ዝኸውን ተወሰኽቲ ጸገማት'ዩ ዝፈጥር። ስለዚ ጸለምቲ ኣብ ኣሜሪካ ጐነጻዊ ቃልሲ ከካይዱ ምሕሳብ ዘበት'ዩ። ንእምባጋሮ ደጋጊመ ብምዅናን፡ ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝብሎ እንተሎ ካብኡ ምርሓቕ ጥራይ'ዩ። ካልእ ኣገባብ ቃልሲ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።

. . . ከምቲ ንናዕቢ ኣትሪረ ዝቃወሞ፡ ንደቂ ሰባት ደፊኦም ኣብ ናዕቢ እትዉዎም ኵነታት'ውን ኣትሪረ እቃወሞም'የ። ኣሜሪካ ክትግንዘቦ ዘሎዋ ጕዳይ ናዕቢ ብዘይ ምኽንያት ኣይፍጠርን'ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ናዕቢ ዝፈጥሩ፡ እሞ ብተሪር ክንቀፉን ክውገዱን ዝግብኦም ጕዳያት ኣሎዉ። ኣብ መወዳእታ ትንታኔና እንግንዘቦ ጕዳይ እንተሎ፡ ናዕቢ ቋንቋ ናይቲ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ምዃኑ'ዩ።

ኣሜሪካ ጸማም እዝኒ እትህበሎም ዘላ ጕዳያት ኣየኖት'ዮም? ኣሜሪካ ንኵነታት ናይ'ቶም ድኻታት ጸለምቲ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ንጻውዒቶም ኣይሰምዓቶን። ጸለምቲ ነቶም ናይ ፍትሕን ሓርነትን መብጽዓታት ና ከም ዘይተረከብዎም ኣሜሪካ ጸማም እዝኒ ትህበሉ ኣላ።

ጸዓዱ፡ እቶም ዝበዝሑ ክፋል ሕብረሰብና፡ ብናይ ህልዊ ኵነታቶም ጥራይ ተደሪኾም ብርግኣትን ቅሳነትን ክነብሩ'ዮም ዝዓጅቦም፣ ብዛዕባ ፍትሕን ማዕርነትን ሰብኣውነትን ኣይሓስቡን ... ነዚ ኣሜሪካ ኣይተገደሰትሉን።

ስለዚ ኸኣ'ዩ ናዕብታት በቶም ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎዉ ሃጓፋት ተደፊኦም ኣብ ጸገም ዝኣትዉ ዘዉ። ኣሜርካ ንፍትሒ ደጋጊማ ረጊጻቶ ትሓልፍ እንተድኣ ዀይና ናዕብን ምርጻምን'ውን ደጋጊሞም ክህልዉ'ዮም። ፍትሕን ምዕባን ምስ ዝነግሱ ጥራይ'ዮ ንእምባጋሮ ከይልዓል ዋሕስ ዝዀንዎ"

ናዕቢ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ንሕና ከይተለወጥና ኵነታት ኣይልወጥን"

ብዶክተር ትረይሲ ስታይን፡ ኣብ ኒውዮርክ እትርከብ ሳይኮሎጂስት፡ ኣብ 'ሳይኮሎጂ ቱደይ' (30 ጉንበት) ብዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ ዝርአ ዘሎ ናዕብታት ዝተሓትመት ካልአይቲ ጽሕፍቲ'ውን ኣገዳሲት'ያ።

ዶክተር ስታይን ጻዕዳ'ያ፣ ሓጥያት ጽዓዱ ብናታ ርእይቶ ኣቕሪባቶ ኣላ።

ምርድኡ ድማ ኣገዳሲ ይኸውን ምኽንያቱ እቲ ዓቢ ስእሊ ብምርኣይ እቲ ፍወሳ ሕብረተሰብ ኣሜሪካ ብኸመይ ኣገባብ ክመጽእ ከም ዝኽእል ሓሳባ ሂባትሉ ኣላ።

ትብል ኸኣ "ናዕቢ ፈውሲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ንምንታይ ከም ዝተላዕለ ይርድኣኒ'ዩ። ሓደ ሰብ ምሉእ ህይወቱ ብፍርሕን ሕርቃንን ብተስፋ-ኣልቦነትን ተኣሲሩ ምስ ዚነብር ስእነተ-ፍትሒ ኣብ ጥርዚ'ዩ ዝበጽሕ። ሽዑ ናዕቢ ይውላዕ"።

ወሲኻ፡ "ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኵነታት ኣብ ክንዲ ዝመሓየሹ እናገደዱ መጺኦም። እዚ ንጸለምቲ ዜጋታትና ሓዲስ ነገር ኣይኰንን" ትብል ዶክ ስታይን።

ንዊል ስሚዝ ብምጥቃስ (እቲ ወናም ተዋሳኢ) ድማ ከምዚ ትብል ... "ኣድልዎ-ብዘርኢ ኣይገደደን፡ ግናኸ ሕጂ ብስእሊ ይቐርብ ኣሎ"።

ዶክተር ስታይን ከም እትብሎ፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ሓደ ዓሌታውን (ብዘርኢ ዜዳሉ) ፖሊስን ካልኦት ሞያተኛን፡ እቲ ፖሊስ ናይ ሞትን-ህይወትን ስልጣን ስለ ዘሎዎ'ዩ።

"እቲ ጕዳይ ጆርጅ ፍሎይድ ከም ዘርእዮ፡ እቲ ዝቐተሎ ፖሊስ ዝመጽኦ ነገር ከም ዘይብሉ ተኣማሚኑ'ዩ ነቲ ግፍዒ ፈጺሙዎ" ድማ ትብል።