ባራክ ኦባማ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ምንቃፍ ቀጺሉ

ፕረዚደንት ትራምፕን (ጸጋም) ፕረዚደንት ኦባማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ንገለ ተመረቕቲ ተምሃሮ ብኦንላይን ኣብ ዝስመዖ መደረ፡ ብዙሓት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኣተኣላልያ ኮሮናቫይረስ፡ "ሓላፍነት ዝስመዖም ከምስሉ'ኳስ ኣይፈተኑን" ኢሉዎም።

ኦባማ፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ኮሮናቫይረስ፡ ኣትሪሩ እንትነቅፍ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደጊሙ ዘስመዖ ነቐፌታ፡ "ዓብዪ ውድቀት እዩ" ኢልዎ።

ባራክ ኦባማ፡ ነቶም መብዛሕተኦም ጸለምቲ ዝመሃሩለን ተባሂለን ካብ ዝእመነለን ዩኒቨርሲቲ ንዝምረቑ ተምሃሮ እንትዛረብ እዩ ነቐፌታ ኣስሚዑ።

ኣብዚ መደርኡ፡ ኮቪድ19 ናይታ ሃገር ኣመራርሓ ክንደይ ዝኣክል ድኹም ከምዝኾነ ዘጋለጸ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

"ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ዝገብርዎ ዘለዉ ጉድ ሸፊኑ ዝነበረ መጋረጃ ተጋሊሁ ዝተርኣየሉ ኣጋጣሚ እዩ"።

ኦባማ ቀጺሉ ድማ፡" እንተወሓደ ሓላፍነቶም ይዋጽኡ ከምዘለዉ ከምስሉ'ኳስ ኣይፍትኑን" ኢሉዎም።

ገለ መረዳእታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 1200 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም።

ብድምሩ፤ ዛጊድ ብዝሒ በቲኡ ቫይረስ ዝሞቱ ኣመሪካውያን 89 ሽሕ ኾይኑ፤ እቲ ቁጽሪ ካብ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዝተመዝገበ ዝለዓለ እዩ።

ካሊእኸ እንታይ ኢሉ?

ኦባማ፡ ኮሮና ቫይረስ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘሕደሮ ኣብዪ ጽልዋ'ውን ኣብሪሁ።

"ከምዚ ዓይነት ለበዳ፡ ኣብታ ሃገር ንዓመታት ሱር ዝሰደደ ዘይምዕሩይነት ናብራ፡ ቀሊዑ ዘርኢ ኾይኑ፡ ብፍሉይ ጸለምቲ ግዳይ ኮይኖም" ኢሉዎም።

ናይቲ ቫይረስ ግዳይ ካብ ዝኾኑ ኣመሪካውያን፡ ቁጽሪ ጸለምቲ ምስ ብዝሖም ዘይመጣጠን ቁጽሪ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ባራክ ኦባማ ኣብ ዘረብኡ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዞግ ዞግ እናበለ እንተሎ ብክልተ ጸዓዱ ብጥይት ዝተቐትለ ሲቪል ጸሊም ኣሕመድ ኣርበሪ፡ ጉዳይ'ውን ኣልዒሉ።

"ጸሊም ብምዃንካ ዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ጠጠው ኣቢሉ እንትሓተካን፡ መልስኽ እንተዘይኣሕጒስዎ'ሞ እንተቐቲሉካን፡ እቲ ናይ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ክንደይ ዝኣክል ሰፊሑ ከምዘሎ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእይ እዩ" እውን ኢሉ።

"እዛ ዓለም ዝሐሸት ክትከውን ንምግባር፤ እታ መፍትሕ ኣብ ኢድኩም እያ ዘላ" ኢሉዎም ነቶም ምሩቓት።

ባራክ ኦባማ ብ2017 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ንደሓር፡ ቁጡብ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ግና፡ ምስ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሓደ ክልተ ተበሃሂሎም ኣለዉ።

ብፍላይ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኦባማ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ኾይኑ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ንምትዕንቓፍ ገበን ይሰርሕ ኣሎ ክብል ክሳብ ምኽሳስ በጺሑ።

ትራምፕ፡ "እዚ ኣብ ታሪክኣመሪካ፡ ዓብዪ ፖለቲካዊ ገበን እዩ" ኢሉ ብትዊተሩ።