ናይ ቲፋኒ ፊልም ብላክ ሚትዝቫህን ጉዕዞ ናብ ይሁድነትን

ኮመድያዊት ቲፋኒ ሓድሽ ባት ሚትዝቫህ ጸምቢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ኮመድያን ቲፋኒ ሓድሽ ኣይሁዳውነታ ዘንጸባርቕ 'ባት ሚትዝቫህ' ጸምቢላ።

'ባት ሚትዝቫህ'፡ ኣይሁዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚአን 12 ክመልእ ከሎ ዝጽምብልኦ፡ መግለጺ መንፈሳዊ ዕብየትን ንትእዛዛት ኦሪት [ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ሓሙሽተ ቀዳሞት መጻሕፍቲ] ንምፍጻም መብጽዓ ዝኣትዋሉን ጽምብል እዩ።

ቲፋኒ ነቲ ጽምብል ምስ በዓል መበል 40 ዓመታን ምዝርጋሕ 'ብላክ ሚትዝቫህ' ዝተሰምየ ሓድሽ ዝሰርሓቶ ኮሜድያዊ ፊልም ኣብ ኔትፍሊክስን ብሓባር እያ ኣብዒላቶ።

ኣብቲ ፊልም ቲፋኒ ነቲ ኣይሁዳዊ ውርሽኣ፡ እያ ተንጸባርቕ።

እቲ ጉዕዞ ንተሞክሮ ናይቶም ንመበቆሎም ዝረኸቡ ወይ'ውን ናብ ይሁድነት ሓያል መንፈሳዊ ምሰጣ ዘለዎም ብዙሓት ጸለምቲ ኣይሁድ ዘንጸባርቕ እዩ።

ቲፋኒ ጓል 27 ዓመት ምስ ኮነት እያ ምስ ኤርትራዊ ኣቡኣ ክትራኸብ ዝኸኣለት፤ እንተኾነ ግና ናይ ዲኤንኤ መርመራ ድሕሪ ምግባራን ኣይሁዳዊ መበቆል ከም ዘለዋ ድሕሪ ምርግጋጻን እያ ነቲ እምነት ክትቕበሎ ዝጀመረት።

ቋንቋ እብራይስጥ ክትመሃርን ንመጽሓፍ ኦሪት ክተጽንዕን ድማ ጀሚራ፤ 'ባት ሚትቭዛህ' ምጽምባል ድማ ነቲ ኣፍሪቃዊ-ኣይሁዳዊ መበቆል ወለዳ ዘኽብር ምኻኑ ተዛሪባ።

ነቲ ናታ ተሞክሮ ንኻልኦት ምንጋር፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምስቲ መበቆሎም ክተኣሳሰሩ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ቲፋኒ ትገልጽ።

ነቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ክጽምበርዎ ከም ዝኽእሉ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣይሁድ ዝገብሮ ዝተፈላለየ መግለጺታት ስለዘሎ እዩ።

ቲፋኒ ሓድሽ 'ብላክ ሚትዝቫህ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቲፋኒ ጀነቲካዊ መርመራ ድሕሪ ምግባራ ኣይሁዳዊ መበቆል ከም ዘለዋ ድሕሪ ምርግጋጻን ነቲ እምነት ክተቅበሎ ጀሚራ

'ኣይሁድ ዝገብሩ፡ ዝተፈላለዩ መገድታት'

ብባህሊ፡ ይሁድነት ብእኖኣዊ መስመር እዩ ዝውረስ፤ እንተኾነ ግና ኣባሓጎካ ወይ ኣደ-ዓባይካ ኣይሁድ ምስ ዝኾኑ፡ ምስቲ ሃይማኖት ዝምድና ንምምስራት እኹል ምዃኑ'ውን ይግለጽ።

ቁጽሪ ኣይሁዳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ምጽብጻብ ዘይከኣል ምዃኑ፡ ደራሲ 'ዘ ብላክ ጂውስ ኦፍ ኣፍሪካ' [ጸለምቲ ኣይሁድ ኣፍሪቃ] ዶክተር ኤዲዝ ብሩደር ትነግር።

"እዚኦም ተለዋወጥቲ ሕብረተሰብ እዮም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣይሁድ ትኾነሉ ብዙሕ መገድታት እዩ ዘሎ" ኢላ።

ዛጊት፡ እቶም ዝበዝሑ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብቐንዱ ካብ ኤውሮጳ ብዝሳገሙ ስድራቤታት ዝቖሙ እዮም።

ቤተ እስራኤል [ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ] ኣፍልጦ ከይረኸቡ፡ ንዘመናት ዝጸንሑ ኮይኖም፤ ከም ኣይሁዳውያን ኣብ 1975 እዮም ብእስራኤል ተፈሊጦም።

ዝበዝሑ ድማ [ከባቢ 40,000] ካብ 1970 ክሳብ 1991 ኣብ ዘሎ ግዜ ብሕቡእ ስርሒታት ናብ እስራኤል ከም ዝግዕዙ ተገይሩ።

እንተኾነ ግና፡ ዝተፈላለየ መበቆልን፡ ዝተፈላለየ ደረጃ ወግዓዊ ኣፍልጦን ዘለዎም ንኣሽቱ ማሕበረሰባት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ይርከቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዛንታታት ናይቶም ምስ ይሁድነት ዝምድናታት ዘለዎም ጸለምቲ ሰባት ዝተፈላለየ እዩ።

ገሊኦም ከም ቲፋኒ፡ ነቲ መበቆሎም ብጀነቲካዊ መርመራ ዘረጋገጹ ክኾኑ ከለው፡ ካልኦት ከም ማይክል ሎሞቲ ዝኣመሰሉ ነቲ ኣይሁዳዊ መበቆሎም ብኻልእ መገዲ ዝረኸቡ እዮም።

ማይክል ኣብ 1960ታት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እንግሊዝ፡ ኣብ ከተማ ሃል እዩ ዓብዩ። ንሱ ካብ ስድራቤቱ ወጻኢ ካልኦት ጸለምቲ ይፈልጥ ኣይነበረን።

ኣብ ቤትመቕደስ ኣይሁድ ዘምልኽ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Michael Lomotey

መግለጺ ስእሊ, ኣቦ ሎሞቲ ኣብ ቤትመቕደስ ኣይሁድ 1965

ክልቲኦም ወለዱ ኣይሁድ እዮም ነይሮም፤ ኣዲኡ ጻዕዳ እንግሊዛዊት፡ ኣብኡ ድማ ጸሊም ጋናዊ እዩ።

ሎሞቲ ግና ክሳብ ናብ ዕድመ መንእሰይ ዝበጽሕ ብዛዕባ ኣይሁዳዊ መንነቱ እንዶ ኣይነበሮን።

"እቲ ኣብ ገዛና ዝግበር ኩሉ፡ ባህሊ ጋና'ዩ ዝመስለኒ ነይሩ" ኢሉ።

ወለዱ ስለምንታይ ብዛዕባ ይሁድነት ከም ዘይነገርዎ ርግጸኛ ኣይኮነን፤ ዕድሚኡ 18 ኣኺሉ፡ ካብ ወለዱ ክፍለይ ከሎ ግና፡ ኣብኡ መጽሓፍ ኦሪት ሂብዎ።

"'እዚ ምንጪ ናይ ኩሉ ክኸውን ኣለዎ' ብምባል ጎርጒረዮ፡ ሽዑ በሪሁለይ" ኢሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ካብቶም ሊበራዊ ክሳብ እቶም ሕሉፋት-ኦርቶዶክስ 'ሀረዲ' ኣይሁድ፡ ምስ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ኣይሁዳውያን ኣምሊኹ ኣሎ።

ሚካኤል ሎሞቲ፡ ክልቲኦም ወለዱ ኣይሁድ ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ሚካኤል ሎሞቲ ኣብ ምዕራባዊ መንደቕ የሩሳሌም፡ ሰባት ብመንነቶም ክኾርዑ የተባበዕ

ኣብዚ እዋን ሎሞቲ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ሰሜናዊ ለንደን ኣብ ሓደ ቤትመቕደስ ኣይሁድ ይመላለስ።

ቲፋኒ ናብ ኣይሁዳዊ መበቆላ ምምላሳ ከም ዘሐጎሶ ሎሞቲ ይዛረብ።

"ብመቦቆሎም ዝኾርዑ ሰባት ክነተባብዖም ኣሎና" ይብል።

ኣይሁድ ምዃን

ካልኦት ድማ ብዝተፈልየ መገዲ ኣይሁድ ዝኾኑ ኣለው። ኣይሁድ ምዃን ንብዙሓት ኣዝዩ ዓሚቚን ውልቃውን ተሞክሮ እዩ።

በዚ ድማ ቁጽሪ ናይ'ቶም ከምኡ ዝገብሩ ሰባት ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓንቲ ካብቶም ከምኡ ዝገበሩ ግና ቤዛ ኣበበ እያ።

ቤዛ ኣብ ኢትዮጵያ እያ ተወሊዳ፤ ዓርካ ብዛዕባ ኣይሁድ ምስነገራ፡ ስለዝተመሰጠት ኣብ እስራኤል ብምኻድ ነቲ ሃይማኖት ኣጽንዐት፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣይሁድ ተቐየረት።

እቲ መስርሕ ቀሊል ኣይነበረን። ፈለማ ነቲ ጸሎት ክተንብብን ክትርዳእን ምእንቲ ንከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ቋንቋ እብራይስጥ ክተጽንዕ ነይርዋ።

ቤዛ ኣበበ
መግለጺ ስእሊ, ቤዛ ኣብ ኢትዮጵያ እያ ተወሊዳ፤ ኣብ እስራኤል ብምኻድ ነቲ ሃይማኖት ኣጽኒዓ ኣይሁድ ተቐዪራ

"ኩሉ ሙሉ ከባቢ ኣርባዕተ ዓመት ወሲዱለይ። ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ግና ዕቱብነተይ ርእዮም ስለዝሓገዙኒ ፈጺመዮ" ኢላ።

ሰባት፡ ስለምንታይ ብኸምዚ ዝበለ ዝተሓላለኸ መስርሕ ክትሓልፍ ከም ዝወሰነት ክሓቱ ከለው፡ "ነብስኻ ኣይሁድ ኮይና'ያ ትውለድ። ወላ እንተተለወጥካ ኣብ ገለ እዋን ኣብ ህይወትካ ትረኽባ ኢኻ" ትብል።

እዚ ማለት ነብስኻ መን ምዃንካን ስፍራኻ ኣበይ ምዃኑን ኸመይ ኣቢልካ ናብኡ ትበጽሕን ትፈልጥ'ያ።

ናይ ቲፋኒ ጽምብል 'ባት ሚትዝቫህ' ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኪ መልእኽትታት ኣውሒዙላ እዩ።

ጸሓፊትን ሰራሒት ፊልምን ሬቤካ ፒርስ "ናትኪ 'ባት ሚትዝቫህ'ን ውርሻ ኣይሁድ ምቕባልክን ንኹሎም ጸለምቲ ኣይሁድ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ቤዛ ብወገና "ሓደ ሰብ ውርሽኡ ከናድይን ረኺቡ ክሓቑፎን ከሎ ፍሉይ ሓጎስ እዩ ዝፈጥረለይ" ብምባል፡ ዮሃና ኢላታ።