ህብብቲ ተዋሳኢት፡ ኮሜድያን ደራሲት ቲፋኒ ሓድሽ ኤርትራዊ ዜግነት ተዋሂባ

ምንጪ ስእሊ, yemane gebremeskel/twitter
ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ዝተወለደት ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት፡ ኮሜድያንን ደራሲትን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ኤርትራዊ ዜግነት ተዋሂባ።
ቲፋኒ ኤርትራዊ መንነት ክወሃባ ሕቶ ኣቕሪባ ምንባራ፡ ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ወ/ሮ ሓድነት ቀለታ ኣብ ትዊተር ሓቢራ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእልታት፡ ቲፋኒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ባንዴራ ኤርትራ ተወንዚፋ ቅጥዕታት እናመልአት ትርኣይ።
ህብብቲ ተዋሳኢት ሆሊውድ ቲፋኒ ኣብ መበል 28 በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምስታፍ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ናብ ኣስመራ ምእታዋ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ጽምብል እናተሳተፈት ዘርእይ ስእሊ'ውን፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ለጢፉ ኣሎ።
ቲፋኒ ሓድሽ መን እያ?
ህብብቲ ተዋሳኢትን ኮሚድያንን ቲፋኒ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦኣ- ጸሃየ ረዳ ሓድሽን ካብ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት ኣዲኣ- ለኦላን ኣብ 1979 ኣብ ደቡባዊ ሎስ-ኣንጀለስ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ።
ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ተራ ፍልጥቲ እያ። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ።
ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ምውሳእ ከም ዘለዋ ዝግለጽ ቲፋኒ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እያ ህቡብነት ክተጥሪ ዝኸኣለት።
ጓል ሰለስተ ዓመት እንከላ ካብ ኣዲኣ ንዝተፈለየ ኣቡኣ ንምቕባር ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኤርትራ ዘምርሕት ቲፋኒ፡ በቲ ኣጋጣሚ ምስ ስድራቤት ኣቡኣ ክትራኸብ ከም ዝኸኣለትን ኣዝያ ከም ዝተመሰጠትን ምስ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ተዛሪባ ነይራ።
ኣብቲ እዋን፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን ተራኺባ ምንባራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእልታት የርእይ።
ቲፋኒ ኣብቲ ኣብ 2018፡ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣብ ዝተኣንገደሉ ከተማ ሆሊዉድ ኣሜሪካ፡ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማእከናት ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, The Fashion Court/ Twitter
ቲፋኒ፡ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጽምብል ሽልማት ኤሚ ኣብ ዝተረኽበትሉ እውን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝመልክዐ ክዳን ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር።
ንሳ ንኽብሪ'ቲ ቅድሚ ዓመት ዝዓረፈ ኣቦኣ፡ ከም ዝተኸደነቶ ገሊጻ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







