ብፖሊስ ኣመሪካ ዝተቐትሉ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Ruth Richardson
ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብሰኑይ፡ ሓደ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጽዎ፡ ክጻዓርን ምስትንፋስ ስኢኑ ከምዝሞተን ይፍለጥ።
እቲ ጨካነ ዝመልኦ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርጋሐ ድማ ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጠዐ ኣለዓዒሉ'ሎ።
ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብናይ ሓሶት ገንዘብ ተጠርጢሩ ፖሊስ ክኣስሮ ከም ዝመጽአ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ ን10 ደቒቕ ዝኸውን ዝተቐድሐ ምስሊ ግን፡ ፖሊስ ኽሳድ እዚ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብእግሩ ሓሚቑ ሒዙ ከሳቕዮ እዩ ዝረኣ።
እቲ ጥርጡር ድማ፡ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን፤ በጃካ ኣይትቕተለኒ" ኢሉ ይምሕጸኖ ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ መናፈሲ ማእከል ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ስለምንታይ ከልብኺ ዘይትኣስርዮ ኢሉኒ ኢላ ናብ ፖሊስ ደዊላ ነይራ።
"ሓደ ጸሊም ፖሊስ ንኸልበይ ከጥቅዕ የፈራርሐኒ ኣሎ፤ ርድኡኒ" ኢላ ናብ ፖሊስ ደዊላ። እቲ ጉዳይ ክጻረ ከሎ ግን፡ እታ ሰበይቲ ናይቲ መናፈሲ ቦታ ጥሒሳ ከልባ ፈቲሓ ስለ ዝሰደደት እዩ እቲ ጸሊም ኣሜሪካዊ ንከልብኺ እሰርዮ ዝበላ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ብ2019 ጥራሕ ልዕሊ 1000 ሰባት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ሞይቶም።
ሞት ፍሎይድ ድማ፤ መርኣያ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ጭካነ ፖሊስ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ።
ከም ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኣብ 2019፡ 1014 ሰባት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጠያይቲ ክሞቱ እንከለው፡ ካብዚኦም ዳርጋ ኩሎም ጸለምቲ ኣሜሪካውኣን እዮም።
ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዝሕበሮ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ብጸዓዱ ፖሊስ ናይ ምቕታል ዕድሎም ብሰለስተ ዕጽፊ ሓፍ ዝበለ እዩ ይብል።
ትሬይቮን ማርቲን፡ ለካቲት 2012
ወዲ 17 ዓመት ትሬይቮን ማርቲን ተመሃሪ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዩ ነይሩ።
ኣብ ሳንፎርድ ፍሎሪዳ፡ ጆርጅ ዚምርማን ዝተባህለ ዋርድያ ጥይት ተኲሱ ቐቲልዎ።
ማርቲን፡ ኣዝማዱ ክሓትት ብዋርድያታት ናብ ዝሕሎ ከባቢ ይኸይድ። ሽዑ፡ ስጳናዊ ዘርኢ ምስ ዘለዎ ዋርዲያ እቲ ኸባቢ ይራኸብ።
በቲ ግዜ፡ ቤት ፍርዲ ጆርጅ ዚመርማን ጌጋ የብሉን ኢሉ ናጻ ኢሉዎ ነይሩ። ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ እቲ ዋርድያ ንነብሰይ ንምክልካል እየ ተኲሰሉ ኢሉ ስለ ዝተኻተዐ ናጻ እንተተባህለ'ውን፡ ስድራ መዋቲ ግን ናይ ቕትለት ገበን እዩ ተፈጺሙ ኢሎም።
በዚ ምኽንያት፡ ‘ብላክ ላይቭስ ማተር’ ዝብል ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ።
ኤሪክ ጋርነር፡ ሰነ 2014
ኣብዚ ግዜ፡ ፖሊስ ንኤሪክ ጋርነር ትንባኾ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይሸይጥ'ዩ ኢሉ ስለ ዝጠርጠሮ እዩ ተታሒዙ።
ሽዑ፡ ፖሊስ ንጋርነር ክሳዱ ሓኒቑ ስለ ዝሓዞ፡ "በጃኹም ክትንፍስ ኣይክኣልኩን" እናበለ እናተማሕጸኖም ከሎ ሞይቱ።
እዚ ጉዳይ መዕለቢ ከይረኸበ ንሓሙሽተ ዓመታት ብምጽንሑ ናዕቢ ምስ ተላዕለ፡ በዚ ተሓታቲ ዝነበረ ዳኒኤል ፖንታልዮ ዝተባህለ ጻዕዳ ፖሊስ ካብ ስርሑ ተሰጒጉ።

ምንጪ ስእሊ, Darnella Frazier
ማይክል ብራውን፡ ነሓሰ 2014
ወዲ 18 ዓመት ማይክል ብራውን፡ ዳረን ዊልሰን ብዝተባህለ ፖሊስ እዩ ተቐቲሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ካብ ኣሜሪካ ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓለም "ብላይክ ላይቭ ማተር" ዝተባህለ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ነይሩ።
እዚ ኣብ ሙዙሪ ፈርጉሰን ዝተፈጥረ ፍጻመ ኮይኑ፡ ኣብ ሓያለ ከባቢታት ኣመሪካ ዘለሓ ህዝባዊ ናዕቢ ከምዝተላዕለ ይፍለጥ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፖሊስ'ውን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ነይሮም።
ዋልተር ስኮት፡ ሚያዝያ 2015
ዋልተር ስኮት፡ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ኮይኑ፡ ኣብ ሳውዝ ካሮላይና ካብ ፖሊስ ክሃድም ክብል ሰለስተ ግዜ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ።
ዋልተር፡ ናይ መኪና ፍራቻ ስለ ዝሰበረ ፖሊስ ጠጠው ከብሎ ይፍትን። ኣብቲ እዋን፡ ዋልተር ንወዱ ክህቦ ዝግባእ ወርሓዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንበዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ብዘይምኽፋሉ'ውን ፖሊስ ይደልዮ ነይሩ።
ስላገር ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ፡ ንዋልተር ስኮት ብምቕታል ብ2017 ተኸሲሱ፡ 20 ዓመት ንክእሰር ተፈሪዱዎ እዩ።
ስድራ ዋልተር'ውን፡ 6.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተዋሂቦም።
ፍሬዲ ግሬይ፡ ሚያዝያ 2015
ዋልተር ስኮት ብፖሊስ ካብ ዝቕተል ሰሙን ከይመልኣ፡ ኣብ ሜሪላንድ ባልቲሞር ካልእ ናዕቢ ዘልዓለ ናይ ፖሊስ ኣረሜናዊ ተግባር ተፈጺሙ።
ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ፍሬዲ ግሬይ፡ ኣብ ጅቡኡ በሊሕ ነገር ሒዙ ስለ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ፖሊስ ይውዕል።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ብዝሰኣሎ ቪድዮ፡ ፍሬዲ እናእወየ ፖሊስ ተሰኪሞም ናብ መኪና ከእትውዎ ከለው ይርኣይ።
ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት፡ ፍሬድ ኣብ ዓከዓካሪትኡ ጸገም ኣጋጢሙዎ ተባሂሉ ናብ ሆስፒታል ይኣቱ። ድሕሪ ሰሙን ግን ሞይቱ።
በዚ ምክንያት ብዝተላዕለ ናዕቢ፡ ብዙሓት ምስ ፖሊስ ተራጺሞም 20 ፖሊስ ጉድኣት በጺሑዎም ነይሩ።
ብሞት ፍሬዲ ተሓተትቲ'ዮም ዝተባህሉ ሽዱሽተ ፖሊስ ግን፡ ካብ ገበን ናጻ ተባሂሎም ተፋንዮም።
ፊላንዶ ካስቲል፡ ነሓሰ 2016
ፊላንዶ ካስቲል፡ ኣብ ሚኒሶታ ጀሮሚኖ ኣኔዝ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ፖሊስ ጥይት ተተኲሱዎ ህይወቱ ሓሊፋ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ክስተት፡ ናይ ፊላንዶ ኣፍቃሪቱ ብቴሌፎና ብቐጥታ ኣመሓላሊፋቶ ነይራ።
ዋላ'ኳ እቲ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ እንተቐረበ፡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ መስርሕ ቤት ፍርዲ ግን ናጻ ተባሂሉ።
ቦታም ጂን፡ መስከረም 2018
ቦታም ጂን ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ'ዩ ነይሩ። ኣምበር ጋይነር ዝተባህለት ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከሎ ጥይት ተዂሳ ቐቲላቶ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ፖሊስ ናብ ገዝኣ ዝኣተወት መሲሉዋ ብጌጋ ናብ ገዛ እዚ በዓል ሞያ ፋይናንስ ትኣቱ።
ምስ ርኣኹዎ፡ ክሰርቕ ናብ ገዛይ ዝኣተወ መሲሉኒ ተኲሰሉ ኢላ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ቤት-ፍርዲ ድማ፡ ገበነኛ ተባሂላ ማእሰርቲ 10 ዓመት ተፈሪዱዋ።
ኣትላንታ ጄፈርሰን፡ ጥቅምቲ 2019
ተመሃሪት ሕክምና ዝነበረት ጓል 28 ዓመት ኣትላንታ፡ ኣብ ዳላስ ኣብ መደቀሲ ክፍላ እናሃለወት፡ ብኣሮን ዲን ዝተባህለ ፖሊስ ተቐቲላ።
እቲ ኣባል ፖሊስ፡ ጎረባብታ ናይ ገዝኣ ማዕጾ ኽፉት'ዩ ዘሎ ዝብል ሓበሬታ ስለ ዝሃቡዎ'ዩ መጺኡ። ድሕሪኡ፡ ናይ መደቀሲ ክፍላ ብዘሎ መስኮት ተኲሱ ቐቲሉዋ።
ብገበን ቕትለት ክሲ እንተቐረበሉ'ውን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቐረበን።

ምንጪ ስእሊ, Facebook
ብሪዮና ታይለር፡ መጋቢት 2020
ጓል 26 ዓመት ብሪዮና ታይለር፡ በዓልቲ ሞያ ሕጹጽ ሕክምና ነይራ።
ኣብ ኬንታኪ፡ ፖሊስ ናብ መንበሪ ገዝኣ ክኣትው ከለው ብዝተፈጥረ ዘይምቅድዳው ሸሞንተ ግዜ ብጥይት ተወቒዓ ሞይታ።
እቶም ፖሊስ፡ ኣብ ገዝኣ ሓሽስ ኣሎ ኢሎም እዮም ከይዶም። ግን ድማ፡ ገዝኣ ክፍተሽ እንከሎ ዝኾነ ዓይነት ሓሽሽ ኣይተረኽበን።
ድሕሪኡ ፖሊስ፡ ሓደ ኣባልና ብጥይት ስለ ዝተወቕዐ'ዩ ተኹሲ ተኸፊቱ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







