ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐቲላ ዝተረኽበት ተምሃሪት ካልኣይ ዲግሪ ጥቁር ኣንበሳ

መንእሰይ ሃይማኖት በዳዳ

ምንጪ ስእሊ, Marsaalee Hawaasaa

መግለጺ ስእሊ, መንእሰይ ሃይማኖት በዳዳ

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተመሃሪት ካልኣይ ዲግሪ ዝኾነት ሃይማኖት በዳዳ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐቲላ ከም ዝረኸበት ትማሊ ገሊጹ ነይሩ።

ፖሊስ፡ ብቕትለት እዛ መንእሰይ ዝጠርጠሮም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ መርመራ ከም ዝጀመረ'ውን ሓቢሩ።

ወላዲ ኣቡኣ ኣቶ በዳዳ ፈይሳ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጓሎም ዘስካሕክሕ ገበን ንዝፈጸሙ ሰባት ኣጻርዩ ናብ ፍርዲ ከቕርበሎም ሓቲቶም።

ጓል 27 ዓመት ሃይማኖት በዳዳ፡ ብ17 ግንቦት 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ኣብ ህንጻ ምምሕዳር እቲ ኮሌጅ ኣብ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተቐቲላ ጸኒሓ።

ፖሊስ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ፡ እታ መንእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሰብነታ ክፍሊታት ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ፡ ብ18 ግንቦት 2012 [ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ]፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣስክሬና ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ላባራቶሪ ክፍሊ ከም ዝተረኸበ ገሊጹ።

ሃይማኖት መን'ያ?

መንእሰይ ሃይማኖት፡ ኣብ ከተማ መተሃራ ተወሊዳ'ያ ዓብያ። ሕጂ ኣብ ከተማ ኣዳማ ጎሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምስ ስድርኣ ትነብር።

ኣቡኣ ኣቶ በዳዳ ፈይሳ፡ ጓሎም ብ2009 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚዛን ቴፒ ብክሊኒካል ፋርማሲስት ብመዓርግ ተመሪቓ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክትምህር ከም ዝጸንሐት ይዛረቡ።

ድሕሪኡ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርታ ንክትመሃር ናብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ጥቁር ኣንበሳ መጺኣ ይብሉ።

"ኣብ 2010 ዝጀመረቶ ትምህርቲ ካልኣይ ዲግሪ ኣብዚ ዓመት ወዲኣ፡ ወርሒ ሰነ እያ ክትምረቕ ነይራ። ናይ መመረቒ ጽሑፍ ንክትውድእ ናብቲ ቤት ትምህርቲ እናተመላለሰት ትሰርሕ ነይራ" ይብሉ ኣቶ በዳዳ።

"ጓለይ፡ ንፍዕቲ ስለ ዝነበረት ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚራ፡ ቀዳመይቲ'ያ ትወጽእ ነይራ" ብምባል ጥንካርኣ የረድኡ።

ኣቶ በዳዳ ፈይሳ (ኣብ ማእኸል)
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ በዳዳ ፈይሳ (ኣብ ማእኸል)

ይኹን'ምበር፡ ጓሎም ኣብ ውሽጢ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሃል ዓብዪ ሆስፒታል ክትቕተል ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ይዛረቡ።

ኣብቲ ዕለት፡ ሃይማኖት ሒዛቶ ዝነበረት ላፕቶፕ፣ ቴሌፎንን ንሶም ዝሃቡዋ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ቼክን ከም ዝተወሰደ ሓቢሮም።

ንሶም ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ዝሃቡዋ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ቼክ ብሽም ብዝጠቕሱዎ ሓደ ውልቀሰብን ጨንፈር ባንክን ወጻኢ ተገይሩ እዩ።

ሞት ጓሎም መዓ ሰሚዖም?

ሃይማኖት፡ ብሰኑይ ካብ ገዝኣ ምስ ወጽአት ኣይተመለሰትን ሓዲራ፤ ቴሌፎና'ውን ኣይሰርሕን ዘሎ ክትብል ሓፍታ ደዊላ ኣቡኣ ሓቢራትሎም።

ምስ መሓዙታ ሓዲራ ትኸውን እያ ዝብል ጥርጣረ እንተነበሮም'ውን፡ መሓዙታ'ውን ደሃያ ከም ዘይብለን ኣቕበጻ።

ኣብ ሞንጎ፡ ካብ ባንኪ ቴሌፎን ይድወለሎም። ንሶም ዝጸሓፉዎ ቼክ ኣሎ ድዩ? ኢሉ ብምሕታት ብኻልእ ሰብ ወጻኢ ከም ዝተገብረ ተነጊሩኒ ይብሉ ኣቶ በዳዳ።

በዚ ጥርጣረ ዝሓደሮም ኣቶ በዳዳ፡ ናብ ፖሊስ ሪፖርት ክገብሩ ከም ዝወጽኡን ኣብ ሞንጎ ናብ ሓፍታ ቴሌፎን ከም ዝተደወለ ይዛረቡ።

ኣማኻሪ መመረቒ ጽሑፍ ሃይማኖት በዳዳ እዩ ቴሌፎን ደዊሉ። ካብኡ ናይቲ ቤተ ፈተነ መፍትሕ ወሲዳ ከም ዘይመለሰትሉ ብምግላጽ፡ ንሃይማኖት ክረኽባ ከም ዘይኽኣለ ይገልጽ።

ንሳ ድማ፡ ሃይማኖት ኣበይ ከም ዘላ ስድርኣ ከም ዘይፈልጡ ምስ ነገረቶ፡ ተመራሪሖም ናብቲ ሆስፒታል ይኸዱ።

ስድራ ሃይማኖት በዳዳ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ምስ በጽሑ፡ ፖሊስ ክሳብ ዝመጽእ ተጸብዮም ናይቲ ቤተፈተነ ማዕጾ ምስ ከፈቱ፡ ናይ ጓሎም ኣስካሬን ከም ዝተረኸበ ወላዲ ኣቡኣ ተዛሪቦም።

"ማዕጾ ምስ ተኸፈ ኽሳዳ ተሓሪዱ፣ ደማ ኣብ መሬት ፈሲሱ ኣስካሬና ረኺብናዮ" ኢሎም።

"ኣነ ኾንኩ ጓለይ ኣብ ፖለቲካ የለን" ዝብሉ ኣቶ በዳዳ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ጓሎም ከም ዝተፈጸመ ዝጥርጥሩዎ ነገር ከም ዘይብሎም ይዛረቡ።

ሓዋ ሃይማኖት ኢንጅነር ታደሰ በዳዳ፡ "ናይ ሓፍተይ ደም ዘፍሰሰ ገበነኛ መንግስቲ የጻርየልና" ክብል ሓቲቱ።

"ድሕሪ ሕጂ ኣቦይን ኣደይን ሰባት ዝኾኑ ኣይመስለንን። ኣብ ከቢድ ሓዘን ኢና ዘለና" ኢሉ።