"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳ በቲኑና"፡ ኣብ ህንዲ መዋጽኦ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን

ኢትዮጵያ አየር መንገድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ህንዲ ዘለው ተመረቕቲ ተምሃሮ ሳልሳይ ዲግሪ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፡ ብምኽንያት ምስራዝ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፀገም ከም ዘለው ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብዚ እዋን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዓለምለኻዊ በረራታት ጠጠው ኢሎም'ኳ እንተሃለዉ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ግና ብምኽንያት እዚ ለበዳ መዋጽኦ ንዝሰኣኑ ዜጋታተን የውጽኣ ኣለዋ እየን።

ቅድም ክብል፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ንሕክምና ኢሎም ዝኸዱ፡ ግና ድማ በረራ ደው ምስ ኣበለ ንኣዋርሕ መኸዲ ንዝሰኣኑ ኣስታት 100 ተሓከምቲ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ገይሩ ነይሩ።

እንተኾነ ግና፡ ሕዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ህንዲ፡ ንሕክምና ዝኸዱ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ዕፅዋ፡ ተዓጊቶም ይርከቡ።

እዞም ኣብ ደቡብ ህንዲ ኣንድራፓዲሽ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ'ውን፡ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ በረራ ን26 ግንቦት 2020 ተዳሊዩሎም ምንባሩ ይዛረቡ።

ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ተምሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ ዝኾነ መንእሰይ፡ "ነፍሲ ወከፍና 15 ሽሕ ሩፒ ከፊልና ብመኪና 2 ሽሕ ኪሎ ሜትር ተጓዒዝና፡ ናብ ሙምባይ ምስ መጻእና፡ እቲ በረራ ተሰሪዙ ተባሂልና" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብታ ዝመጽኡላ መኪና፡ መዓልታዊ 30 ሽሕ ሩፒ [ልዕሊ 396 ዶላር] እናኸፈሉ ከም ዝሓደሩን፡ ሕዚ ገንዘቦም ወዲኦም ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡን ይዛረብ።

"ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮነ ነቲ ኤምባሲ ስልኪ ደዊልና ክንረኽቦም ኣይከኣልናን። ኣብ ኢድና ዘሎ ኩሉ ስለ ዝወዳእና፡ ንበልዖ ንሰትዮ የብልናን። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዋትሳፕ ካብ ደልሂ ደዊሉ እቲ በረራ ንዘይተወሰነ ግዘ ደው ኢሉ ኣሎ ኢሉ ሓቢሩና። ሕዚ ፍቓድ ምንቅስቓስ ስለ ዘድሊ፡ ናብ ዝነበርናዮ ግዝኣት'ኳ ክንምለስ ኣይንኽእልን" ብምባል እቲ ዝርከብሉ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ገሊፁ።

መንግስቲ ብዘመቻቸዎ ዕድል ናጻ ትምህርቲ ናብ ህንዲ ከም ዝመጽኡ ዝዛረብ ካልእ ርእይቶኡ ዝሃበና ተምሃራይ ድማ፡ በቲ ዘለውሉ ኩነታት፡ ንኮሮናቫይረስ ከይቃልዑ ከም ዝሰግኡ ገሊጹ።

"በረራ ኣዳሊናልኩም ኢና ምስ ተባህለ፡ ዕጽፊ እቲ ኣብ ስሩዕ እዋን ዝኽፈል፡ ልዕሊ 82 ሽሕ ሩፒ [ልዕሊ 1084 ዶላር] ከፊልና ትኬት ቆሪጽና። ሕዚ ግና ኣብ ሜዳ ንንከላበት ኣለና" ይብል።

ኣብ ህንዲ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ኣዋጅ ዕጽዋ ዝተኣወጀ ኮይኑ፡ ሙምባይ ድማ ማእከል ለበዳ እዚ ቫይረስ ኮይና'ላ።

"ንሕና ጸጊሙና ዘይኮነ፡ ተማሂርና ሃገርና ክንልውጥ ኢልና ኢና ካብ ሃገርና ወጺእና፤ ግና በዚ ምትእጉጓል ዓብዪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ይበጽሐና ኣሎ። ካልእ ተሪፉ ሽቓቕ ኣብ ንረኽበሉ ቦታ ኣይኮነን ዘለና" ክብል እቲ ወሃቢ ርእይቶ መረረቱ ገሊጹ።

ምኽንያት ምስራዝ እቲ በረራ ንምሕታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ደልሂ ናብ ዝርከብ ጨንፈር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንተደወልና'ውን ክንረኽቦም ኣይከኣልናን።

እቶም ተምሃሮ ግን 'ብምኽንያት በዓል ዒድ እቲ በረራ ተናዊሑ' ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦም ይዛረቡ።

"እዚ ከተማ ዝለዓለ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ከተማ እዩ። በረራ ምህላዉ፡ ገና ካብቲ ዝነበርናሉ ቦታ ከይተበገስና ብትኽክል ኣረጋጊጽና'ኳ እንተመጻእና፡ ኣብዚ ሰዓት ብህይወት ናይ ምንባር ውሕስና ኢና ስኢንና ዘለና" በሃሊ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ክነዘራርቦም፡ ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኒው ደልሂ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተተካኢ ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ዝኾነ ኣይተ ሄኖክ ሲራክ፡ እቲ መገዲ ኣየር ዜጋታቱ ንምግዓዝ "ቻርተር በረራ" እናዋደደ ምንባሩ፡ እንተኾነ ካብ መንግስቲ ህንዲ ዝወሃብ ፍቓድ ስለዘይበፅሖ እቲ በረራ ከምዝተሰረዘ ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ፍቓድ እንከይረኸበ፡ ንጉንበት 26 በራራ ከምዝህሉ ብምግላፅ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ህንዲ ንዝነበሩ ተጉዓዝቲ ናብ ሙምባይ ንክመፅኡ ንምንታይ ገይሩ? ንዝብል ሕቶና እንትምልስ ድማ፡

"እቲ ፍቓድ ቀልጢፉ ክበፅሕ እዩ ብዝብል ሓሳብ እዩ እዚ ኮይኑ፤ ግና እቲ ፍቓድ ዶንጉዩ። ሕዚ ግና ምስ ኤምባሲ ብምትሕብባር እቶም ዜጋታት ቀልጢፎም ዝወፅእሉ መገዲ ንምውዳድ ንፍትን ኣለና" ኢሉ።

እዞም ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣብ ህንዲ ብዝተኣወጀ ዕፅዋ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይከኣሉ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ መገዲ ኣየር ንዕለት 26 ጉንበት በረራ ከምዝህሉ ብዝገለፀሎም መሰረት ነቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበርሉ ግዝኣት ለቒቖም ስለዝወፅኡ፡ ዳግማይ ናብ ዝነበርሉ ክምለሱ ኣይኽእሉን።

እቲ መገዲ ኣየር "ብዝፈጠሮ ክፍተት" ኣብቶም ዜጋታት ፀገም ኣስዒቡ ኣሎ፤ ዜጋታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ዝግዕዙ'ኸ፡ መዓልታዊ ወፃእታቶም መን እዩ ክሽፍኖ? እቲ መገዲ ኣየር ነቶም ዜጋታት ክኽሕሶም ድዩ ዝብል ሕቶ ንኣይተ ሄኖክ ኣቕሪብናሉ።

"ኣብኡ ብዘሎ ቤት ጽሕፈትና ኣቢልና፡ እቶም ተጓዓዝቲ ብኸመይ ክሕገዙን ብኸመይ ኣብኡ ክፀንሑን ከምዘለዎም ንሰርሕ ኢና ዘለና" ዝብል ምላሽ ሂቡና።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ንምግዓዝ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ ትኬት ክኸፍሉ ኣይገበረን ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ዋላ'ኳ ከስቢ እንተዘይረኸበ ግን፡ ንዘውፅኦ ወፃእታት ክሽፍን ግድን ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

"ከስቢ ንምርካብ ተባሂሉ ዝተወሰኸ ዋጋ ኣይኮነን። ተጓዓዝቲ እዚ ክርድኡ ይግባእ" ኢሉ።

ኮሮና
ኮሮና