ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዖ ሓድሽ መሪሕነት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ "ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላይ ክኢልና ኢና። ብኸመይ እዚ ንኡሽቶ ኮሮናቫይረስ ምቁጽጻር ይኣብየና" ኢሉ ነይሩ ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ኣክራም ኣል-ቶም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 2 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣለው፤ ካልኦት ኣስታት 100 ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም። እዚ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ዝለዓለ ቑጽሪ ግዳያት መልከፍቲ ኮቪድ-19 እዩ።
ብዙሓት ስግኣት ዝሓደሮም ሰባት ድማ ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም፤ ሚኒስትር ኣል-ቶም ግን ካብ ሚዲያ ርሒቑ ይርከብ።
ሕግታት ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ብዝብል ኩሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝወሃበሎም መደባት ሰሪዙዎም፤ ስለ ምንታይ ብቐጥታ መግለጺ ዘይህብ ዝብል ድማ ግልጺ ኣይኮነን።
ጋዜጣታት ሕትመት ደው ኣቢለን
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጋማል ዑመር ኣብ ደቡብ ሱዳን እናሃለወ ብምክንያት ወቕዒ ልቢ ሃንደበት ክመውት ከሎ፡ ኣስካሬን እቲ ሚኒስትር ንምቕባል ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝኸዱ ቐዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ሚኒስትራትን፡ ኣካላዊ ርሕቐቶም ክሕልው ኣይተርኣዩን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰባት ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዓበይቲ ምትእኽኻባት ጠጠው ከብሉ ተነጊሩዎም እናሃለወ፡ ስነ ስርዓት ቐብሪ እቲ ሚኒስትር ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን'ውን እዞም ሰበ ስልጣን፡ ጉዳይ ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላው እዝኒ ኣይሃብሉን።
እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ በብግዝኡ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን ዝሞቱን ሰባት ክሕብር ብዝተቐድሐ ምስሊ ኣብ ቴሌቪዥን ክቕልቐል ይርኣይ እዩ።
ብምኽንያት እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ሕትመት ደው ኢሉ ብምህላዩ ሕጽረት ኣብታ ሃገር ዝዝርጋሕ ዜናን ሓበሬታን ኣጋጢሙ ኣሎ። መብዛሕትኦም ድማ ናብ ኢንተርነት ሰጊሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ማለት፡ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣዝዩ ትሑት ስለ ዝኾነ መብዛሕትኦም ሱዳናውያን ሓበሬታ ኣይረኽቡን።
በቲ ዘሎ ቐረብ 26 ሚኢታዊት ጥራሕ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ይግመት።
ብዙሓት ድማ፡ እዚ ካብ ወተሃደራትን ስቪላን ዝተወጻጽአ መንግስቲ፡ እምበርከ ይእመን ድዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩሎም ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ምብራቓዊ ከሰላ ድሕሪ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ግጭት ኢንተርነት ንኽልተ መዓልቲ ተቛሪጹ ነይሩ። ኣብቲ እዋን 10 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ ተጠቒሞም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ግጉይ ሓበሬታ ከይዝርግሑ ንምቑጣብ ብዝብል ዝተወስደ ስጉምቲ'ኳ እንተነበረ፡ ብዙሓት ግን እዚ መንግስቲ ከምቲ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ መንግስቲ ናብ ዓፈና ክኣቱ እዩ ማለት እዩ ክብሉ ክኢሎም እዯም።
ገለ ሓይልታት ጸጥታ'ውን፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ዘንጸባርቑ ስጉምታት ክወስዱ ተራእዮም።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ
'ስደተኛ ሰራሕተኛታት ካብ መወሸቢ ማእከላት ምህዳም'
ብሚያዚያ፡ ኣብታ ሃገር ኣዋጅ ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ፡ ፖሊስ ናብ ስራሕ ዝኸዱ ዝነበሩ ሓላፊ ዓብዪ ሆስፒታል ወሊድ ሓዊሱ ዶኳትር ሃሪሙን ኣሲሩን።
እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና መንቀሳቐሲ ፍቓድ ወረቐት ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ እዮም ብምባል፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ቶም ንክፍትሑ ኣዚዙ።
ሱዳናውያን፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግብጽን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ብዝነበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት እዩ መጺኡና ኢሎም ይኣምኑ።
መንግስቲ ነቶም ካብዘን ሃገራት ዝመጽኡ ዜጋታቱ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ክኣትው'ኳ እንተገበረ፡ ኣብቶም ማእከላት እኹል ቐረብ የለን ብምባል ናይ መወሸቢ መዓልቶም ከይኣኸለ ዝወጽኡ ብዙሓት እዮም።
እዚ ለበዳ ካብ ዝተበገሰላ ከተማ ውሃን ዝመጽኡ ተመሃሮ'ውን፡ ናብ መወሸቢ ማእከል ኣይንኣቱን ኢሎም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሚጾም።
መንግስቲ ድማ ነቶም ተማሮ ናብ ገዝኦም ክኸዱ ኣፍቂዱ።
እዚ፡ እቲ ስርዓት በሽር ካብ ስልጣን ኣልዩ ምስ ወተሃደራት ስልጣን ተማቒሉ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ሲቪላዊ ወገን፡ ሕግታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ዘይምኽባሩ፡ ድኹም ምዃኑ እዩ ዘመላኽት ዝብሉ ብዙሓት ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጋቢት፡ ኮሮናቫይረስ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወ ሆስፒታላት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ትካላት ጥዕና ስለ ዝተዓጸው፡ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ሞይቶም።
ዶኳትር'ውን እንተኾነ፡ ብምኽንያት ሕጽረት መከላኸሊ ናውቲ ስራሕ ኣይንሰርሕን ኢሎም ጠጠው ኣቢሎም።
ዝቕባበ ዋጋ 100 ሚኢታዊት በጺሑ
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ካርቱም ዘለዋ 30 ናይ ጥዕና ማእከላት ተኸፊተን እየን ኢሉ፤ ግን ድማ ዝተዓጽዋ ኣለዋ።
10 ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ከተማ ካርቱም፡ መንግስቲ ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ዝሕከሙለን ክልተ ሆስፒታላት ጥራሕ ኣዳልዩ።
ሱዳን ጥዕናዊ ቅልውላው ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቑጠባዊ ቅልውላው'ውን እዩ ሃሲዩዋ።
ዝቕባበ ዋጋ 100 ሚኢታዊት በጺሑ። እዚ ድማ ህይወት ሚሊዮናት ሰባት ኣዝዩ ክኸብድ ገይሩ።
እቲ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ዕጽዋ'ውን ብርክት ዝበሉ ሰባት መዓልታዊ እቶቶም ክስእኑ ስለ ዝገበረ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኮነ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ቀሪቦም ነቲ ህዝቢ ከጸናንዑዎ ብዘይምኽኣሎም ኣብዝሓ ህዝቢ ሱዳን ተቖጢዑ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ድማ፡ ነዚ ከም ውድቀት እቲ መሪሕነት ገይሮም ይርእዩዎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







