ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 'ቁጽጽር ውዒሉ'ሎ ወይ ኣይተሰነደን'

ሰብ ሞያ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዳርጋ ርብዒ ቢልዮን ኣፍሪቃውያን ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ይኽእሉ'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ እዩ።

ካብ 150 ሽሕ ክሳብ 190 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ'ውን ክመውት ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ትሕቲ 100 ሽሕ ኮይኑ፡ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ኣፍሪቃ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ በቲ ቫይረስ ክትጥቃዕ ከም እትኽእል ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝሃበቶ ትኹረት ድማ ካልኦት ጉዳያት ጥዕና ክዝንግዑን ገይሩ እዩ ይብሉ።

እስኪ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝስራሑ ዘለው ስራሕቲ ክንሕብረኩም።

Short presentational grey line

ኮንጎ፡ 'ከይተፈለጣ ኣቐዲማ በቲ ቫይረስ ተታሒዛ ክትኸውን ትኽእል እያ'

ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብለበዳ ኮሮናቫይረስን ኢቦላን ተጠቒዓ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብለበዳ ኮሮናቫይረስን ኢቦላን ተጠቒዓ ትርከብ

ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት ናይ መጀመርታ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ሰብ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ግን፡ እቲ ሕማም ኣቕድም ኢቢሉ እዩ ኣትዩ ይብሉ።

"ኣብ ከባቢ ወርሒ ታሕሳስን ጥርን፡ ረስንን ሕማም ርእስን ተራእዩዎም ሕክምና ክረኽቡ ዝመጽኡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሕሙማት ምዃኖም ብቑጽሪ ኣይዝክሮን" ይብል ሓደ ሽሙ ክንጠቕሶ ፍቓደኛ ዘይኮነ ዶክተር።

እዞም ምልክታት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብቶም ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝበሎም እዮም።

"ሰብ ሞያ ሕክምና ከይተፈለጠና ነዚ ሕማም ከም ዝተቓላዕናን ከይተረድአና ሕማም ክጻወር ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘዕበናን እየ ዝኣምን" ድማ ይብል።

እንተኾነ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ናውቲ ሕክምና መርመራ ኮቪድ-19 ክትገብረሉ ዝኸኣለት ሰብ ውሑድ እዩ።

ሜዲካል መጽሄት ላንሴት ከም ዝብሎ፡ ከም ደቡብ ኮርያን ጀርመንን ዝበላ ዕውት ስትራቴጂ መርመራ ዘለን ሃገራት፡ ዳርጋ ሓደ ሚኢታዊት ህዝበን መርሚረን ወዲአን እየን።

ነዚ ዝሕግዙ ናውቲ እንተሃልዮም፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ዘካየድኦ መርመራ ኤችኣይቪ ብምግባር ልዕሊ እቲ ክብጻሕ ዝሕሰብ ሸቶ ሓደ ሚኢታዊት ከዐውታ ይኽእላ እየን ይብል ሜዲካል መጽሄት ላንሴት።

Presentational grey line
  • ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንግ፡ ክሳዕ ግንቦት 18 [ቅድሚ ክልተ መዓልቲ] 4,493 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም
  • ሓደ ሚኢታዊት ካብ ህዝባ [895,614] ክትምርም ትጽቢት ይግበር
  • ካብ ሓደ ጥቅምቲ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2019፡ 203,859 ሰባት መርመራ ኤችኣይቪ ገይራ

ምንጪ፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ; መጽሄት ላንሴት

Presentational grey line

ክሳብ ሕጂ፡ እዛ ሃገር ልዕሊ 1,600 ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣለውዋ፤ ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ ድማ ኣብቲ ኣህጉር ብብዝሒ ዝሓመሙ ታሽዐይቲ እያ።

መንግስቲ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ቐልጢፉ ኣዋጅ ዕጽዋ እንተኣወጀ'ውን፡ ናብ ሸውዓተ ዞባታቱ ክሰፍሕ ክኢሉ እዩ።

ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ኣዝዩ ድኹም እዩ። ንዓሰርታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ለበዳ ኢቦላ'ውን ካልኦት ዘየናገፈቶም ጸገማት እዮም።

ክታበት ፖሊዮ፣ ንፍዮ፣ ቢጫ ዓሶን ካልኦትን ዘይረኸቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት'ውን ኣለውዋ።

ብኮቪድ-19 ልዕሊ 60 ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኢቦላ ሞይቶምዋ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ክታበት ኣይረኸቡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ክታበት ኣይረኸቡን

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት፡ ንህጻናት ዝወሃብ ክታበት እናነከየ ምምጽኡ ዝገልጽ ዩኒሴፍ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ነቲ ሓደጋ ከኽብዶ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ብርክት ዝበሉ ስድራ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብምስጋእ ደቆም ንከኽትቡ ናብ ሕክምና ኣይኸዱን። ሓካይም'ውን ንነብሶም ኮነ ነቶም ህጻናት ካብዚ ሕማም ክከላኸልሉ ዝኽእሉ ናውቲ የብሎምን።

Short presentational grey line

ሆስፒታላት ኬኒያ 'ብዙሕ ኣስክሬናት፤ ውሑድ ቑጽሪ ሕሙማት'

ኣብ ኬኒያ ገጽካ ምሽፋን ይልመድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬኒያ ገጽካ ምሽፋን ይልመድ ኣሎ

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዓብዪ ሆስፒታል፡ ካብ ታሕሳብ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ቑጽሪ ተሓከምቲ ዓባይ ሰዓል፣ ኒሞኒያን ኣዝማን ዝበሉ ናይ መተንፈሲ ኣካል ዘጥቅዑ ሕማማት ብ40 ሚኢታዊት ወሲኹ።

ግን ድማ፡ ሽሙ ዘይንጸርሖ ሓደ ዶክተር ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ መንግስቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ሰዓት እቶ እቶ ካብ ዝእውጅ ጀሚሩ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ምንካይ ከም ዝተርኣየ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።

ገለ ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጽኡ እዮም ዝደልዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ገለ ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጽኡ እዮም ዝደልዩ

መብዛሕትኦም፡ ብኻልእ ጸገም ጥዕና ናብ ሆስፒታል ከይዶም ሃንደበት ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎም ናብ መወሸቢ ማእከል ከይኣትው ብምስጋእ ናብ ሕክምና ከም ዘይኸዱ ይገልጽ።

ኣብ ኬኒያ ዘሎ ኣተሓሕዛ መወሸቢ ማእከላት ድማ ኣካታዒ እዩ። መንግስቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተወሺቦም ክጸንሑ ከለው ወጻኢታቶም ዓርሶም ክሽፍኑ እዩ ዘገድድ።

እዚ ከከም እቶም ንመወሸቢ ዝተሓረዩ ቦታታት ዝውሰን ኮይኑ፡ ዋግኦም ንሓደ ለይቲ ካብ 20 ዶላር ክሳብ 100 ዶላር ይበጽሕ።

ሕጂ ግን፡ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎም መወሸቢ ቦታታት ናይ ዝኣትው ሰባት ወጻኢታት ባዕሉ ክሽፍን ከም ዝኾነ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

Presentational grey line
  • ኣብ ኬኒያ ክሳብ 18 ግንቦት 44,851 ሰባት መርመራ ኮቪድ-19 ተገይሩሎም
  • ሓደ ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝባ ንክትምርምር 537,713 ክምርመረሉ ኣለዎም
  • ካብ ሓደ ጥቅምቲ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2019፡ 203,859 ሰባት መርመራ ኤችኣይቪ ገይራ

ምንጪ፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ; መጽሄት ላንሴት

Presentational grey line

ኣብ ኬኒያ፡ ሆቴላት፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካልኦት ኣብያተ ትምህርትን ናብ መወሸቢ ማእከላት ተቐይሮም እዮም።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ግን፡ ኣብዞም ቦታታት ዘሎ ቐረብ መሐለዊ ጽርየት ድኹም ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኣካላዊ ርሕቐት ዘይሕለዎምን ቦታታት እዮም ብምባል ተቓውምኦም ይገልጹ ነይሮም።

Short presentational grey line

ናይጄሪያ፡ 'ብዙሓት ሕሙማትን ብዙሕ ኣስከሬናትን'

ኣብ ናይጄሪያ ዝተኻየደ መርመራ ኮቪድ-19 ኣዝዩ ውሑድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይጄሪያ ዝተኻየደ መርመራ ኮቪድ-19 ኣዝዩ ውሑድ እዩ

ካኖ፡ ብዝሒ ሰብ ዝነብረላ ዞባ ናይጄሪያ እያ። ኣብታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኣቱ ሰለስተ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ውሽጢ እዘን ኣዋርሕ፡ ኣብ ካኖ ጥራሕ ብዙሓት ሰባት ሓሚሞምን ሞይቶምን እዮም።

በዚ ምኽንያት እቲ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወጽአ ኣዋጅ ዕጽዋ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ወርሒ ንክቕጽል ተናዊሑ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ካኖ መቓብር ዝኹዕት ናይጄሪያዊ፡ "ከምዚ ዓይነት ተኣምር ርኢና ኣይንፈልጥን። ወለድና ከም ዝነግሩና ቅድሚ 60 ዓመት ለበዳ ኮሌራ ኣጋጢሙ ከሎ'ውን ከምዚ ዓይነት መዓት ወሪዱ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ሓላፊ ክፍሊ መድሓኒት ሆስፒታል ኣሚኑ ካኖ ፕሮፌሰር ሙሳ ባባ-ሻኒ፡ ብዙሓት ኣዝማ፣ ዓባይ ሰዓል፣ ኒሞኒያ፣ ቓንዛ ኣፍ ልብን ጉሮሮን ዝሓመሙ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ክመጽኡ ከም ዝተርኣየ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ ድማ፡ ብዝሒ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ዘጥቅዑ ሕማማት ካብ 40 ክሳብ 45 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።

ኣብ ናይጄሪያ መምርሒ ማሕበራዊ ርሕቐት ምሕላው ኣጸጋሚ ኮይኑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይጄሪያ መምርሒ ማሕበራዊ ርሕቐት ምሕላው ኣጸጋሚ ኮይኑ እዩ

ብምኽንያት ሕጽረት ናውቲ መከላኸሊ ኮቪድ-19፡ ብዙሓት ናይ ብሕቲ ክሊኒካት ከም ዝተዓጸዋ እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።

ኣብ መብዛሕቲኤን ሰፊሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ መርመራ ኮሮናቫይረስ ትሑት እዩ ዝብል ፕሮፌሰር ባባ-ሻኒ፡ ኣስታት 200 ሚሊዮን ህዝቢ ንዘለዋ ናይጄሪያ'ውን የጸግመላ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

Presentational grey line
  • ኣብ ናይጄሪያ፡ ክሳዕ ግንቦት 18 [ቅድሚ ክልተ መዓልቲ] 33,970 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም
  • ሓደ ሚኢታዊት ካብ ህዝባ [2,061,396] ክትምርም ትጽቢት ይግበር
  • ካብ ሓደ ጥቅምቲ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2019፡ 1,160,920 ሰባት መርመራ ኤችኣይቪ ገይራ

ምንጪ፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ; መጽሄት ላንሴት

Presentational grey line

ብዙሓት ብኮሮናቫይረስ ከይተሓዙ ብምስጋእ ናብ ሆስፒታል ብምኻድ ክግልገሉ ዝሰግኡ ኮይኖም፡ ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ዮቤ ጥራሕ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ሰሙናት 471 ሰባት ሞይቶም።

እዚ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ኮሚሽን ጥዕና ከም ዝበሎ ድማ፡ መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ዝነበሮም እዮም።

ናይጄሪያ ሽዱሽተ ሽሕ ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ኣለውዋ፤ ሌጎስ ድማ ማእከል እቲ ለበዳ እያ ዘላ።

Short presentational grey line

'ውሑድ ምልክታት እቲ ቫይረስ' ኣብ ኢትዮጵያ

ምዕቃን ረስኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሰብ ኮይንካ ምእካብ ኣይፍቀድን

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ዘጥቅዑ ሕማማት ልሙዳት እዮም። እዛ ሃገር ልዕሊ 100 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ።

ዓመታዊ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ሞት ብሕማማት ተቕማጥን ድሕሪ ወሊድ ብዘጋጥም ጸገማትን ብዙሕ ምዃኑ መጽናዕታት የመልክቱ።

ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ምስ ጸገም ምስትንፋስ ዝራኸብ ሳዕቤን ኣየብጽሐን ዘሎ።

Presentational grey line
  • ኣብ ኢትዮጵያያ፡ ክሳዕ ግንቦት 18 [ቅድሚ ክልተ መዓልቲ] 59,029 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም
  • ሓደ ሚኢታዊት ካብ ህዝባ [1,149,636] ክትምርም ትጽቢት ይግበር
  • ካብ ሓደ ጥቅምቲ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2019፡ 136,307 ሰባት መርመራ ኤችኣይቪ ገይራ

ምንጪ፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ; መጽሄት ላንሴት

Presentational grey line

ቑጽሪ ብኒሞንያ ዝተጠቕዑ ሰባት'ውን ኣይወሰኸን። ካብ ቀረባ መዓልታት ንነጀው ግን፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።

እዚ እቲ ስግኣት ክውስኽ እንተገበሮ'ውን፡ ሓፈሻዊ ቑጽሪ ግን ትሕቲ 400 እዩ ዘሎ።

ኢትዮጵያ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ከምተን ካልኦት ሃገራት ስጉምቲ ዕጽዋ እንተዘይወሰደት'ውን፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ግን ኣዊጃ፡ ልዕሊ 4 ሰባት ኾይንካ ምእካብ ኸልኪላ እያ።

Short presentational grey line

ኡጋንዳ ኣብ 'ናይ ቃል መርመራ' ኣድሂባ ኣላ

ኣብ ዕዳግኦም ዝሓደሩ ነጋዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምንካይ ነጋዶ ኣብ ዕዳግኦም ክሓድሩ እዩ ተወሲኑ

ኡጋንዳ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተሪር ዝበሃል ስጉምቲ ዕጽዋ ዝወሰደት ሃገር እያ። በዚ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝተሓተ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዘመዝገበት ይገብራ።

260 ሰባት ጥራሕ በቲ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ በዚ ምኽንያት ዝሞተ ሰብ የብላን።

ኣብ ልዕሊ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተው መራሕቲ መኪና ነዊሕ ርሕቐት ሰፊሕ መርመራ ትገብር ነይራ። ዝሓለፈ ሰሙን 139 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክትረክብ ከላ፡ እቶም 79 መራሕቲ መኪና ነይሮም።

ፕሬዝደንት ማሕበር ሓካይም ኡጋንዳ ዶክተር ሪቻርድ ኢድሮ፡ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ምንቅስቓስ'ውን ዝግድብ ስለ ዝኾነ ብሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዝተጠቕዑ ሕሙማት ናብ ሆስፒታል ክመጽኡ ከም ዘይተርኣየ ተዛሪቡ።

ቀሊል ምልክታት እዚ ቫይረስ ዝተርኣዮም ሰባት ናብ ሆስፒታል ስለ ዘይኸዱ ድማ፡ ገሊኦም ከይተሰነዱ ይተርፉ ኣለው ኢሉ።

Presentational grey line
  • ኣብ ኡጋንዳ ፡ ክሳዕ ግንቦት 18 [ቅድሚ ክልተ መዓልቲ] 87,832 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም
  • ሓደ ሚኢታዊት ካብ ህዝባ [457,410] ክትምርም ትጽቢት ይግበር
  • ካብ ሓደ ጥቅምቲ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2019፡ 2,098,734 ሰባት መርመራ ኤችኣይቪ ገይራ

ምንጪ፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ; መጽሄት ላንሴት

ምንጪ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ፤ ላንሴት

Presentational grey line

ፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ምህላዎም ንምፍላጥ 'ናይ ቃል መርመራ' ክንጅምር ኢና ኢሉ ነይሩ።

መንግስቲ እታ ሃገር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን [ማስክ] ብናጻ ከም ዝዕድል ቃል ኣትዩ እዩ።

እንተኾነ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝተወስደ ስጉምቲ ዕጽዋታትን ምግዳብ ምንቅስቓስን ኣብ ካምፓላ ዝርከቡ 1.5 ሚሊዮን ሰባት መግቢ ከቕርበሎም ኣይክኣለን ብዝብል፡ ማስክ ብናጻ ክዕድል እየ ምባሉ ብዙሓት ኣይተውሓጠሎምን።

እቲ ምዕዳል ማስክ እንተተዓዊቱ፡ ሙሴቬኒ ድኳናት፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያን ከም ዝኽፈቱ ቃል ኣትዩ እዩ።

ኮሮና
Banner