ኮቪድ19 ዘጉልሖም: ገጸ ባህርያት ቤተልሄም አበበ
![ቤትልሔም አበበ [ብጸጋም] ሳለቫዶር ዳሊ 'ማኒ ሃይስት'](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/12ADB/production/_112270567_bethelhem.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Bethelhem Abebe
ቤተልሄም ኣበባ 'ማኒ ሃይስት' ብዝብል ዝፍለጥ ተኸታታሊ ፊልሚ ኔትፍሊክስ ዘለው ተዋሳእቲ ዝኽደኑዎም፡ ስጳኛዊ ኣርቲስት ሳላቫዶር ዳሊን ዝሰርሖም ማስክ ትኸውን።
በዚ፡ ሓደ ግዜ መሪሕ ገጸ ባህሪ 'ፓይረትስ ኦፍ ዘ ካሪቢያን' ካፕቴን ጃክ ስፓሮው፣ ካልእ ግዘ ድማ 'ዘ ማስክ' ዝተብሃለ ብ1994 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ዝወጽአ ፊልም ዘሎ ገጸ ባህሪ መሲላ ንርእሳ ትቐያይር።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ካልኦት ብዙሕ ገጸ ባህሪያት ብምዃን ኣዝማዳን መሓዙታን ተዘናግዕ።
ድሕሪ ገጸ ባህርያት ቤቢ ዮዳ [ፊልም ስታር ዎርስ]፥ ምስ ማሌፊሸንት [ማሌፊሸንት ቑጽሪ ሓደን ክልተን] ከምኡ እውን ምስ ካፒቴን ስፖክ [ስታር ትሬክ] ዘላ ቤተልሄም ኣበበ ግን መን እያ።

ምንጪ ስእሊ, left: Bethlehem Abebe/ right: Surafel Birhanu
ቤተልሄም፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሞያ ስነ ህንጻ ተመሪቓ።
"ኩል ግዜ ዝንባለይ ኣብ ጥበብ እዩ ነይሩ" እትብል ቤተልሄም ናብ ዩኒቨርሲቲ ቅድሚ ምኻዳ ናብ ናይ ጥበብ ስርሓት ተጸምቢራ።
ክልቲኡ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ዝበለት ቤተልሄም፡ ቀስ እናበለት ናብ ናይ ሜክኣፕ ስራሓት ከም ዝኣተወት እያ ትዛረብ።
ይኹን'ምበር ንሳ ኣብ ቤተ ጽባቐ መርዑት ምምልኻዕ ዘይኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደ ሜክኣፕ ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ዘሰንብድ፣ ገለ ሻብ ድማ ግራ ዘእቱ፣ ጸኒሑ ዘዛኒ ኢሉ'ውን 'ጉድ ዓይኒ' ከብል ዝኽእል ዓይነት ሜክኣፕ እዩ።
"ደቂ ኣንስትዮ ብእንመላኽዐሉ ሜክኣፕ እየ ጀሚረ" ዝበለት ቤተልሄም፡ ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ እንከላ ንመርዓ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽአት ሓትንኣ ንሜክኣፕ ዘለዋ ክእለት ልዑል ምዃኑ ስለ ዝተዓዘበት፡ ሙሉእ ኣቕሓ ሜክኣፕ ትልእኸላ።
ድሕሪኡ እምበኣር ቤተልሄም ስርሐይ ኢላ ቐጺላትሉ።
ንሳ እትደልዮ ግን ካብ ሰብ ክሳብ ዘፍርሕ ፍጥረት እንስሳ ዘለው ገጸ ባህርያት ብሜክኣፕ ምስራሕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Bethlehem Abebe
ቤተልሄም ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐት ኣብ ሓደ ትካል ዳይሬክተር ኣርት ኮይና ናይ ፊልም ኣልባሳትን ንቐረጻ ዝኾኑ መድረኻትን ዲዛይን ብምግባር ስራሕ ጀሚራ።
"ኣብ ፊልም ጓል ኣንስተይቲ ወይ'ውን ሓደ ከባቢ ዲዛይን ምግባር እየ ዝፈቱ። እቶም ገጸ ባህርያት እንታይ ክመስሉ ኣለዎም? እንታይ ዓይነት ክዳን ይኽደኑ? ንዝብሉ ሕቶታት ፈጠራዊ ምላሽ ምርካብ ደስ ይብለኒ" ትብል።
እዚ ሞያ ከም ብዋዛ ከም ዝኣተወቶ እያ ትዛረብ።
ኤውሮጳውያን 'ናይ ሙውታት መዓልቲ' ኢሎም ኣብ ዘኽብሩዎ መዓልቲ 'ንኮስቲዩም ፓርቲ' ንክትሳተፍ ብ31 ጥቅምቲ 2019 ተዓዲማ ክትከይድ ከላ፡ ቤተልሄም ንርእሳ ቀይራ 'ባትማን' ኣብ ዝተብሃለ ፊልሚ ዘሎ ሕማቕ ገጸ ባህሪ 'ዘ ጆከር' ተመሲላ ተረኺባ።
ኣብቲ ምድላው ዝረኣዩዋ ድማ ንክእለታ ንኢዶም ኣተባቢዖምዋ። እዚ እቲ ሞያ ንክትደፍኣሉ መተባብዒ ኮይኑዋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, left: Bethlehem Abebe/ right: Dawit Asfaw
"ዘ ጆከር ምስ ሰራሕኩ ድሕሪኡ ክሰርሖም ብዛዕባ ዝኽእል ገጸ ባህሪያት ብዝርዝር ኣውጺአ። ናይ ባዕለይ ስቱዲዮ ከፊተ ክሰርሖም ተመንየ" ዝበለት ቤተልሄም ነዚ ጥራሕ ዝኸውን እኹል ግዜ ግን ከምዘይብላ ትገልጽ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጺኡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ መምርሒ ምስተመሓላለፈ ግን፡ ነዚ ዝኸውን ግዜ ከም ዝረኸበት ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Bethlehem Abebe
"ስድራይ በዚ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ የትብዑኒ እዮም። መጀመርታ ሕክምና ከጽንዕ እዮም ዝደልዩ ነይሮም። ኣነ ግን ኣርት ይፈቱ ስለ ዝነበርኩ ስነ ህንጻ መሪጸ። 'ኣርክቴክቸር'ን ኣርትን ኩሎም ጥበብ እዮም። ዕድለኛ እየ" ኢላ።
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተዓጽዮም ስለ ዘለው፡ ተመሃሪት 4ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ዝኾነት ንኡሽቶ ሓፍታ ከም ዝተሓጋገዛ እያ ትዛረብ።
"ንኡሽቶ ሓፍተይ ንዓይ ንክትሕግዝ ለይቲ ከይተረፈ ትትስእ። ናይ ንጉሆ ብርሃን ንስእሊ ጽብቕቲ እያ። ስለዚ ለይቲ ዝሰራሕኹዎ ንክትስእለኒ ንሓፍተይ ብዙሕ ግዜ እየ ካብ ድቃስ ዘተስኣ። ሓሓሊፉ ንዓኣ'ውን ናብ ገለ ገጸ ባህርያት ይቕይራ እየ"።

ምንጪ ስእሊ, Bethlehem Abebe
ቤተልሄም ክትሰርሖም ካብ ዝሓሰበቶም 35 ገጸ ባህርያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ነቶም 10 ሰሪሓ ከም ዝወድአት ትዛረብ።
"ኣብዚ ሰዓት ከም ድላየይ ካብ ገዛ ወጺአ እቲ ዝድለዮ ኣቕሓ ክረክብ ኣይኽእልን። ግን ድማ በቶም ዘለውኒ ናውታት ክሰርሖም ዝደሊ ገጸ ባህርያት ይሰርሕ ኣለኹ"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







