ኤርትራውያን ዲፕሎማት ብዛዕባ ኣፈወርቂ እንታይ ይብሉ

ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ለንደን፡ ንሓያሎ ዓመታት ጄነራል ቆንስል ኮይኑ ዘገልገሎ፡ ትጉህ ዲፕሎማት፡ ርህሩህ፡ ፍትሓዊ፡ ተባዕ - ግን ከኣ ምቕሉል፡ ፍቱው ሰብ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ተፈልዩዎ።
እዚ መግለጺ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተላለዩዎ፡ መተዓብይቱ፡ መማህርቱ፡ ናይ ቃልሲ ብጾቱ፡ አዕሩኽ ስደት፡ ንኣፈወርቂ ዝገልጹሉ ቅጽላት እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ምስ ከፈተ፡ ኣፈወርቂ ምስ ኣምበሳደር ሃይለ መንቆርዮስ ከም ቀዳማይ ጸሓፊ ኮይኑ ተመዲቡ ንሓያሎ ዓመታት ብሓባር ሰሪሖም።
ዜና ዕረፍቱ ዝሰምዐ ኣምባሳደር ሃይለ ብዓሚቚ ጓሂ "ኣፈወርቂ ኣብ ሓጺር እዋን ብቕዓቱን ክእለቱን ዘመስከረ፡ ነገራት ከዐሪ ዝተግህ፡ ብንጽህና ዝሰርሕ ውፉይ ብጻይ እዩ ነይሩ" ክብል ብኣድናቖት ይገልጾ።
ኣምበሳደር ዓብደላ ኣደም፡ ካብ 1979 ኣትሒዙ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ንስነ-ጥበባዊ ክእለቱ ብምድናቕ ዝተላለዮን፡ ኣብ ለንደን ካብ ገዝኦም ዘይፍለን፡ ምስቲ ስድራ ሌላ 40 ዓመት ዘለዎን እዩ።
"ኣፈወርቂ ሞይቱ እናበሉኒ፡ ክሳብ ሕጂ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ኣፈወርቂ ብኹሉ ባህሪያቱ ዝፍቶ ናይ ብሓቂ ዝፍቀርን ዝዝከርን ሰብ'ዩ። ቅድም ቀዳድም ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን'ዩ ከይዱዎም። ብድሕረኡ ከኣ ንዓና ጎዲሉና" ክብል ዝተሰመዖ ሓዘን ይገልጽ።
ኣፈወርቂ፡ በዓልቲ ቤቱ ገዲም ተጋዳሊት ድምጻዊት ፋጥና ኣሕመዲን፡ ኣብ ለንደን ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዋ ብኸቢድ ሰንኪላ ኣብ ዊል ቼር ክትነባባር ምስ ተገደደት ክሳብ እዛ ሓሚሙ ንሆስፒታል ዝኣቱ ኩሉ ነገር እናተላእካ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣልዩዋ።
እቲ ዘጋጠሞ ጸገምን ወጽዓን ብቐረባ ዝፈልጥ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ለንደን እምበኣር፡ ኣብ ርእሲ እቲ ካልእ ብዙሕ ብልጫታቱ፡ በቲ ንብድሆታት ህይወት ዘለዎ ፍሉይ ጽሮቱን ትዕግስቱን'ዩ ዘድንቖን ዘኽብሮን።
ኣምበሳደር ሃይለ እውን፡ "ኣፈወርቂ ከምቲ ንሃገሩን ህዝቡን ዝተወፈዮ፡ ኣብ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ብዘርኣዮ ፍቕርን ኣልያን ጽንዓትን ኣድኒቐ ኣይጸግቦን እየ። ንዓይ ፍሉይ ኣብነት እዩ" ክብል ርእይቶኡ ይውስኽ።
ኣድናቖቱ ግን ኣብኡ ጥራሕ ኣየብቅዐን። "ኣፈወርቂ፡ ኣብ ስራሕ ዲፕሎማሲ ካብ ዘድንቖም መሳርሕቲ፡ ናይ ብሓቂ ዝድነቕ ርጡብ፡ ንነገራት ብዕርቅን ምርድዳእን ከደቓቕስ ዝጽዕር ወትሩ ኣዎንታ ዝሓስብ ሰብ እዩ ነይሩ" ክብል ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩሎም እቶም ንኣፈወርቂ ዝፈልጡን ኣብ ቤቱ ዝበጽሑን ሰባት በቲ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ፍሕሽው ገጹን ኣስናን ዘየኽድን መሳጥን መሃርን ዕላላቱ እዮም ዝዝክሩዎ።
ሓያሎ በቲ ባህርይ እቲ ክኸውን ኣለዎ ነታ ብከቢድ ማህረምቲ ፍርቂ ኣካላታ ዝለመሰት በዓልቲ ቤቱ ዳግማይ ህይወት ሰዂዑ ንልዕሊ 20 ዓመት ማዕረ ጥዑያት ከነባብራ ዝኸኣለ ይብሉ።
ኣፈወርቂ ግን ካብ ቁልዕነቱ ኣትሒዙ'ዩ ሓልዮት ስድራ-ቤትን አሕዋቱን ነይሩዎ።
ኣብታ ዝተወልደላ ኣስመራ፡ ፊደል ቆጺሩ፡ ብልዑል ጸብለልታ፡ መሳልል ክፍልታት ሰጊሩ፡ ካብ ፖሊ ቴክኒክ ባህርዳር ተመሪቑ፡ ብ1968 ኣብ መጻረይ ነዳዲ ዓሰብ (ሪፋይነሪ) ስራሕ ተቖጺሩ፡ ብፈላሚ ደሞዙ ከኣ መነባብሮ ስድራኡ ከመሓይሽ ምጽዓሩ ኩሎም አሕዋቱ ብናፍቖት ይዝክሩዎ።
እንተኾነ፡ ክቱር ጽምኢ ትምህርቲ ስለዝነበሮ ኣብ 1969 ማህደረ ትምህርቲ ምስ ረኸበ ዓይኑ ከይሓሰየ ንሩስያ ብምኻድ ቋንቋ ኣጽኒዑ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ብስነ-ቀመም ቀዳማይ ካልኣይን ዲግሪ ዓቲሩ።።
ኪኖ ዲግሪ ክቕጽል ድላይ እኳ እንተነበሮ፡ መንእሰያት እቲ እዋን 'ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ' እናበሉ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ንሜዳ ዝውሕዝሉ ዝነበሩ እዋን ኣፈወርቂ፡ ልዕሊ ስድራ ቤት ንህዝብን ሃገርን ኣቐዲሙ ኣብ ጀርመን ዝጀመሮ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ብዕጥቂ ብረት ክቕጽሎ ኣብ መጋቢት 1975 ካብ ኤውሮጳ ንሱዳን በሪሩ ንሜዳ ተሰሊፉ።
ሽዑ ብዙሕ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለዘይነበረ ዝበዝሕ እቲ ጉዕዞ ብእግሪ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ቅድሚ ናብ ታዕሊም ምብጸሖም ከኣ ኣብ መገዲ ሳሕል ምስቲ ኣብ 1972 ዝተሰለፈ ምንኣስ ምንኣሱ ሓው ብርሃነ ተራኸበ።

ምንጪ ስእሊ, Birhane Abrha
ብርሃነ ቅድሚ ወርሒ እቲ እዋን፡ ንክልተ ዝተሰለፉ፡ መጣፍእቲ አዕሩኽቱ ኣፈወርቂ ሓው ነጋሲ ሰንጋልን ተስፋይ ረኺቡ ደሃይ ሓው ሓቲቱዎስ ድሕሪ ወርሒ ክመጽእ ምዃኑ ስለዝነገሩዎ ንሓዉ ክጽበዮ እዩ ጸኒሑ።
ዋርድያ፡ 'ኣጋይሽ ይመጽኡ ኣለው' ምስ በሎ ብኺሻፋ ኣፈወርቂ ሓው ምስ መኻይዱ ክመጽእ ኣለልዩዎ።
ዕድል ገይሮም ከኣ ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጦም ግን አዕሊሎም ከይጸገቡ ምስ ናፍቖቶም ኣፈወርቂ ናብ ታዕሊም ወሪዱ።
ዳሕራይ እውን ንእሽቶ ሓዎም ያቆብ ኣብርሃ ንሜዳ ተሰሊፉስ ኣብ ብርጌድ 44 ኣብ ኩናት ኢራ ኣብ ሚያዝያ 1983 ተሰዊኡ። ግን መስርሕ ቃልሲ ስለዝኾነ ሓደ መዓልቲ ብመስዋእቲ ከርክቦ ምዃኑ ብምእማን ንኹሉ ኪኢሉ ቃልሲ ቀጺሉ።
ድሕሪ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ኣፈወርቂ ኣብቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ ክፍሊ ኢደ ስርሓት ተመዲቡ ፈላሚ ጉዕዞ ቃልሲ ጀመረ። ኢደ ስርሓት ነቲ ሰውራ ዝድግፍ ዝተፈላለየ መሳርሒታት እንኮላይ መቀያየሪ ኣቑሑ ብረት ዘፍሪ ዝነበረ ትካል እዩ።
ድሕሪ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ኣፈወርቂ ኣብቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ ክፍሊ ኢደ ስርሓት ተመዲቡ ፈላሚ ጉዕዞ ቃልሲ ጀመረ።
ኢደ ስርሓት ነቲ ሰውራ ዝድግፍ ዝተፈላለየ መሳርሒታት እንኮላይ መቀያየሪ ኣቑሑ ብረት ዘፍሪ ዝነበረ ትካል እዩ።
ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ 1977 እዋን ምትሓዝ ከተማታት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ብርጌድ 23 ተመዲቡ።
መራሒ እታ ብርጌድ ነበር ተጋዳላይ እድሪስ ዑመር በሪራይ ንኣፈወርቂ ኣብ ቦጦሎኒ ሓደ ምስ ተመደበ እዩ ዝፈልጦ።
ብሪራይ "ኣፈወርቂ ብትምህርቱን ፍልጠቱን ዘይዕበ ፍቱው ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ኣብ ባህላዊ ንጥፈታት ኮነ ኣብ ማእቶት ብትግሃት ዝዋሳእ ጻዕራም፡ ንብጾቱ ክምህር ዘይስልኪ ኣብነታዊ ብጻይ እዩ ነይሩ" ክብል ይዝክሮ።

ምንጪ ስእሊ, IDRIS
ኣፈወርቂ፡ ሰራዊት ሓርነት ካብ ከበሳታት ኣዝሊቑ ኣብ ሳሕል ቀዋሚ ድፍዓት ምስ ሓዘ፡ ኣብ ፈለማ ሰማንያታት፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ብርጌድ 23 ከም መራሒ መደብን ኣሰናዳኢን ብምዃን ክሳብ 1984 ኣገልጊሉ።
ኣፈወርቂ እምበኣር እቲ ናይ ስነ-ጥበብ ፍቕሩን ክእለቱን ሽዑ እዩ ኣውጺኡዎ። ዝተፈለለየ ናይ መድረኽ ትያትር ብምጽሓፍ እታ ጉጀለ ባህሊ ብፍርያታ ከም እትድነቕ ገበራ።
ኣብቲ እዋን መራሕ ብርጌድ እንዳ 44 ዝነበረ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም፡ ነታ ኣፈወርቂ ዝደረሳ'ሞ ኣብ መደባት ምርኢት እታ ጉጅለ እትቐርብ ዝነበረት" ከምዚ እንተዝኸውን'ከ" እትብል፡ ንባህላዊ ደረጃን ንቕሓትን እቲ ሰራዊት ኣብ ግምት ብምእታው ንማዕርነት ደቀንስትዮ እተረድእ ድርሰት ኣዝዩ እዩ ዘድንቓ።
"ኣፈወርቂ፡ ንኹሉ ክርደኦ ብዝኽእል ቀሊል ኣገባብ ብስነ - ጥበብ ዝምህርን ዘንቅሕን ዝነበረ ኪኢላ'ዩ" ክብል ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ይገልጾ።

ኣብ ሰውራ መርዓ ምስተፈቕደ ምስ ፋጥና ኣሕመዲን ቃል ኪዳን ኣሲሮም ብዓወት ንሓፋሽ ብኩሽኽን ኮንጎን ተመርዕዮም ኣብ መስርሕ ዊንታን ፌሩዝን ዝተባህላ ክልተ ዕውታት ቖልዑ ወሊዶም።
ክልቲኦም መጻምድቲ ሓዲኦም ኣማኒ ምስልምና ሓዲኦም ኣማኒ ክርስትና እኳ እንተኾኑ፡ ከምኦም ብፍቕርን ሓልዮትን ማሚቝ ህይወቱ ዝመርሐ የሎን ይብል ካብ ሳሕል ኣትሒዙ ዝፈልጦምን ኣብ እዋን ዕረፈቲ ኣፈወርቂ ካብቲ ቤት ዘይተፈልየ ገዲም ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ።
እታ ስድራ፡ ኣፈወርቂ ብስራሕ መንግስቲ ናናብ ዝገሾ ሃገራት እኳ ትገይሽ እንተነበረት፡ ዋላኳ ኣብ መንጎ ናይ ፋጥና ሓደጋ መኪናን ስንክልናን እንተጋጠመ፡ ክልቲኦም ወለዲ ንደቆም ብዝግባእ ኮስኲሶም ኣብ ፍረ ኣብጺሖምዎን እዮም።
ኣፈወርቂ ካብ 1994 ክሳብ ናጽነት ኣብቲ ኣብ ሜዳ ቆይሙ ዝነበረ ብእንዳ ኬሚስትሪ ዝፍለጥ ክፍሊ ስነ-ቐመም ከም ሓላፊ ጨንፈርን ሞያውን ኮይኑ እዩ ኣገልጊሉ።
ኣብ 1991 ናጽነት ኤርትራ ምስተበሰረ ከኣ ነታ ኣብ ንእስነቱ ንሓደ ዓመት ዝሰርሓላ ንግዚኡ ተሰናኺላ ዝነበረት መጻረዩ ነዳዲ ዓሰብ (ሪፋይነሪ) ምስ ብጾቱ ኮይኑ ናብ ንቡር ስርሓ ከም እትምለስ ገይሩዋ።
ኣይደንጎየን ግን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ምስ ከፈተ ከም ቀዳማይ ጸሓፊ ኮይኑ ከገልግል ንኣዲስ ኣበባ ከይዱ።
ኣብዚ እዩ እምበኣር መሳርሕቱ ነበር ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ "ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ተጋዳላይ ናብ ፍጹም ሞያዊ ዲፕሎማት ዝተቐየረ፡ ነገራት ከዐርን ከፈጽምን ብቕዓትን ድሌትን ዝነበሮ ብጻይ እዩ" ክብል ዝገለጾ።
ኣፈወርቂ፡ ናጽነት ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ድምጺ ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ረፈረንዱም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መስርሕ መሪሑን ኣወሃሂዱን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓደ ዓመት ብፓለቲካል ሳይንስ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ወዲኡ ንኤርትራ ምስተመልሰ ከይደንጎየ፡ ብ1996 ወኪል ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጀነራል ኮንስለይት ኮይኑ ክሳብ 2001 ኣገልጊሉ።
ብሰንኪ'ቲ ንበዓልቲ ቤቱ ዘጋጠማ ከቢድ ሓደጋ ካብ ስራሕ መንግስቲ ምስተሰናበተ ከኣ፡ ክሳብ ሕልፈቱ ኣብ ምእላይ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ተጸሚዱ፡ ሰብኣውነቱን ጽንዓቱን ጽሮቱን ክእለቱን ኣመስኪሩ።
ዓሚ ሰነ 2019 እቲ ኣብ ሳሕል መራሕ ብርጌዱ ዝነበረ ተጋዳላይ ብሪራይ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ምፍልላይ ካብ ዝነብረሉ ሃገረ ጀርመን ንለንደን መጺኡ ንፋጥናን ኣፈወርቅን በጺሑዎም።
"ነቶም ኣብ ንእስነቶም ዝፈልጦም ብጾት ቃልሲ ድሕሪ 35 ዓመታት ምፍልላይ ዳግማይ ብምርካበይ ዕድለኛ እየ" ይብል፡ ዝኽሪ ቀደም እናዕለሉ ንክልተ ለይቲ ሓቢሩዎም ከም ዝቐነየ ብምግላጽ።
ሕጂ ኣፈወርቂ ብሃንደበት ዓሪፉ ምስ ሰምዐ ከኣ " እንቋዕ ፈውሲ ጣዕሳ ገበርኩ" ይብል ብሪራይ። ንኣፈወርቂ ግን ብዙሕ ሰብ እዩ ከዕልሎን ክበጽሖን ዝብህግ ነይሩ።
"ቤቶም ቤት ፍቕርን ክብርን ስለዝኾነ ዋላ ሎሚ ምሰኦም ውዒልካ ንጽባሒቱ ኢኻ ትናፍቖም" ይብል ቴድሮስ ተኽለ ነቲ ሓቂ ብምርጓድ። ይኹን እምበር ኣፈወርቂ ብዙሕ እናሓለመን እናሓለነን ሃንደበት ብቃጻ ኮቪድ ተኾሊፉ ብሰኑይ 11 ግንቦት 2020 ኣብ ለንደን ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።
ድሮ እኳ ዕረፍቱ ምስ ተነግረ፡ ብሞቱ ዝሰምበዱ መቕርብን ፈተውትን ኣፍወርቂ እንታይ ዓይነት ሰብ ምንባሩ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብብዝሒ ይገልጹ ኣለው።

ቴድሮስ ተኽለ ብሓንቲ ቃል ሓሳቡ ይድምድም " ገባር ሰናይ ወትሩ ኣብ ልቢ ሰብ እዩ ሰፈሩ። ወትሩ ክዝከር ዝነብር ኣፈወርቂ በሃር ክሳብ እነርክቦ ኣብ ልቢ ፈተውቱን ኣድነቕቱን ደሚቑ ክነብር እዩ!'' ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







