ኮሮናቫይረስ፡ ቬትናም ብኸመይ ኣብ ምቊጽጻር ኮሮናቫይረስ ክትዕወት ክኢላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ቻይና ዘራኽባ ነዊሕ ዶብ ኣሎ። 97 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ ኣብ መሬታ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 300 ኮይኖም፡ ዋላ ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ዝሞተ የለን።
ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሕማም እዚ ቫይረስ ደው ካብ ዘብል ልዕሊ ሓደ ወርሒ ስለዝገበረ ድማ፡ ድሮ ዝተዓጸው ትካላትን ኣብያተ ትምህርትን ክትከፍት ጀሚራ ኣላ።
ብዙሓት ሃገራት ልዑል ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን እዚ ቫይረስ ኣብ ዘመዝግባሉ ዘለዋ እዋን፡ ቬትናም ግን ኣብ መጀመርታ ዝነበረት ጸባብ መስኮት ኣበርቲዓ ክትጥቀመሉ ብምኽኣላ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣየመዝገበትን።
ዋላ'ኳ ውጺታዊ እንተኾነ፡ ብዙሕ ሃልክን ጉልበት ዝበዝሖ ኣሰራርሓ ስለ እትኽተል፡ እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ጸገማት ስለ ዘለዎ፡ ካብዛ ሃገር ተሞኩሮ ምውሳድ ታህዋኽ ከይኸውን ዝብሉ ሰብ ሞያ ግን ኣለው።
'ሕሉፍ ግን ድማ ርትዓዊ' ስጉምታት
"ምስ ከምዚ ዓይነት ዘይፍለጡ ሓደገኛ ሕማማት ክትገጥም ከለኻ ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ እዩ ዘዋጽእ" ይብል በዓል ሞያ ምምሕያሽ ጥዕና ቬትናም ዶክተር ቶድ ፖላክ።
ቬትናም፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ብሰፊሑ ካብ መጀመርታ ምክልኻል ዝብል መገዲ እያ ተኸቲላ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብታ ሃገር ዋላ ሓደ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ሰብ ከይተረኸበ እንከሎ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ውሃን ክልተ ሰባት ሞይቶም እንከለው፡ እዚ ሓድሽ ለበዳ ኣብ ሃገሩ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል "ከቢድ ስጕምቲ" ክውሰድ የተባብዕ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ23 ጥሪ መጀመርታ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ካብ ውሃን ኣብ ቬትናም ከተማ ሆ ቺ ሚንህ ዝርከብ ወዱ ክበጽሕ ዝመጽአ ሰብኣይ ምስ ተረኸበ ድማ፡ እቲ ናይ ሓደጋ እዋን መደብ ናብ ባይታ ክወርድ ተገይሩ።
"ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣመና ተሪር ዝመስል ስጉምቲ ክውሰድ ከሎ ኣዝዩ ቅልጡፍ ነይሩ፤ ድሓር ግን ርትዓዊ ኮይኑ ረኺብናዮ" ይብል ዳይሬክተር ክፍሊ ክሊኒካል መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ እታ ከተማ ፕሮፌሰር ጋይ ትወይትስ።
ቬትናም ብዙሓት ሃገራት እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ከተግብርኦ ኣዋርሕ ዝወሰደለን ስጉምቲ ቀልጢፋ እያ ኣተግቢራቶ። ጉዕዞ ካብን ናብን ጠጠው ምባል፣ ብቐረባ ምክትታልን ምስ ቻይና ዘዋስና ዶብ ምዕጻውን ከምኡ'ውን ኣብ ዶብ ከባቢታትን ተቓላዒ ዝኾኑ ቦታታትን ዝግበር ክትትል ጥዕና ክውስኽ ብምግባር ተረር ስጉምቲ ወሲዳ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን፤ ክሳብ ፍርቂ ግንቦት ድማ ተዓጽዮም ክጸንሑ ገይራ። ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ዝሓትትን ስርሒት ምክትታል ምርኻባት ሰባትን ድማ ግብራዊ ገይራ።
"ኣብ ሕሉፍ ብዙሓት ለበዳታት ዝተቓለሰት ሃገር እያ" ዝብል ኣብ ፕሮግራማት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምስ መንግስቲ ሓቢሩ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ትወይትስ፡ ኣብ 2003 ዝተረኽበ ሳርስ፣ ኣብ 2010 ዝነበረ ኢንፍሉዌንዛን ዓበይቲ ለበዳታት ብመልከፍቲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ቫይረስ ወልካም [ዴንጋ]ን ንፍዮን ተፈቲና ዝወጽአት እያ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, ANH PHONG
"መንግስትን ህዝብን ተመሓላለፍቲ ዝኾኑ ሕማማት ኣብ ምምካት ምኩራትን ውፉያትን እዮም። ብዘይምግናን ልዕሊ ሃብታማት ሃገራት ብኸመይ ነዞም ክስተታት ክከላኸሉዎም ከም ዝኸእሉ ይፈልጡ'ዮም" ኢሉ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ቬትናም ዝኾነ ናብታ ሃገር ዝመጽእን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዘ ዝተራኸበን ሰብ ን14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ትውሽብ ነይራ።
ዋላ'ኳ ኣብቶም ማእከላት ውሸባ ዝነበሩ ቀረባት ዝነኣዱ እንተዘይኮኑ መብዛሕትኦም ወጻኢታት ግን መንግስቲ እዩ ሸፊንዎም።
ካብ ኣውስትራልያ ንቬትናም ዝመጽአት ሓንቲ ሰበይቲ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ መጀመርታ መዓልቲ "ሓንቲ ትርኣስን ኮበርታን ዘይብላ ሓንቲ ፍርናሽን፡ ንሓንቲ ክፍሊ ሓደ መዝሓሊ ኣየርን" ጥራሕ እዩ ነይሩ።
ፕሮፌሰር ትወይትስ፡ ፍርቂ እቶም በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቐልጢፎም ምልክታት እቲ ሕማም ስለ ዘየርእዩ፡ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሕ ሰብ ክውሸብ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ይብል።
ሕሙም ይኹን ጥዑይ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ኣብቲ መወሸቢ ማእከላት ዝነበረ ሰብ ድማ ተመርሚሩ።
ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ እንተዘይውሰድ ነይሩ ድማ፡ 40 ሚእታዊት ቬትናማውያን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ድዮም ኣይተትሓዙን ዝብል ከይፈለጡ ክተርፉ ነይሮም'ዮም ክብል እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።
"ከምዚ ዓይነት ሰባት እንተሃልዮምኻ [ምልክታት ዘይርእዩ ሕሙማት ኮቪድ-19] ቬትናም ዝወሰደቶ ኣማራጺ ምስዓብ እዩ ዘዋጽአካ። ስቕ ኢልካ ሰባት ኣብ ገዝኦም ክዕጸው እንተገይርካ ግን ናብ ካልኦት ሰባት የመሓላልፉ ምህላዎም'ውን ልቢ ክብሉዎ ኣይኽእሉን"።
እዚ መገዲ፡ ቬትናም ዋላ ሓደ ሞት ከይተመዝግብ ሓጊዙዋ እዩ።
መብዛሕትኦም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ተመሃሮ፣ በጻሕቲ ዓዲ ወይ'ውን ንስራሕ ወጺኦም ዝነበሩ ስለ ዝኾኑ መናእሰያትን ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታትን ዝነበሮም እዮም።
በዚ ምኽንያት፡ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ እዚ ቫይረስ ንምቅላስ ሰፊሕ ዕድል ነይሩዎም።
ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ብምኽንያት መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓደ ነገር ጥራሕ ዘተኮረ ንከይኸውን ድማ ብዕድመ ናብ ዝደፍአ መቕርቦም ንከየመሓላልፉ ጥንቁቓት ነይሮም።
ቬትናም ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ሙሉእ ኣዋጅ ዕጽዋ'ውን ኣይወሰነትን።
ብለካቲት ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ሃኖይ ሶን ሎይ ብዙሕ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ምስ ኣጋጠመ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ሙሉእ ብሙሉእ ተዓጽዮም።
ሰራሕተኛታትን ኣብ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማትን ሓዊሱ 11 ሽሕ ዝኸኑ ነበርቲ 'ሃ ኦይ'ውን' ኣብ ተመሳሳሊ ዕጽዋ ክኣትው ተገይሩ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ግዳይ እዚ ቫይረስ ዝኾነ ሰብ ዝሕብር ውጽኢት ክሳዕ ዝርከብ ድማ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ክወጽእ ኮነ ክኣቱ ኣይፍቀደሉን ነይሩ።
እዚ ዳግም ለበዳ እዚ ቫይረስ ብሰፊሑ እንተተራእዩ መሊስካ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ስጉምቲ ኮይኑ፡ እዚ ቬትናም ሰፊሕ መርመራ ከም ዘየካየደት ዘመልክት እዩ።
"መጀመርታ ሓደገኛ ስትራቴጂ መሲሉና ነይሩ። ድሓር ግን ንምቁጽጻርን ፈሊኻ ንምጽናሕን ስለ ዝሓገዞም ጽቡቕ ኮይኑ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ንህዝቢ ግልጺ መልእኽቲ ምትሕልላፍ
ኣብ ከም ቬትናም ዝበላ ብሓደ ሰልፊ ዝምርሓ ሃገራት፡ ውጽኢት ከምዚ ዓይነት ስትራቴጂ ንምግምጋም ድልውነት ህዝቢ ኣብ ቦትኡ ምዃኑ ክተረጋግጽ ይግባእ።
ዶክተር ፖላክ ከም ዝብሎ፡ መንግስቲ ቬትናም "ንህዝቢ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ኣብ ምርድዳእ ጽቡቕ ስራሕ እዩ ሰሪሑ"።
መዓልታዊ፡ ሰባት ንነብሶምን ሕብረተሰቦምን ንምሕላው ክገብሩዎ ዝግባእ ጥንቃቐ ዝሕብር መልእኽቲ ጽሑፍን ምስልን ብቴሌፎን ናብ ኩሉ ክፋል ሕብረሰተብ ይለኣኽ ነይሩ።
ቬትናም እቲ ናይ ኩል ግዜ መሳርሒ ፕሮፖጋንድኣ ብምጥቃም ህዝቢ ሓደ ብርቱዕ ኲናት ጸላኢ ተዋጊኡ ንክስዕር ክገብሮ ዝግባእ ነገር ዘስርጹ መልእኽታት እያ ትጥቀም ነይራ።
እዚ ድማ "ሕብረተሰብ ጸላኢ ንምምካት ብሓባር ክሰርሕ ኣለዎ ዝብል ስምዒት ፈጢሩ'ዩ"ይብል ዶክተር ፖላክ።
ጸብጻብ ቑጽሪ ኮቪድ-19 ቬትናም ዝእመን ድዩ?
መንግስቲ ቑጽሪ ኣብ ሃገሩ ዝሓመሙ ሰባት ዝምልከት ዝሃቦ ሓበሬታ ኣዝዩ ትሑት እዩ፤ እዚ ድማ ብወገን ናይ ሕክምና ሰብ ሞያን ዲፕሎማትን ናይ ግልጽነት ሕቶ የልዕል ኣሎ።
ጉጅለ ፕሮፌሰር ትወይትስ ኣብታ ሃገር ማእከሉ ገይሩ ኣገልግሎት ሕክምና ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዝወሃበሉ ሆስፒታል እዩ ዝሰርሕ።
ብወግዒ ዘይተገለጹ፣ ዘይተፈለጡ ወይ'ውን ዝጠፍኡ ቑጽርታት እንተዝህልው ነይሮም፡ "ኣብቲ ሕክምና ክንረኽቦ ምኸኣልና" እዩ ዝብል።
ጉጅልኡ 20 ሽሕ መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይራ እያ፤ እቲ ውጽኢት ድማ ምስቲ መንግስቲ ዝህቦ ዘሎ መረዳእታ ዝሳነ እዩ ክብል ይገልጾ።
ከይተሰነዱ ዝጠፍኡ ገለ ኣጋጣሚታት'ኳ እንተሃለው፡ "ነዚ ቑጽሪ ንምሽፍፋን ዝተገብረ ነገር ከምዘየለ ርግጸኛ እየ" ይብል።
ስግኣት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት
ካብ መንግስቲ ብቀጥታ ናብ ህዝቢ ዝወርድ ምሕደራ ቬትናም ናይ ባዕሉ ጎናዊ ሳዕቤናት ኣለውዎ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ተሓላቒ ሂዩማን ራይትስ ዎች ፊል ሮበርሰን፡ ኣካላዊ ርሕቐት ክሕሎ ምግዳድን ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከላት ክኣትው ምግባርን "ጎረባብቲ ነንሓድሕዶም ክስልሉ ገይሩ'ዩ" ኢሉ።
ብዘይጥርጥር፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተገብሩ ስራሓት "ከቡድ ጥሕሰት መሰላት" ነይሩ እዩ ይብል።
"ግን ድማ መንግስቲ ንኹለን ማዕኸናት ዜና ስለ ዝተቖጻጸረ ዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕብኡ ክሰምዕ ኣይክእልን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮፌሰር ትወይትስ፡ ቬትናም ዝተኸተለቶ ፖሊሲ "ኣብተን በዚ ቫይረስ ኣዝየን ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት ዘዋጽእ ክኸውን ከም ዘይኽእል" ብምግላጽ ውሑዳት ሃገራት ክመሃርኦ ዝኽእላ ነገር ግን ኣለዎ እዩ ኢሉ።
"ኣቐዲምካ ምክልኻል ልዕሊ መድሓኒት ምርካብ ዝሓሸን ዝቐለለን እዩ"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







