ኮሮናቫይረስ፡ ስራሕኩም ክሳብ ክንደይ ንኮሮናቫይረስ ዝተቓልዐ'ዩ?

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለምና ካብ ዝኽሰት ሓምሻይ ወርሒ ይሕዝ ኣሎ። ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር መንግስታት ልዕሊ ኹሉ ኣቐዲሞም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ምኽልካል እዩ።
ድሕሪ እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕኛታት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ጸኒሖም። እቶም ናይ ስራሕ መደቦም ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ዘየፍቅደሎም ግን ናብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ክምለሱ ይግደዱ።
እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ንሕማም እዚ ለበዳ ንከይቃልዑ ግን እቶም ዝወሃቡ መምርሒታት ምክልኻል ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ተጠንቂቖም ከተግብሩዎም ይመዓድ።
ግን፡ ምስ ካልኦት ክነጻጸር እንከሎ ስራሕኩም ክሳብ ክንደይ ንኮሮናቫይረስ ዝተቓልዐ'ዩ?
ኣካለዊ ርሕቐት ምሕላውን ካልኦት መገዲታት ምጥቃምን ዝብሉ መምርሒታት ቅድሚ ምትእትታዎም፡ ኣብ ኣሜሪካ ማእኸሉ ዝገበረ ትካል መጽናዕቲ ዘካየዶ ዳህሳስ ነዚ ይመስል።
ኣብዚ ስራሕኩም ክሳብ ክንደይ ንኮሮናቫይረስ ዝተቓልዐ ምዃኑ ተዓዘቡ።
መብዛሕትኦም ዓይነታት ስራሕ ሰባት ተቐራሪቦም ክሰርሑ ዘገድዱ ኮይኖም፡ ኣብ ዓመት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ንሕማም ዝተቓልዑ ናይ ስራሕ መደባት ግን ውሑዳት እዮም።
ዳርጋ ኩሎም ናይ ስራሕ መደባት ብዝለዓለ ደረጃ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተቓልዑ'ዮም፤ ግን ድማ ደረጃ ዕብየት እተን ሃገራት'ውን ወሳኒ ተራ ኣለዎ።
ሰብ ሞያ ኪነጥበብ፣ ሕጊ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ማርኬቲንግ፣ ርክብ ህዝብን ፋይናንሳዊ ምምኻርን ዝሰርሑ ሰባት ድማ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘለዎም ተቓላዕነት ዝተሓተ እዩ።
ናይ ጽርየት ሰራሕተኛታት፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርትን ኣዳለውቲ ስነ ስርዓት ቀብርን ድማ ብተነጻጻርነት ምስ ካልኦት ዝተቐራረበ ግዜ እንተዘይኣሕለፉ'ውን ንሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ግን ዝለዓለ እዩ።
ንከም ኮቪድ-19 ዝበለ ተመሓላላፊ ሕማም ዚያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ግን ንሕማም ዝተቓልዑ እዮም ዘይትብሎም ግን ድማ ምስ ሰባት ተቐራሪቦም ክሰርሑ ዘገድድ ናይ ስራሕ መደብ ዘለዎም ሰባት እዮም።
ንኣብነት፡ ሰራሕተኛታት ባር፣ ቀምቀምቲ ጸጉርን ተዋሳእትን ከምኡ'ውን መራሕቲ መኪናን ሰራሕተኛታት ኮንስትራክሽን ምጥቃስ ይከኣል።
ብኻልእ ወገን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብምኽንያት ኣብ ናይ ስራሕ መደብ ዘጋጥም ምትሕልላፍ ሕማማት ቑጽሪ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ጥዕና ትሑት ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ናይዚ ምኽንያት፡ ኣገልግሎት ኣብ ዝህብሉ እዋን ከም ጓንቲ፣ መሸፊኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ናይ መከላኸሊ ናውታትን ስለ ዝጥቀሙ እዩ። ብተወሳኺ ኢዶም ብተደጋጋሚ ብማይን ሳሙናን ስለ ዝሕጸቡ፡ ካብ መልከፍቲ ናይ ምድሓን ተኽእሎ ኣለዎም።
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝለዓለ መጠን ዝጥቅዑ ዘለው ግና መራሕቲ ታክሲ እዮም።
ኣብ ካልእ እዋን ንሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ዝተሓተ'ኳ እንተኾነ እዚ መደብ ስራሕ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ዘራኽቦምን ኮሮናቫይረስ ድማ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ሕማም ስለ ዝኾነን ግን ብዙሓት ግዳያት ኮይኖም እዮም።
ስለ ዝኾነ፡ ናብ ስራሕ ቦታ ክትከዱ ከለኹም ኣካላዊ ርሕቐትኩም ብምሕላው፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምጥቃም፣ ኢድኩም ብማይን ሳሙና ብምሕጻብ ወይ'ውን ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ጨርቂ ብምጥቃም ንነብስኹም ተኸላኸሉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







