ኮሮናቫይረስ፡ ንምዃኑ ድሕሪ ሕጂ ናይ ኢድ ሰላምታ ክንለዋወጥ ዲና?

ጓንት ዝገበሩ ኣእዳው
መግለጺ ስእሊ, ንምዃኑ ድሕሪ ሕጂ ናይ ኢድ ሰላምታ ክንለዋወጥ ዲና?

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዓመት ምስ 65 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ናይ ኢድ ሰላምታ ይለዋወጥ ተባሂሉ ከም ዝግመት ንሕና ክንነግረኩም።

ንስኻትኩምከ ኣብ መዓልቲ፣ ኣብ ሰሙን፣ ኣብ ወርሒ ኢሉ ድማ ኣብ ዓመት ዝነበረኩም ናይ ኢድ ሰላምታ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ኣስተብሂልኩምሉ ትፈልጡ'ዶ?

ካብ ቀሊል ሰላምታ ክልተ ዘይፋለጡ ሰባት፡ ወይ ብዝኾነ ምኽንያት ዝረሓሓቑ ዘለው ሰባት ጀሚሩ፡ ክሳብ ውዕሊ ንግዲ ቢልዮን ዶላራት መንግስታትን ሃፋትም ሰባትን፡ ብናይ ኢድ ሰላምታ ዝተሰነዩ'ዮም።

ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ምስ ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ማሕበራዊ ልምዲ ስለ ዝኾነ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ተኸሲቱ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ነዚ ልምዲ ጠጠው ከብሉ ኣጸጋሚ ከይኮኖም ኣይተርፍን።

እማን እዩ፤ ከቢድ እዩ።

ናይ ኢድ ሰላምታ መዓስ ተጀሚሩ?

ምናልባት፡ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ተጀሚሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብሃል። ክልተ ሰባት ዕጥቂ ከምዘይሓዙ ዘርእይሉ፡ ምልክት ሰላም እዩ ነይሩ።

ኣብ ማእኸላይ ኤውሮጳ ድማ፡ ፈረሰኛ ወተሃደራት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ እንከለዉ ዝተሓብአ ዕጥቂ እንተልዩ ንምርጋፍ ብዝብል ናይቶም ሰባት ኢድ ብምጭባጥ ይሓቑንዎ ኣብዝነበርሉ እዋን ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኣብ ጥንታዊት እንግሊዝ፡ ክርስትያናዊ መበቆል ዘለዎም 'ኩዌከርስ' ዝበሃሉ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ርእስኻ ኣድኒንካ ምስጋድ ናይ ኢድ ሰላምታ ምሃብ ብዝሓሸ ማዕርነት ሰባት ዝገለጽ ብምዃኑ ከስፍሕዎ ክኢሎም።

ይኹን'ምበር፡ ብምኽንያት እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለምለኻዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰባት እዚ ልምዲ ደው ከብሉ ተደጋጋሚ ማዕዳ ይወሃብ ኣሎ።

ሰባት ዳህሳስ ተኮር እንስሳት ስለ ዝኾኑ፡ "ሰላምታ ብቐሊሉ ዝተቐራረቡ ምዃኖም ዝግለጸሉ ወስታ እዩ" ትብል ፕሮፌሰር ስነልቦና ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ክሪስቲን ሌጋሬ።

ስለ ዝኾነ እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ልምዲ ብቐሊሉ ጠጠው ምባል ከቢድ እዩ።

"እቲ ዝተለምደ ኣካላዊ ምቅርራብ ክጎድል ካብ ዘይምድላይና ብዝብገስ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ኢድ ሰላምታ ይተርፍ ምስ ተብሃለ ሰባት ብኩርናዕ ኢዶም ሰላምታ ክለዋወጡ ከም ኣማራጺ ወሲዶምዎ'ዮም" ትብል ፕሮፌሰር ሌጋሬ።

እዚ ስነ-ህይወታዊ ባህሪ ንሰባት ክትቀርቦም፡ ሰባት'ውን ክትንክፉኻ ናይ ምድላይን ባህሪ ኣብ እንስሳት'ውን ኣሎ።

ብ1960ታት ኣሜሪካዊ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ሃሪ ሃርሎው ምትንኻፍን ልግሲ ፍቕርን ንኣካላዊ ዕብየት ኣናኣሽቱ ኣህባይ ጠቓሚ እዩ ኢሉ ነይሩ።

ካልኦት እንስሳት ቺምፓንዚ'ውን ብናይ ኢድ ምትንኻፍ፣ ምትሕቑቛፍን ምስዕዓምን ኣቢሎም ሰላምታ ክለዋወጡ ንዕዘብ ኢና።

ንኣብነት ዘራፍ፡ "ፍቕራዊ ምስዕዓምን ምድርራዝን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ክልተ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ብኽሳደን ተጠቒመን ዝለዋወጥኦ ዓይነት ሰላምታ ኣሎ።

እዚ፡ ሓድሕደን ክሳደን ብምጥልላፍ ጥንካርአን ዝፍትሻሉን ልዕልነት ንምምስራት ዝጽዕራሉን መገዲ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ድማ፡ ምትሕልላፍ እዚ ለበዳ ብምውጋድ ሰባት ሰላምታ ክለዋወጡሎም ዝኽእሉ ብዙሓት ኣማራጺታት ኣለው።

ኣብ ባህሊ ህንዲ ዝተለምደ 'ናማስቴ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ሰላምታ ሓደ እዩ።

ካልእ'ውን ንገሊአን ኣጻብዕ ኣእዳውካ ፈሊኻ ብምውጻእ [ከምቲ ኣብ ስእሊ ዝርኣይ ዘሎ] ሰላምታኻ ምግላጽ ይከኣል እዩ።

እዚ 'ሻካ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ ባህሊ ገለ ህዝብታት ዓለም ንዝኾነ ሰብ ዘለካ ደገፍ ወይ ሓድነት ንምግላጽ ይውዕል።

ሻካ ሰላምታ

ኣብ ደቡብ ፓስፊክ ኦሺኒያ እትርከብ ሳሞና እትበሃል ሃገር፡ ሸፋሽፍቲ ኣዒንትኻን ሰሓቢ ክምስታን ተጠቒምካ ሰላም ንእትብሎ ሰብ ሰናይ ተምኒትካ ትገልጽ።

ኣብ እስላም ሃገራት ድማ፡ ኢድካ ኣብ ኣፍ ልብኻ ኣንቢርካ ነቲ ሰላም እትብሎ ሰብ ሰላምታኻ ምብጻሕ ኣኽብሮትካ እትገልጸሉ መገዲ'ዩ።

ኣብ ባህሊ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን'ውን፤ ዓበይቲ ወለዲ ኣብ መገዲን ካልእን እንትራኸቡ፡ ጉልባቦም ቅልዕ ኣቢሎም ርእሶም ኣድኒኖም ኢድ ብምንሳእ ነነርእሶም ሰላምታ ይለዋወጡ።

ስለ'ዚ፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ ኩል ግዜ ኣገዳሲ ኣይኮነን ማለት እዩ።

ኣብ መጀመርታ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘበን፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ስነ ልቦና፡ ንህጻናት ፍቕሪ ምርኣይ ብዙሕ ትርጉም ዘይብሉ ስምዒታዊ ምልክት እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም።

ብተወሳኺ እዞም ፍቕሪ ዝግለጸሎም መገዲታት ዝርግሐ ሕማማት ዘጋፍሑን ንዓበይቲ ንስነልቦናዊ ጸገማት ዘቃልዑን'ዮም ይብሉ።

ተመራማሪት ባህሪያት ደቂ ሰባት ዝኾነት ቫል ኩርቲስ 'Don't Look, Don't Touch' ኣብ ዝብል መጽሓፋ ናይ ኢድ ሰላምታን ኣብ ምዕጉርቲ ምስዕዓምን ክተርፉ ኣለዎም ዝብሃል፡ ጀርምታት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ስለ ዘለዎም እዩ ትብል።

ኣብ 1920ታት ኣብ ናይ ጥዕና መጽሄት ኣሜሪካ ዝተሓትመ ጽሑፍ፡ ኣእዳው ቀንዲ መተሓላለፍቲ ባክቴሪያ እዮም ዝብል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣሜሪካውያን ኣብ ክንዲ ንሰላምታ ዝረኽቡዎም ሰባት ኢድ ምጭባጥ ናይ ባዕሎም ኢድ ብምጭባጥ ሰላምታ ክለዋወጡ ከም ዘለዎም ይምዕድ።

እዚ ኣብ ቻይና ልሙድ ዓይነት ሰላምታ እዩ።

ንምዃኑ ድሕሪ ሕጂ ናይ ኢድ ሰላምታ ክንለዋወጥ ዲና?
መግለጺ ስእሊ, ንምዃኑ ድሕሪ ሕጂ ናይ ኢድ ሰላምታ ክንለዋወጥ ዲና?

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይተኸሰተ ከሎ፡ ብዙሓት ንናይ ኢድ ሰላምታ ዝቃወሙ ርኢይቶታት ይወጽኡ ነይሮም።

ንኣብነት፡ ብ2015 ሆስፒታል ዩሲኤልኤ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ጽኑዕ ክትትል ናይ ኢድ ሰላምታ ከይህሉ ገይሩ'ዩ። እንተኾነ እዚ ፖሊሲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ'ዩ ዘሊቑ።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ብርክት ዝበላ እስላም ደቂ ኣንስትዮ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ኣጣቒሰን ናይ ኢድ ሰላምታ ብምቅዋም ብኢድ ሰላም ምባል ደው ኣቢለን እየን።

ኣብ ዙርያ እዚ ባህላዊ ልምዲ ኣተኲሮም ዝተኻየዱ ሳይንሳዊ መጽናዕታት ግን፡ ናይ ኢድ ሰላምታ ልክዕ ኣእምሮና ካብ ጽቡቕ መግቢ፣ መስተን ጾታዊ ርክብን ዝረኽቦ ምንቕቓሕ፡ ካብ ናይ ኢድ ሰላምታ'ውን ይረክብ እዩ ብምባል ኣገዳሲ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ናይ ኢድ ሰላምታ ዘይብሉ መጻኢ?

ሕጂ ገለ ሃገራት ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ወሲደንኦም ዝነበራ ስጉምታት ዕጽዋን ገደብ ምንቅስቓስን ከፍኩሳ ጀሚረን ኣለዋ።

በዚ ምኽንያት ሰባት ናብ ንቡር መኣዲ ስርሖምን ዕለታዊ ናብርኦምን ይምለሱ ኣለው። እንተኾነ ዕጫ ናይ ኢድ ሰላምታ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መራሒ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይስ ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ "ግደ ሓቂ፡ ድሕሪ ሕጂ ብኢድና ሰላም ክንበሃሃል ዘለና ኣይመስለንን" ኢሉ ነይሩ።

"ምትሕልላፍ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ቀጻሊ ኣብዛ ሃገር ዝህሉ ምትሕልላፍ ኢንፍሉዌንዛ'ውን ክንክየልና ይኽእል እዩ" እውን ኢሉ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተዓጸው ነገራት ዳግም ንምኽፋት ይሓስብ ስለ ዘሎ፡ ጉዳይ ማሕበራዊ ርሕቐት ንውሕ ንዝበለ እዋን ኣብ መስርሕ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።

ብፍላይ ድማ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ከም ልዕሊ ዓቐን ርጉድን ሕማም ሽኮርን ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት እቶም ምትሕልላፍ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝወጽኡ መምርሒታት ክትግብሩ ክግደዱ እዮም።

እዚ ድማ ከምቲ ተሓጋጋዚ ኣቦ መንበር ክሊኒካዊ ውህደትን መጥባሕትን ዴል ሜዲካል ስቱዋርት ዎልፍ ዝብሎ፡ ክትንከፍ ዝኽእልን ክትንከፍ ዘይኽእልን ከምኡ'ውን ተነጺሉ ክተርፍ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተኸፍለ "ሳይንስ-ልበወለዳዊ በደል" ዝበጽሖ ሕብረሰተብ ክፍጠር ምኽንያት ክኸውን እዩ።

እዚ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ሳዕቤን ክህልዎ'ዩ ክብል'ውን የጠንቅቕ።

"ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ መናእሰይን ብርቱዓት ዝኾኑ ሰባትን ኢልና ምክፍፋል ፈጢርና ኣለና። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ እቲ ብዕድመ ዝደፍአን ኣካለዊ መጉዳእቲ ዘለዎን ከምኡ'ውን መንእሰይን ጥዑይን ዝተብሃለ ክፋል ሕብረተሰብ ሰብ ሰፊሕ ፍልልይ ክፈጥር እዩ" ይብል።

ፕሮፌሰር ስነ ልቦና ኢልክ ዌበር ብወገኑ "ልምዲ መዋቲ'ዩ" ይብል። "ብኻልእ ሸነኽ፡ ኩነታት ጥዕና፣ ሕብረሰተብን ቑጠባን ክልወጥ ከሎ ውልቃውን ማሕበራዊ ልምዲ'ውን ይልወጥ'ዩ" ብምባል ናይ ኢድ ሰላምታ ክተርፍ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ብርክት ዝበሉ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘይብሎም ናይ ሰላምታ መማረጺታት ከም ዘለው ክንሕብረኩም።

ንኣብነት፡ ርእስኻ ኣድንን ኣቢልካ ሰላም ምባል።

እዚ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዝውቱር ኮይኑ፡ ኣብ ታይላንድ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ቑጽሩ ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ሓጊዙ እዩ።

ካልእ እንተደሊኹም፡ ኢድኩም ብምንቅስቓስ ጥራሕ ሰላም ምባል፣ ርእስኹም ብምንቕናቕ፣ ፍሽኽ ብምባልን ናይ ኢድ ምልክታት ብምፍጣርን ኣካለዊ ምትንኻፍ ብምውጋድ ሰላምታ ክትለዋወጡ ትኽእሉ።

ፕሮፌሰር ሌጋሬ ግን ኮቪድ-19 ጨካን ሕማም ካብ ዝገብሩዎ ምኽንያታት እቲ ሓደ እቲ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዝለመደ ወድ ሰብ ካብኡ ክርሕቕ ብምግባር ኣብ ጭንቂ ከውድቖ ምኽኣሉ እዩ።

"ሰባት ምስ ሞቱ ወይ'ውን ሕማቕ ነገር ምስ ኣጓነፎም ንምጽንናዕ እንታይ'ዮም ዝገብሩ ነይሮም? ናብ ጥቕኦም ኣጸጊዖም ብምሕቛፍ ወይ'ውን ኣብ ጎኖም ኾፍ ኢሎም ርእሶምን መንኮቦምን ብምንካእ ኣይኮኑን እንድዮም ዘጸናንዑዎም?" ትብል።

ሰላምታ ኢድ

ብብርኪ ኢድካ ወይ'ውን ብጭብጦ ኢድ [ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኣይ ዘሎ ስእሊ] ሰላም ምባል ኣብ ርክብ ደቂ ሰባት ዝምልከት ክንዲ ፍረ ጣፍ እጃም የብሎምን ዝብሉ'ውን ኣለው።

ዋላ'ውን ከምዚኦም ዝበሉ ኣማራጺታት እንተሃለው፡ ነቲ ሰላምታ ኢድ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ዝሃነጾ ውሽጣዊ ስምዒት ምቅርራብን ምሕዝነትን ዝቃወሙ እዮም ዝኾኑ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌር ስነ ልቦና ስቴቨን ፒንከር።

ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓዊሱ ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣተኲራ እትሰርሕ ደሊና ጋርሺያ ብወገና፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ዝነበራ ናይ ኢድ ሰላምታ ደው'ኳ እንተበለት ገለ ልምድታት ግን መሊእካ ጠጠው ንምባል ኣጸገምቲ ምኳኖም ትዛረብ።

"ኣነ ምሕቛፍ ዝፈቱ ሰብ እየ" ክትብል ምስ ጓል 85 ዓመት ኣዲኣ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ኣዝዩ ከም ዘጸገመላ ብምግላጽ።

"ንሳ'ውን ከማይ እያ፤ ቐሪበ ገጻ ክደራርዞ፣ ሓቊፈ ክሰዕማን ከም ዝፈትዋ ክነግራን እየ ዝደሊ" ትብል።

እንተኾነ እዚ ክልቲኤን ብኮቪድ-19 ንከይሓማ ስግኣት ይኾነን ኣሎ።

"ንሳ ዋላ ከምቲ ዝለመድናዮ ክንተሓቛቖፍ እንተደለየት፡ ኣነ ግን እንተኣሕመምኩዋኸ? ብዝብል ስግኣት ክጭነቕ ጀሚረ ኣለኹ። ስለዚ ኣነ ገዲፈዮ፤ ንሳ ገዲፋትኒ ክትኸይድ ክርኣ ከለኹ ግን መሊሰ ይስዕባ። ልክዕ ከም ዝሰሓሓቡ ማግኔት ኢና፤ ግን ብህይወት ንምጽናሕ ክብል እዚ ልምዲ ከወግዶ ክቃለሶ እየ" ኢላ።

ኣደን ጓልን
መግለጺ ስእሊ, ኣደን ጓልን

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ፕሮፌሰር ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ልቦና ዝኾነ ኣርቱር ማርክማን ግን፡ ሕማም ምውጋድ እቲ ኣገዳሲ ዕማም ደቂ ሰባት ብምዃኑ ኣብ ብህይወት ንምጽናሕ ዝውሰዱ ስጉምታት ማሕበራዊ መነባብሮ ክጸልዉዎ ግድን እዩ ይብል።

"ይኹን'ምበር፡ ኣብ ክንዲ ነንሓድሕድና ካብ ምትንኻፍ ምርሓቕ፡ ምናልባት ልሙድ ብዝኾነ ምሕጻብ ኢድ፣ ናይ ኢድ መጽረዪ ኣልኮል ብምጥቃም፣ ከምኡ'ውን ብኢድካ ገጽካ ዘይምትንካፍ ክነተኩር ኣለና" ኢሉ።

እንተኾነ እዚ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ብቐጻሊ ስለ እንለመረዶ፡ ንመጻኢ ብዙሕ ዘየጨንቐናን ንማሕበራዊ ምትእስሳርና ዘይጻባእን ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኮሮና
ኮሮና