ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ኬንያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዝረኸበት ሓቢራ።
ሚኒስትር ጥዕናኬንያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ግዳይ ብ5 መጋቢት ናብ ኬንያ'ኳ እንተኣተወት፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዐት ግን ትማሊ'ዩ ውጽኢት ተነጊሩዋ ክብል ሓቢሩ።
እዛ ሰበይቲ፡ ካብ ኣሜሪካ ተበጊሳ ብለንደን ኣቢላ ናብ ኬንያ ከም ዝመጽአትን፤ ኣብቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝርከብ ቤተ-ፈተነ ኢንፍሉዌንዛ ከም ዘይወጽአትን ሓቢሩ።
ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘላን ሙቐት ሰብነታ ከም ዝነከየን ብምግላጽ፡ ናጻ ክሳዕ እትኸውን ንበይና ተፈልያ ክትጸንሕ እያ ኢሉ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ከይንቀሳቐሱ ኣጊዱ።

ምንጪ ስእሊ, SpokesPerson Gok/ Twitter
ሰነጋል
ሚኒስትር ጥዕናሰኔጋል፡ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ኣረጋጊጹ።
እቶም ስድራ-ቤት፡ ካብ ዓዲ ጥልያን ካብ ዝመጸ ዘመድ እዮም ተለኺፎም።
ክሳብ ሕጂ ግን በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት 10 በጺሖም ኣለው። ካብዞም እቶም ክልተ ከምዝሓወዩን፡ ዝተረፉ ሸሞንተ ግን ሕክምናዊ ረድኤት ይረኽቡ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Senegalese Health Ministry
ጋናን ጋቦንን
ኣብ ጋና ክልተ ግዳያት ቢዚ ሕማም ክልከፉ እንከለው፡ ጋቦን ድማ ፈላማይ ሰብ ቫይረት ዝተለኽፈ ረኺባ'ላ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ጋና ከም ዝበሎ፡ ክልተ ካብ ቱርክን ኖርወይን ዝመጽኡ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ'ዮም።
እዞም ሰባት ንብሕቶም ተፈልዮም ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከም ዘሎን፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከቡን ተሓቢሩ። ምስዞም ሰባት ዝተራኸቡ ሰባት'ውን መርመራ ይግበረሎም ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ ጋቦን፡ እቲ ዝሓመመ ሰብ ካብ ፈረንሳ ዝመጽአ ዜጋ እታ ሃገር ምዃኑ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እዚ ሰብ ምልክታት ሰዓል፣ ጸገም ምስትንፋስን ምሕርሓር ጉሮሮን ዝተርኣዮ ኮይኑ፡ ንበይኑ ተፈልዩ ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ጥዕና ከም ዘሎን ብተመሳሳሊ ምስኡ ዝተራኸቡ ሰባት መርመራ ይግበረሎም ምህላውን ሓቢሩ።
ኣልጄሪያ
ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ኣዚዛ። እዚ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ 5 ሚያዚያ 2020 ከም ዝጸንሕ ፕረዚደንት ዓብደልማጂድ ቴቡኔ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት፡ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ማእከላት ስልጠና ሙዚቃ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝወሃበለን ማእከላትን መዋእለ ህጻናትን ክዕጸው'ዮም።
ኣልጀርያ፡ በዚ ቫይረስ ወዲ 67 ዓመት ምስ ሞተ እያ ነዚ ስጉምቲ ክትወስድ ዝተገደደት።
ትመሊ ሓሙስ፡ ሓሙሽተ ሓደሽቲ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ዝመዝገበት ኮይና፡ ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 24 በጺሑ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ብኮቪድ-19 ተጠቒዖም ሕክምና ክረኽቡ ዝጸንሑ ሸሞንተ ሰባት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝሓወዩ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቱኒዝያ፡
ሽዱሽተ ሓደሽቲ ግዳያት እዚ ባይረስ ከም ዝረኸበት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ቁጽሪ ሕሙማት ድማ 13 በጺሑ ኣሎ።
ካብ ቻይና፣ ኢራንን ኤውሮጳን ዝመጹ ገያሾ፡ ንኽልተ ሳምንቲ ንነብሶም ኣልዮም ከጽንሑ ዘገድድ መምርሒ ተመሓላሊፉ'ሎ።
ተጉዓዝቲ ኣብ መገዲ ኣየር እንትበጽሑ'ውን ሙሉእ ሓበሬታ ክመልኡን መርመራ ክገብሩን ከም ዝግበር ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







