በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዛ

ቀዳማእ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶ ኢድ በዓልቲ ቤቱ ሶፊ ቱሩዶ ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቐዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶን በዓልቲ ቤቱ ሶፊ ቱሩዶን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንነብሶም ፈልዮም ከጽንሑ'ዮም

በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ሶፊ ግሪጎሪ ብኮሮና ቫይረስ ከም ዝተትሓዘት ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።

"ንግዝኡ ንብሕታ ተፈልያ ክትጸንሕ እያ፤ ዝተኣዘዘላ ቅድመ ጥንቃቐ ትውሰድ ብምህላዋ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ትርከብ። እቶም ምክልታት'ውን ነክዮም'ዮም" ይብል።

ሕጂ እዞም መጻምዲ ንነብሶም ፈልዮም ኣለው።

እቲ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ቱሩዶ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት እቲ ሕማም ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከብን እኳ እንተሓበረ፡ ን14 መዓልታት ግን ንነብሱ ፈልዩ ክጸንሕ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን መርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብር መደብ የለን።

"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስሩዕ ስርሑ ክህሉ'ዩ፤ ሎሚ መዓልቲ ድማ ንኣባላት ካቢኔ መግለጺ ክህብ'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

ይኹን'ምበር ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት ኣብ ኦታዋ ዝነበሮ ኣኼባ ተሰሪዙ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ሓሙሽተ ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን፤ ሓደ ኣባል ካቢነ ሚኒስትር ካናዳን በዚ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተሓቢሩ'ዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ካናዳ ኣስታት 103 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ብሮቡዕ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ዝተኣወጀ ቫይረስ ንምክልኻል 728 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከም ዘዳለወት ኣፍሊጣ።