ኣምሓራ፡ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ክህቡ ዝወፈሩ ሰብሞያ ተጠቒዖም

ትማሊ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ሞረትን ጅሩን ከተማ እነዋሪ፡ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ክህቡ ዝመጽኡ ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታን ስለምንታይ ሃይማኖታዊ ስብከት የካይዱ ብዝብል መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ኣዛዚ ፖሊስ እታ ወረዳ ገሊጹ።
ናብታ ከተማ ዝተጉዓዘ ጉጅለ ሕክምና 18 ዜጋታት ወጻኢ ዝርከቡዎም ልዕሊ 200 ኣባላት ዝሓዘ ምኻኑ ዋና ኢንስፔክተር ወጋየሁ ቦጋለ ተዛሪቡ።
ፕሬዝደንት ቤተክርስቲያን ሙሉ ወንጌል ኢትዮጵያ መጋቢ ይልማ ሙሉጌታ ብወገኖም፤ ኣብ ከተማ እነዋሪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ቤት እምነት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ከም ዝተዘምተን ኣረጋጊጾም።
መጋቢ ይልማ ወሲኾም እቲ መጥቃዕቲ ብኣኽረርቲ ሃይማኖት'ዩ ተፈጺሙ ዝበሉ ኮይኖም፡ ንብረት ከም ዝዘመቱን፣ ሰለስተ ሰባት ሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከቡን ከምኡ'ውን ከም ዝተቓጸለ ተዛሪቦም።
ዋና ኢንስፔክተር ወጋየሁ ከም ዝበሎ ድማ፡ እቲ ጉጅለ ሕክምና ኣብታ ከተማ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ንክህብ ዝሓለፈ ቐዳም ከም ዝኣተወ ገሊጹ።
ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትካል ጥዕና እነዋሪ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ክህብ ጸኒሑ።
ጎና ጎኒ ድማ ካብ ገጠር ከባቢታት ንዝመጽኡ ተገልገልቲ ሃይማኖታዊ ስብከት ይህብ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
እቲ ጉጅለ ሕክምና፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣገልግሎት ሕክምና ክህብ ናብታ ከተማ እንትኸይድ፡ ነበርቲ ግን ጎና ጎኒ ድንኳን ሰሪሑ ሃይማኖታዊ ስብከት የካይድ ነይሩ'ዩ ይብሉ።
ነባሪ እታ ከተማ ስለ ምንታይ ከምዚ ይገብሩ ኢሉ ተቓዊሙ ነይሩ እዩ ዝበለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ወረዳ ሞረትን ጅሩን ኣቶ ዳኜ ኣምታታው፡ ቅርታ እቲ ህዝቢ ብምሓዝ ስብከት ንከየካይዱ ከዘራርቡዎም ከም ዝፈተኑ ይገልጽ።
እቲ ኢንስፔክተር ብወገኑ፡ እቲ ስብከት ኣብ ቀጽሪ ቤት እምነት እቲ ሃይማኖት እንተዝወሃብ ነይሩ ጸገም ኣይምነበሮም ብማለት፡ ኣብ ጎኒ እቲ ማእከል ጥዕና ድንኳን ብምስራሕ ስለ ዝሰበኹን ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ስለ ዝዓደሉን ቁጥዐ ኣልዒሉ'ዩ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ መናእሰይ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ቤት እምነት ብኣእማንን ብሓውን ሓደጋ ከም ዘብጽሑ ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ክህቡ ዝመጽኡ ሰብ ሞያ ግን ጉድኣት ከይበጽሕ ተኸላኺልና ኢና ኢሉ።
መጋቢ ይልማ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ጉድኣት በጺሑዎም'ዩ እንተበሉ'ውን፡ ኢንስፔክተር ወጋየሁ ግን ሓደ ዋርዲያ ጥራሕ ብእምኒ ከም ዝተወቕዐ ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ስብከት ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ድንኳን፣ እቶም ኣጋይሽ መዕረፊ ክኾኖም ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑዎን ሙሉእ ነባር ኣብያተ ጽሕፈት እቲ ቤተክርስቲያንን ከም ዝተቓጸሉ ኣረጋጊጹ።
በዚ ጉዳይ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ክትትል እናገበርና መረዳእታ ንእክብ ኣለና ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







