ወለዲ ዝተጨወያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ቁርጺ ይነገረና ኢሎም

ንድሕነተን ብምስጋእ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደንቢ ደሎ ወጺአን ናብ ስድረአን ኣብ ምምላስ ዝነበራ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ምስ ተጨውያ ዛጊድ ሃለዋተን ኣይተፈልጠን።
ስድራ እተን ተምሃሮ መንግስቲ ብህይወት ምህላወን ዘይምህላወንን ቁርጹ ይንገረና ክብሉ ድማ ይሓቱ ኣለው።
እቶም ወለዲ እቲ ዜና ካብ ዝስማዕ ጀሚሩ ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ደቆም ካብዚ መዓት ከናግፈሎም ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም፤ እንተኾነ ብዘይ ዝኾነ ውጽኢት ኣዋርሕ ተቖጺሮም።
ትማሊ ድማ ኣባላት እቶም ስድራ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ባህርዳር ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።
ወይዘሮ እንዳለች ይመር፡ ጓላ ዝተጨወይታ ወላዲት እያ።
"ኣነ ከይሰምዕ እቲ ስድራ ክጥንቀቕ ጸኒሑ። ኣቦኣ ድማ እናተመላለሰ ቀንዩ። ስንባደ ተሓዊስዎ፡ ሕማም ጨጎራ ውን ስለ ዝተልዓሎ እየ ኣነ ንባህርዳር ከይደ። ኣነ ኣይሰማዕኹን'ምበር ጓለይ ድማጻ ካብ እተጥፍእ ጸኒሓ ኣለ። ናብ ቤተ ክርስትያን እናተመላለስና ካብ ምብካይ ወጻኢ እንታይ ክንገብር ንኽእል?" ትብል።
ካብ መንግስቲ ዝረኸብዎ ምላሽ እንተሎ ሓቲትናያ፡ "ናብ ስሩዕ ቤት ትምህርታ ተመሊሳ ኣትያ እያ" ኢሎሞም ከም ዝነበሩን፡ እንተኾነ ሓቂ ከም ዘይኮነ ትዛረብ።
እቶም ስድራ፡ ሕዚ ሓደ ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ናብ ባህርዳር ከም ዘምርሑ እውን ትገልጽ።
"ወይ ብህይወት ኣለዉ በሉና ወይከኣ ሞይቶም እዮም በሉና'ሞ ክንቀብጽ፤ ሓዘንና ይውጸአልና ንቕበጽ"።
ካሊእ ጓሎም ዝተጨወየቶም መርጌታ የኔነህ አዱኛ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ጓሎም ከጻርዩ ካብ ወረዳ ክሳብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝደኸሙ ይዛረቡ።
ናብ ባህርዳር ክመጽኡ ዘገደዶም ኩነታት እንተብርሁ ድማ፡ "ኣቶ ደመቀ መኮንን ደቅና ብህይወት ከም ዘለዉ፣ ኣብቲ ጭውያ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝኾነ ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘየለ ነጊሩና። ብፍላይ ንኣዴታት ኣዮኹን በልዎን ኢሉ መኺሩ ሰዲዱና። እንተኾነ፡ 35 መዓልታት ኣቑጺርና። በዚ ምኽንያት እየ መጺአ" ኢሎም።
እቶም ኣባላት ስድራ፤ ናብ ባህርዳር ከይዶም ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልን ፖሊስ ኮሚሽነርን እንተኸዱ'ኳ ዘዘራርቦም ሰብ ግን ከም ዘይረኸቡ ይዛረቡ።
ናይቲ ሓንቲ ዝተጨወየት ተምሃሪት ሓፍቲ ዝኾነት፤ ፍቅርአለም ቸኮለ ዝተብሃለት ድማ ኣዲስ ኣበባ ኸይዳ ብዛዕባ ሓፍታ ስለ ዝሓተተት ተኣሲራ ከም እተኣሰረት እቶም ስደራ ይዛረቡ።
ኣብዚ ሰሙን ሓለፊ ውድብ ብልጽግና ጨንፈር ኣምሓራ ኣቶ ኣብርሃም ኣለኸኝ፡ ምስቶም ዝተጨውዩ ተምሃሩ ተኣሳሲሩ ነንርእሱ ዘይቃዶ ሓበሬታ ከም ዝተውሃበ ተዛሪቡ ነይሩ።
ውድቡ ብልጽግና ጨንፈር ኣምሓራ ብዛዕባ እቶም ዝተጨወዩ ተመሃሩ ዝገብሮ ምጽራይ ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
"ፊት ንፊት መጺእና ስለ ዘይተዛረብና ዝረሳዕናዮ ክመስል ይኽእል 'ምበር ምስ ዝምልከቶ ኣካል እናተዛራረብና ኢና" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







