ካብ ዳፕቺ ዝተጨወያ ናይጄርያውያን ተምሃሮ ተለቒቐን

ምንጪ ስእሊ, Isaac Linus Abrak
መንግስቲ ናይጄርያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተጨወያ 110 ኣዋልድ ዳፕቺ ከምዝተመለሳ ኣፍሊጡ።
101 ኣዋልድ ምስ ስድርአን ክራኸባ ከምዝተገበረ'ውን ተሓቢሩ።
ምስ ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ ንኽራኸባ ድማ ናብ ኣቡጃ ተጓዒዘን ኣለዋ።
ፀብፃባት ከምዘመልክትዎ ሓሙሽተ ኣዋልድ ክሞታ ከለዋ፡ ሓንቲ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ትርከብ።
ካብተን ዝተለቐቓ ሓንቲ ንኣባላት ስድርኣ ከምዝገለፀቶ እተን ሓሙሽተ ህይወተን ዝሓለፈ፡ በቶም ዕጡቓት ናብ መኪና ክድይባ ኣብ ዘዳፍእወን እዋን'ዩ።
ሽዑ ምስተጨወያ ናብ ጫካ ከምዝተወሰዳን መግበን ባዓልተን የዳልዋ ከምዝነበራን ተዛሪባ።
መንግስቲ ናይጄርያ ብዛዕባ ሞት ዝተጨወያ ኣዋለድ ዝሃቦ መግለፂ የለን።
እተን ዝተለቐቓ ናብ መረበተን ኣብ ዝተመለሳሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩለን።

ምንጪ ስእሊ, Isaac Linus Abrak
ሓደ ቤተሰብ ግዳይ ጭውያ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ብመኻይን ዝመፁ ዕጡቓት'ዮም ነተን ኣዋልድ ናብ ህዝቢ ኣረኪቦምወን ከይዶም።
ናይጄርያ ቅድም ኢሉ'ውን 276 ኣዋልድ ካብ ቺቦክ ተጨውየንኣ ዝነበራ ክኾና ከለዋ፡ እተን 100 ክሳብ ሎሚ ደሃየን ኣይፍለጥን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







