ካብ ዳፕቺ ዝተጨወያ ናይጄርያውያን ተምሃሮ ተለቒቐን

ዝተጨወያ ኣዋልድ ናይጄርያ ክምለሳ ከለዋ ዝነብዐ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Isaac Linus Abrak

መግለጺ ስእሊ, እተን ኣዋልድ ናብ መረበተን እንትምለሳ እናነብዐ ዝተቐበለን ሰብኣይ

መንግስቲ ናይጄርያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተጨወያ 110 ኣዋልድ ዳፕቺ ከምዝተመለሳ ኣፍሊጡ።

101 ኣዋልድ ምስ ስድርአን ክራኸባ ከምዝተገበረ'ውን ተሓቢሩ።

ምስ ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ ንኽራኸባ ድማ ናብ ኣቡጃ ተጓዒዘን ኣለዋ።

ፀብፃባት ከምዘመልክትዎ ሓሙሽተ ኣዋልድ ክሞታ ከለዋ፡ ሓንቲ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ትርከብ።

ካብተን ዝተለቐቓ ሓንቲ ንኣባላት ስድርኣ ከምዝገለፀቶ እተን ሓሙሽተ ህይወተን ዝሓለፈ፡ በቶም ዕጡቓት ናብ መኪና ክድይባ ኣብ ዘዳፍእወን እዋን'ዩ።

ሽዑ ምስተጨወያ ናብ ጫካ ከምዝተወሰዳን መግበን ባዓልተን የዳልዋ ከምዝነበራን ተዛሪባ።

መንግስቲ ናይጄርያ ብዛዕባ ሞት ዝተጨወያ ኣዋለድ ዝሃቦ መግለፂ የለን።

እተን ዝተለቐቓ ናብ መረበተን ኣብ ዝተመለሳሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩለን።

ኣቀባብላ ግዳይ ጭውያ

ምንጪ ስእሊ, Isaac Linus Abrak

መግለጺ ስእሊ, ተጨውየን ዝነበራ ኣዋልድ ዳፒች ናብ መረበተን ክምለሳ ድሙቕ ኣቀባብላ ፀኒሕወን

ሓደ ቤተሰብ ግዳይ ጭውያ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ብመኻይን ዝመፁ ዕጡቓት'ዮም ነተን ኣዋልድ ናብ ህዝቢ ኣረኪቦምወን ከይዶም።

ናይጄርያ ቅድም ኢሉ'ውን 276 ኣዋልድ ካብ ቺቦክ ተጨውየንኣ ዝነበራ ክኾና ከለዋ፡ እተን 100 ክሳብ ሎሚ ደሃየን ኣይፍለጥን።