ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተጨውያ ተምሃሮ ከልቅቕ ብዘይምኽኣሉ ነቒፎም

ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ባህርዳር
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ፡ ባህርዳር

ዝተጨውዩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ክፍትሑ ዝጠልቡን ነቲ ተግባር ዝኹንኑን ሰልፊታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሐራ ይካየዱ ኣለዉ፤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፈኛታት ተቓውሞ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ይመሃሩ ንዝነበሩን ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ናብ ቤተሰቦም እንትምለሱ ብዕጡቓት ዝተጨወዩን ተምሃሮ ብዝምልከት መንግስቲ ሓበሬታ ክህብን ኣብ ልዕሊ እቶም ጨወይቲ ስጉምቲ ብምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ከረጋግጽን ዝሓቱ እዮም።

ከተማታት ባህርዳር፣ ወልዲያ፣ ደብረ ማርቆስ፣ ደብረ ብርሃን፣ ዱርቤቴ፣ፍኖተ ሰላም፣ ቆቦ፣ ሸዋ ሮቢትን ዳንግላን ሰልፊ ይካየደለን ካብ ዘለዋ ከተማታት ገሊአን እየን።

እቶም ሰልፈኛታት "ዝተዓገቱ ተምሃሮ ኣበይ ኣለዉ?"፣ "መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ ንምንታይ ዘይጸብጸበኦ?"ን "መንግስቲ ተፈቲሖም ዝበሎም ተምሃሮ ኣበይ ኣለዉ?" ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ድማ የስምዑ ኣለዉ።

ሰላማዊ ሰልፊ በህርዳር

ምንጪ ስእሊ, Amhara Mass Media Agenecy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባህርዳር ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ

ብፍላይ ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ "ብስቕታ ገበን ዘለማምድ መንግስቲ ኣይንደልን"፣ "መንግስት የለን'ምበር. . ." ዝብሉን ዝኣመሰሉን ብርክት ዝበሉ ንመንግስቲን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝነቕፉ ጭርሖታት ሒዞም ዝወጹ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ዝተዓገቱ ተምሃሮ እቶም 21 ከምዝተፈትሑ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ሓቢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ስድራ እቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ግን ዛጊድ ደሃይ ደቆም ከምዘይፈልጡ እዮም ዝገልጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት እቶም ስድራ ቤታት፡ ብሰንኪ እቲ ክስተት ኣብ ከቢድ ሓዘንን ጓህን ከምዝርከቡ ገሊጾም።

ሰልፊ ባህርዳር

ምንጪ ስእሊ, Amhara Mass Media Agenecy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባህርዳር ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ