ዝተዓገቱ 17 ተምሃሮ፡ "ካብ ሞንጎ ዝተዓገቱ ሓንቲ ነይረ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኣምሊጠ"

ካርታ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ተምሃሮ ካብ ደምቢ ዶሎ ናብ ጋምቤላ ኣብ ዝወስድ መገዲ እዮም ተዓጊቶም

17 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደንቢ ዶሎ፡ ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ናብ ትውልዲ ቦትኦም እንክምለሱ ብዕጡቓት ካብ ዝጭወዩ ሰሙናት ተቖፂሮም።

በቶም ዕጡቓት ተዓጊቶም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ 17 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደንቢ ዶሎ፡ እተን 13 ደቂኣንስትዮ ከምዝኾና፡ ካብቶም ዓገትቲ ዘምለጠት ተምሃሪት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

"ካብ ሞንጎ ዝተዓገቱ ሓንቲ ነይረ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኣምሊጠ" ተምሃሪት ኣስምራ ሹሜ

ተምሃሪት ኣስምራ ሹሜ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተዓገቱ ተምሃሮ ሓንቲ ነይራ። ነቲ ዝነበረ ኩነታት ድማ፡ ብኸምዚ ተረድእ።

"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ኢንጂነሪንግ ነይረ። እቲ ዩነቨርሲቲ ስለዝተዓፀወ፡ ሕዚ፡ ኣብ ዝተወለድኩሉ ከባቢ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ዘመን እየ ዘለኹ።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተዓገቱ ተምሃሮ እየ። ፈለማ በቶም ዓገትቲ ዝተትሓዝና 18 ተምሃሮ ነይርና። ኣነ ስለዘምለጥኩ፡ ሕዚ ተዓጊቶም ዘለዉ ተምሃሮ 17 እዮም። ካብ ሞንጎ እዚኦም እቶም ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮ፡ 13 ድማ ደቂኣንስትዮ እየን። ሕዚ ተዓጊቶም ዘለዉ፡ ተመረቕትን ናይ ቀዳማይ ዓመት ተምሃሮን እዮም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ጎንፂ ስለዝነበረ፡ ተምሃሮ ነቲ ቀፅሪ ገዲፎም ወፅዮም ነይሮም። ንሕና እውን ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክንወፅእ ሓሲብና፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብቀጥታ ዝወስድ መገዲ ስለዝተዓፀወ፡ ካብ ደምቢ ዶሎ ብጋምቤላ ገይርና፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ወሲንና።

ኩላትና ካብ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኢና መፂእና።

ካብ ደምቢ ዶሎ ናብ ጋምቤላ ንምኻድ 30 ብር ዘኽፍል እንትኸውን፡ ትልምና፡ ኣብ ጋምቤላ ሓዲርና ናብ ኣዲስኣበባ ክንከይድ እዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር እቲ ዝተለምናዮ እንከይሰመረ፡ ኣብ ሞንጎ ደምቢ ዶሎን ጋምቤላን ኣብ ትርከብ 'ሱድ' ትበሃል ከባቢ ምስ በፃሕና፡ ገዘፍቲ መናእሰይ ነታ መኪና ደው ብምባል፡ ዓፊኖምና። ብዝሒ ናይቶም ዓፈንቲ ካባና ዝዛየደ ነይሩ።

እቲ ከባቢ ፅዑቕ ጫካ ብምዃኑ፡ ናብ ውሽጢ ሒዞምና ኣትዮም። ሒዞምና እንትኸዱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ካብ ምርኣይ ሓሊፎም፡ ንምግልጋል ዝፈተነ ሰብ ኣይነበረን።

እናእወና እንከለና እዮም ሒዞምና ከይዶም። ፍርቂ እቲ ጫካ ምስተጓዓዝና፡ ዝተወሰና ደቂኣንስትዮ ስለዝደኸመን ወዲቐን። ኣብዛ ፃት ነተን ዝወደቓ፡ 'ተልዓላ' እናበሉ ከልዕልወን እንትፍትኑ እየ፡ ኣነ ካብ ዓይኖም ተሰዊረ።

ኣብቲ ጫካ ንክልተ መዓልቲ ምስ ሓደርኩ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ዋና መስመር መኪና ክወፅእ ክኢለ። ሓርቢቱኒ፤ ስልከይ (ተሌፎን) ስለዝወሰድዎ፡ ክድውል ኣይከኣልኩን፤ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን ነይረ።

ከም ገለ ኢለ ናብ መስመር ፅርግያ ምስ ወፃእኹ ግና፡ ቁሩብ ኣምሓርኛ ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣቦ ረኺበ። ንሶም ምስ ረኣዩኒ፡ 'ደቀይ እውን እኮ ከምዚ እዮም ክኾኑ' ኢሎም ብምሕዛን፡ ጁቦኦም ከዲኖምኒ።

'እንተድኣ ተራእየ፡ ኣነ'ውን ክቕተል እየ' ኢሎም ሓቢኦምኒ። 'ናበይ ኢኺ ክትኸዲ ትደልይ' ኢሎምኒ። ናብ ፎዴራል ፖሊስ ደምቢ ዶሎ ኣረክቡኒ ኢለዮም። ድሕሪ እዚ መኪና ብምልማን ሰዲዶምኒ። እቲ ሓበሬታ ንፌደራል ፖሊስ ተዛሪበ እየ። እቶም ፌደራል ፖሊስ፡ 'እቲ ቦታ፡ ኣይኮነን ንተምሃራየይ ንወተሃደር እውን ኣስጋኢ እዩ፤ ክንከታተሎ ኢና' ኢሎምኒ።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተዓገቱ፡ እታ ሓንቲ መሓዛይ እንትትኸውን፡ ኣብቲ ፈለማታት ስልኪ እናሃብዋ ትድውለለይ ነይራ። ዋላ እኳ ንምዝራብ ብዙሕ ነፃነት እንተዘይሃለዋ፡ ደስ እንክብሎም ምግቢ ይህቡና፡ እንተደልዮም ድማ ይኽልክሉና' ኢላ ነጊራትኒ። እቲ ትድውለሉ ስልኪ ናህቶም እዩ፡ ሓዝዮ ኢላትኒ ነይራ። ድሕሪ እቲ መዓልቲ ግና ኣይሰርሕን፤ ንሳቶም'ውን ደዊሎም ኣይፈልጡን፤ ንሕና'ውን ረኺብናዮም ኣይንፈልጥን።

እቲ ዝነበረኒ ሓበሬታ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት፣ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ፣ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣምሓራ፣ ንፀጥታን ድሕንነትን ሂበ እየ፣ ሓቲተ'ውን እየ። 'ክንከታሎ ኢና' ኢሎምኒ።

ድሕሪ እዚ፡ ካብቲ ቦታ ከም ዝመፃእኩ ዝፈለጡ ወለዲ እቶም ተምሃሮ፡ ናብ ዘለኹዎ ከባቢ መፅዮም ይበኽዩ፤ ኣነ ግና መንግስቲ ክሕዞም እዩ፤ ክመፅኡ እዮም ኢለ ካብ ምፅንዕናዕ ወፃኢ እንታይ ከምዝገብር ጨኒቑኒ እዩ ዘሎ።

Presentational grey line

ስድራ ግዳያት እንታይ ይብሉ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ንድሕንነት እቶም ተምሃሮ ክንብል ስሞም ዘይገለፅናዮም ስድራ ግዳያት፡ እቶም ተምሃሮ ካብ ዝዕገቱ ሓደ ወርሒ ከምዝሓለፎም ይዛረቡ።

"ምስ ተዓገቱ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ መዓልታት ስልኪ ይድውሉ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ድምፆም ካብ ንሰምዕ ሰለስተ ሰሙን ሓሊፉ" ይብሉ።

ሓፍቱ ከምዝተጨወየት ዝነገረና ሓደ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ጎንፂ ምስ ኣጋጣመ፡ ካልኦት ተምሃሮ ካብቲ ቀፅሪ እንክወፅኡ፡ ንሱ እውን ንሓፍቱ ሓዊሱ ንካልኦት ተምሃሮ'ውን ካብቲ ቀፅሪ ንክወፅኡ'ኳ እንተነገሮም፡ እቶም ተምሃሮ ግና ሕዚ ሕዚ ክሃድእ እዩ ኢሎም፡ ከምዝፀንሑ የረድእ።

ይኹን'ምበር 24 ሕዳር 2012 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ሓፍቱ ሓዊሱ ካልኦት ተምሃሮ እውን ከምዝተጨወዩ፡ ተደዊሉ ከምዝተነገሮ ይዛረብ።

እቶም ተምሃሮ ምስተዓገቱ ኣብ ዝነበሩ ፈላሞት ክልተ ሰሙናት፡ ብናይ ተምሃሮ ስልኪ (ተሌፎን)፡ ደሓር ድማ፡ ብናይ ዓገትቲ ስልኪ ይድውልሎም ነይሮም። ዘለዉሉ ቦታ እንክሓትዎም ግና፡ ከምዘይፈልጥዎ እዮም ዝዛረብዎም ነይሮም።

"ሓደ መዓልቲ ስልኪ ተዋሂብዋ፡ መልእኽቲ ፅሑፍ ልኢኻትለይ፤ 'ኣሻና ኣፋን ገደራ' ኣብ ዝበሃል ቦታ ኢና ዘለና፤ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ደውሉ እሞ፡ ኣብዚ ከባቢ ይድለዩና" ዝብል ፅሒፋትይ" ይብል።

ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ስልኪ ዝርርብና፡ "ሕዚ'ውን ኣብቲ ቦታ ድኺ ዘለኺ?" ኢሉ ምስ ሓተታ፡ "ቅድም እንተዝብል ፅቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ቦታ ቀይርና ኢና፤ ለይቲ ድማ ናይ ክልተ ሰለስተ ሰዓት መንገዲ ብጫካ ንጓዓዝ፤ ኣይትረኽቡናን፤ ሕዚ ክትንቀሳቐሱ ኢኹም ተባሂልና ኣለና፤ ክሳብ ሕዚ ደሓን ኢና ዘለና" ኢላ ነቲ ስልኪ ምስዓፀወቶ፡ ንሓፍቱ ክረኽባ ከምዘይክኣለ ይዛረብ።

ካብ መንጎ ወለዲ ናይ'ቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ዝኾኑ፡ ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ ደቆም ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናብ ደምቢ ዶሎ ተጓዒዞም ከም ዝነበሩ፡ እዚ ሓፍቱ ዝተጨወየቶ ሰብ ተዛሪቡ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ናብቲ ስፍራ ዝኸዱ ሰባት፡ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ኮነ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ምላሽ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ካልእ ሓዋ ዝተጨወያ ድማ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሓደ ተወላዲ ኣምሓራ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሓዋ፡ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፡ ናብ ሓፍቱ ደዊሉ ገንዘብ ክትልእኸሉ ሓቲትዋ።

"ዝደወለሉ መዓልቲ ቀዳም ስለ ዝነበረ፡ ክሳብ ሰኑይ ክዕገስ ነጊረዮ" ትብል።

"ሰኑይ ብር ክልእኸሉ ኢለ እንተደወልኩሉ፡ ቴለፎኑ ኣብዩኒ። ደሓር ደዊሉ ከም ዝተትሓዙ ነጊሩኒ። ድሕሪ ምትሓዞም ንኽልተ ሰሙን ዝኸውን ቴለፎን ይድውል ነይሩ፤ ካብኡ ንደሓር ግና ድምጾም ኣይተሰምዐን"

ክሳብ ሕዚ ንኽእሎ ኩሉ ንገብር ኣለና ዝበለት ሓፍቲ እቲ ተማሃራይ፤ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝርራብ እትረኽቦም ደቆም ዝተጨወዮም ወለዲ፡ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ጭንቅን ከም ዝርከባ ትገልጽ።

"መዓንጠአን ብገመድ ኣሲረን ኣብ ባይታ ኮይነን ይጽልያ ኣለዋ፤ ሞይቶም እንተኾይኖም ሬስኦም ይምጽኣልና" እናበላ ወግሐ ጸብሐ ይበኽያ ኣለዋ ኢላ። ኣብ ልዕሊ እቶም ተምሃሮ ጾታዊ ዓመፅ ከም ዝፍጸምን፡ ይሳቐዩ ከም ዘለውን ምስምዓ'ውን ተዛሪባ።

Presentational grey line

ጠለብ እቶም ጨወይቲ እንታይ እዩ?

ቢቢሲ ዘዘራረባ፡ ሓዋ ዝተጨወያ ሰብ፡ እቶም ጨወይቲ ገንዘብ ከም ዘይደልዩ፡ ካብ ሓዋ ዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ትዛረብ።

ካብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ዝሃደመት ኣስምራ፡ እቶም ጨወይቲ ደጋጊሞም "ምሳኻትኩም ባእሲ የብልናን፤ ባእስና ምስ መንግስቲ እዩ" ይብሉ ምንባሮም ትዛረብ።

"ህዝቢ ኣምሓራ፡ ደቅና ተጨውዮም ኣለው ኢሉ ሰልፊ ምስ ወጸ፡ መንግስቲ ንዓና ከዘራርበና'ዩ። ሽዑ ሕቶታትና ንመንግስቲ ክነቕርብን መልሲ ክንረክብን ኢና" ከም ዝበሉ ኣስምራ ተዛሪባ።

ምላሽ ኣካላት መንግስቲ

ኦሮሚያ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ኮሎኔል ኣበበ ገረሱ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት "ዝኾነ ሓበሬታ የብለይን። ኣነ ዝሰማዕክዎ ነገር የለን" ኢሉ።

ምክትል ሓላፊ ኮሚኒኬሸን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ደረሳ ተረፈ ብወገኑ፡ ተዓፊኖም ዝተወስዱ ተምሃሮ የለውን ኢሉ። ኪንዮ እዚ ግና መብርሂ ኣይሃበን። ኣምሓራምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ኣቶ ኣገኘው ተሻገር፡ "ሕዚ ክዛረብ ኣብ ዘይክእለሉ ቦታ እየ ዘለኹ" ብምባል ነቲ ቴለፎን ብምዕጻው፡ ደጊምና ክንረኽቦ ኣይከኣልናን።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣርባዕተ ተምሃሮ ተጨውዮም ከምዘለው ሓበሬታ ኣለኒ" ኢሉ ነይሩ።

ተጨውዮም ዘለው ተምሃሮ፡ ሳሕቲ ምስ ወለዶም ብቴለፎን ከም ዝራኸቡ'ውን ተዛሪቡ።

እቶም ተማሃሮ ነጻ ተለቒቖም ምስ ወለዶም ክራኸቡ፣ ምስ ኣባ ገዳታት፣ ማሕበረሰብ እቲ ከባብን፡ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላትን ይዘራረቡ ከም ዘለው'ውን ሓቢሮም።

ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር

ሓለፍቲ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚነስተር ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህቡና ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ክዕወት ኣይከኣለን።

Presentational grey line

እቶም ተምሃሮ ድሕሪ ምጭዋዮም፡ መንግስቲ ነቶም ተምሃሮ ነጻ ንምውጻእ፡ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን ብምባል ብዙሓት ናይ ተቓውሞ ድምጾም የስምዑ ኣለው።

ሓደ ካብኣቶም፡ ሰልፊ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቃስ (ኣብን) ኮይኑ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝተጨወዩ ተምሃሮ ነጻ ክልቀቑን እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ሓቲቱ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

'ዝተዓገቱ ተማሃሮ ይፈትሑ' ዝብል ጎስጓስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይካየድ ኣሎ፤ መንግስቲ መፍትሒ ከናድይ'ውን ይሕተት ኣሎ።

ኣባላት ካቢነ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ 50 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ብምጥቃስ፡ ብስግኣት ጸጥታ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ገዲፈን ናብ ወለደን ክኸዳ ከለዋ ዝተጨወያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣተኩሮ ዘይምርካበን ብምጥቃስ፡ ሕርቃን ዝተንጸባረቖም ርእይቶታት ይወሃቡ ኣለው።