ኢትዮጵያ፡ 179 ተጋሩ ተምሃሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF DEBREMARKOS/FB
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ዕግርግር ሓደ ተምሃራይ ምስ ተቐተለ ዝተረፉ ተምሃሮ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ምሉእ ንምሉእ ወጺኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓቚቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ብሰለስተ ኣውቶቡሳት ናብ ትግራይ ከም ዘምርሑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት (ኮሚኒኬሽን) ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ግን፡ እቶም ተምሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ክምለሱ ከም ዝተበገሱ ኢና ንፈልጥ "ንትግራይ ከም ዝተመለሱ ካባኹም'የ ዝሰምዖ ዘለኹ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በፅሑ ተጋሩ ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ መግብን መዕቖብን ኣሰናዲኦም ብፅቡቕ ከምዝተቐበልዎም ተምሃሮ ገሊፆም እዮም::
ብድሕሪኡ ዶ/ር ሳሙኤል ዝርከብዎም ሰበ ስልጣናት ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ: ተምሃሮ ናብ ዝርከብሉ ቦታ ብምኻድ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ንኽምለሱ ጎስጓስ ኣካይድም።
ኮይኑ ግና እቶም ተምሃሮ ንህይወቶም ስለዝሰግኡ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ክምለሱ ከም ዘይደልዩ ብምግላፅ ንሕቶ ሚኒስቴር ትምህርቲ ከምዝነፀጉ ርእይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ተምሃሮ ኣፍሊጦም።
ገሊኦም ተምሃሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ስድርኦም ክኸዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 179 ግን ኣብቲ ግዚያዊ መዕቖቢ'ዮም ጸኒሖም።
እቶም ተምሃሮ ኣብቲ ግዚያዊ መዕቖቢ ንምፅናሕ ኣዝዮም ከምዝተፀገሙን ናብ ትግራይ ንምኻድ ሓገዝ ህዝቢ የናድዩ ምህላዎምን እውን ንቢቢሲ ብስልኪ ሓቢሮም ነይሮም።
ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመፅኡ ሰብ ሃብቲ እውን እቶም ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ንኽምለሱን ንድሕንነቶም ሓላፍነት ከም ዝወስዱን ዋላ እኳ እንተፍለጥዎም እቶም ተምሃሮ ግን ትብተኸና ኢሎም ከም ዝኣበዩ ኣብቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
ብኻልእ ገፅ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጥርጡራት ሒዝና ኢና ንዝበልዎ መግለፂ እቶም ተምሃሮ ብፅኑዕ ተቓዊሞሞ ኣለዉ።
እቶም ተታሒዞም ዝተኣሰሩ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘጋጠመ ዕግርግር ተሳቲፍኩም ዝተበሃሉ እዮም።
ሞት ተምሃራይ ዘጋጠመ እቶም ተምሃሮ ምስ ተኣሰሩ ንፅባሒትኡ እዩ፡ ስለዚ ንመዋቲ ተምሃራይ ሰዓረ ኣብርሃ ዝቐተሉ ተምሃሮ ሕዚ እውን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዘለዉ ሓበሬታ ረኺብና ኣለና እንትብል ተምሃሪት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ሓቢራ'ላ።
እቶም ተምሃሮ ህይወቶም ንምድሓን ቀዳምነት ሂቦም ስለዝወፅኡ ምሉእ ንብረቶም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝገደፍዎ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







