"ዩኒቨርሲቲታት ክሳብ ምዕጻው ዝበጽሕ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PMOFFICE
መራሕቲ ክልል፣ ዞባ፣ ከተማን ሕብረተሰብን፡ ዩኒቨርሲቲታት ናብ ምርግጋእ ክምለሳ ዘይገብሩ እንተኾይኖም ክሳብ ምዕጻው ዝበጽሕ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብቲ ብሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዝተዳለወን ኣመራርሓ ቦርድታት ዩኒቨርሲቲ፣ ፕረዚደንትታትን ሚኒስተራትን ዝተረኸብሉ ኣኼባ ከም ዝተዛረበ ኤፍቢሲ ጸብጺቡ።
ብተወሳኺ ናይ ዩኒቨርሲቲታት ሰላም ንምሕላው፡ ስርዓት ሓለዋ ዘበናዊ ምግባርን ቁጽሪ ምዕባይን ከም ዘድሊ ገሊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ጸገም ብምፍጣር ጉድኣት ክበጽሕ ኣብ ዝገብሩ ተምሃሮ 'ውን ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ገሊጹ ክብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ጸብጺቡ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







