ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ሓደ ተምሃራይ መንነቶም ብዘይተፈልጠ ሰባት ተቐቲሉ

አርማ ዩኒቨርሲቲ ወሎ

ምንጪ ስእሊ, Wollo university

መግለጺ ስእሊ, አርማ ዩኒቨርሲቲ ወሎ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ሓደ ተምሃራይ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ማርኬትንግ ትምህርቲ ክፍሊ ተምሃራይ፡ ናብ መመገቢ ኣዳራሽ እናኸደ እንከሎ ከምዝተወቕዐ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተማሃራይ ስዒድ መመሓመድ ሓቢሩ።

"ንጉሆ፡ ከባቢ ሰዓት ክልተ ካብ ሽቓቕ ወጺኡ ናብ መመገቢ ኣዳራሽ ክኸይድ እንከሎ፡ ሰለስተ ሰባት ከቲሮም ከምዝቐጥቀጥዎ ሰሚዐ" ኢሉ።

"ጉድኣት ምሰ በጸሖ ናብ ሆስፒታል ወሲድናዮ፡ ከባቢ ሓሙሽተ ሰዓት ረፋድ ህይወቱ ሓሊፉ" ዝበለ ተምሃራይ ስዒድ፡ ሞት እቲ ተማሃራይ ምስተሰምዐ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ጎንጺ ተወሊዑ ሸውዓተ ተምሃሮ ጉድኣት በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ገሊጹ።

ነቲ ጉዳይ ንምርግጋጽ ኣካየዲ ስራሕ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ ኣቶ ሰይድ የሱፍ ሓቲትናዮ፡ ክልተ ተምሃሮ ጉድኣት በጺሕዎም ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጹ ሓቢሩልና።

"ክልተ ተምሃሮ ንሕክምና ናብ ትካልና መጺኦም። እቲ ሓደ ሕክምና እናተኽታተለ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ህይወቱ ሓሊፉ፤ እቲ ካልኣይ ግን ዝበጸሖ ጉድኣት ቀሊል ስለዝኾነ ኣብ ደሓን ኩነታት እዩ ዘሎ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ዝሞተ ተምሃራይ እንታይ ዓይነት ጉድኣት ከምዝወረዶ ገና ኣይተጻረየን ዝበለ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ "ንሕና እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ኣተሓባቢርና ቅልጡፍ ሕክምና ክረክብ ኢና ኣብ ምግባር ኢና ሰሪሕና። ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ዝሕከምሉ ክፍሊ ኢና ክሕከም ጌርና" ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወሎ ዶክትር ኣባተ ጌታሁን ብወገኑ፡ ሓደ ተምሃራይ ከምዝሞተን ክልተ ተምሃሮ ጉድኣት በጺሕዎም ናብ ሕክምና ከምዝተወሰዱን ገሊጹ።

"ሓደ ተምሃራይና ብዘሕዝን ኩነታት ጉድኣት በጺሕዎ ህይወቱ ሓሊፉ እዩ። ኣብቲ ቀጽሪ ኣብ ናይ ህንጻ ስራሓት ዝተዋፈረ ሓደ ሰብ ድማ በቲ ዕግርገር ጉድኣት በጺሕዎ እዩ። እቲ ሳልሳይ ጉድኣት ዝበጽሖ ድማ ነቲ ዕግርግር ንምዝሕሓል ናብ ማእከል ዝኣተወ ናይ ሓለዋ ሰራሕተኛ እዩ'' ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ገለ መዓልቲታት፡ ተምሃሮ ብምእካብ ናይ ዕርቅን ይቕረታን መድረኽ ተዳልዩ ብጽቡቕ ኩነታት ከምዝተወደአን፤ እዚ ክስተት ንድሕሪት ዝጎትት ከምዝኾነን ተዛሪቡ።

" ክልተ ግዘ ዕርቂ ኣካይድና ኢና። ኣቦታትን ኣደታትን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሸዓተ ሰዓት ተንበርኪኾም ተምሃሮ ኣተዓሪቖም እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም" ዝበለ ዶ/ር ኣባተ፡ ምስ ፌደራል ፖሊስ ምብራቕ ኣምሓራ ብምትሕብባር የጻርዩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ተምሃራይ ስዒድ ከምዝሓበሮ፡ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጀሚሩ፡ ካብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዝመጹ ተምሃሮ ኣብ ዝተፈላለየ መደቀሲ ከምዝሰፈሩን፡ እቲ መዋቲ ድማ ካብ ኦሮምያ ዝመጹ ተምሃሮ ካብ ዝድቅሰሉ ከባቢ ወጺኡ ናብ መመገቢ ኣዳራሽ ይኸይድ ከምዝነበረ ሓቢሩ።