ኣብ ታንዛንያ፡ መምህር ንተምሃራዩ ብምቕታሉ ብማሕነቕቲ ክቕተል ተፈሪዱ

ኣብ ታንዛንያ ሓደ መምህር ንተምሃራዩ ብዘሰቅቕ ኩነታት ምስቀጥቀጦ፡ እቲ ተምሃራይ በቲ ዝበጽሖ መጉዳእቲ ስለዝሞተ ብማሕነቕቲ ክቕተል ተፈሪድዎ።
እቲ 51 ዝዕድሚኡ መምህር፡ ነቲ ተምሃራይ ብጐዲም ነገር ብተደጋጋሚ ከም ዝቐጥቀጦን፡ ቤት-ፍርዲ ታንዛንያ ነቲ ተግባር 'ክፍኣት ዝመልኦ ተግባር' ብምባል እዩ ገሊጽዎ።
እቲ ዝሞተ ተምሃራይ ወዲ 14 ዓመት ከም ዝነበረን፡ ካብ ቦርሳ ጓል-ኣንስይቲ መምህር፡ 'ንብረት ሰሪቕካ' ተባሂሉ እዩ ተቐጥቒጡ።
ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ታንዛንያ፡ ውሱን ኣካላዊ መቕጻዕቲ ፍቑድ እዩ።
እቲ መቕጻዕቲ፡ 4ተ ቀሊል መውቃዕቲ ዘፍቅድ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ርእሰ-መምህር እዩ ክፍጸም ዘለዎ።
ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ካብ ዳሬ ሰላም ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ዓይነት ፍርዲ ሳሕቲ ዘጋጥም ኮይኑ፡ ኣብ ምሕላው ውሕስነት ቖልዑ ታንዛንያ ዓቢ ግደ ክህልዎ'ዩ ይብል።
እቲ ተምሃራይ ዝሞተ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝነበረን ብደረጃ ሃገር ዓብዪ ቑጠዓ ከም ዘለዓዓለን ይዝከር። ስድራ-ቤት እቲ ቖልዓ'ውን ክሳብ እቲ መምህር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣቱ፡ ነቲ ሬሳ ከም ዘይቐብርዎ ኣመልኪቶም ነይሮም።
ኣብ ታንዛንያ ዋላ'ኳ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተተበየነ፡ ካብ 1994 ጀሚራ ኣተግቢራቶ ኣይትፈልጥን። እቲ መምህር መሰል ናይ ይግባይ ከም ዘሎዎ'ውን ተሓቢሩ ኣሎ።
እታ 'ካብ ቦርሳይ ንብረት ተሰሪቑኒ' ዝበለት ጓል ኣንስይቲ መምህር ካብ ገበን ናጻ ኮይና ተረኺባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







