ኣብ ታንዛንያ ጥኑሳት ተማሃሮ ተኣሲረን

ምንጪ ስእሊ, AFP
እተን ትሕተ ዕድመ ነብሰጾራት ኣብ ታንዲሂምባ ደቡብ ታንዛንያ ብትእዛዝ ኮሚሽነር ዞባዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምእሳረን ዳሕራይ ብዋሕስ ተለቒቐን።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕጻናትን ጾታን (gender) ኣብ ዜና ሲትዝን ዝተባህለ መርበብ እቶም ሰበስልጣናት ኣብ ክንዲ ንትሕቲ ዕድመ ነብሰጾራት ነቶም ናብቲ ሽግር ዝእተዉወን ደቂተባዕትዮ ክኣስሩዎም ይግባእ ኢሎም። ብመሰረት እቲ ብማዕከን'ቲ ዜና ዝተጠቕሰ ሓላፊ እቲ ዞባ መሓመድ ዓዚዝ እቶም ሰበስልጣናት ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ይደልዩዎም ኣለዉ።
ሚስተር ዓዚዝ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት 55 ዝኣኽላ ትሕቲ ዕድመ ደቅንስትዮ ስለዝጠነሳ፡ እቲ ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ነቲ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ ጥንሲ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ንምግታእ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማግፉሊ ዝወለዳ ደቅንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ የብለንን ንዝብል ሓሳብ ተቓዊሙዎ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







