ኣደዳ ሞትን ስቓይን ተምሃሮ ዝኾና ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ዝርከቡ ተምሃሮ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ዝርከቡ ተምሃሮ ካልኦት ክልላት ብዝሓደሮም ስግኣት እቲ ቐጽሪ እናለቐቑ ይርከቡ።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ቀስ ብቐስ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምህዳእ ዝንጸባረቐለን፣ ተምሃሮ ግዳያት ዓሌታዊ ጥቕዓት ዝኾኑለን ማእኸላት እናኾና ብምምጽአን፡ ኣብ ክንዲ ፍልጠት ዝሽመተለን ሞትን ስቓይን ዝስመዐለን ኮይነነን ይስትውዐላ።

ብፍላይ ተጋሩ ተምሃሮ ካብ ትግራይ ወፃኢ ናብ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከይዶም ክመሃሩ ስግኣት ከም ዝሓደሮም ክሳብ ሰልፊ ብምውፃእ ገሊጾም፡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ክልሎም ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ክምድቦም ሓቲቶም ነይሮም።

እንተኾነ፡ መስርሕ ምደባ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ እቲ ሚኒስቴር ነዚ ከም ዘይፈቅድ፡ እኳ ድኣስ ተምሃሮ፡ ካብ ስምዒታውነትን ፖለቲካዊ ጽልዋን ናጻ ኾይኖም ትምህርቶም ንክከታተሉ ንምግባር ኣብ ዝሕግዙ ስራሕቲ ከም ዘድህብ ገሊጹ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ድልውነት ጸጥታን ደሕንነትን ዩኒቨርሲቲታት ኣመልኪቱ ወርሒ መስከረም 2018 ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሓላፊ ክፍሊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ምርግጋእ መጺኡ'ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

"ከም ሃገር ብቐጻሊ ክስራሕ ዝግብኦ ነገር'ኳ እንተሃለወ፡ ሕዚ ግና ምርግጋእ ይመጽእ ኣሎ። ሓሓሊፉ ዘጋጥሙ ጸገማት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። እዚ ግና፡ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ክፈትሖ ይደሊ'ዩ" ምባሉ ይዝከር።

ሚንስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ነናብ ዝተመደብሉ ክኸዱ ሓቢሩ። ብድሕሪ እዚ፡ ዝተረፈ ተሪፉ ዝኸደ ድማ ምስ ስግኣቱ ከይዱ ትምህርቲ'ኳ እንተተጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ግን ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት እታ ሃገር ሓደሽቲ ጎንጽታትን ሞት ተምሃሮን ተራእዩ።

ቅድሚ ክልተ ቕነ፡ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ዝነበረ ትግራዋይ፡ መንነቶም ክሳብ ሕዚ ብዘይተነጸረ ሰባት ተቐቲሉ። ዳግም ዝተደጎለ ስግኣት ድማ ተጎሃሂሩ።

በቲ ዝተፈፀመ ተግባርን ዘሎ ዕግርግርን ንህይወቶም ዝሰግኡ ተምሃሮ፡ ትምህርቲ ይትረፈና ናብ ስድራ ንመለስ ብምባል፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ካልኦትን ግዒዞም።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝቐነዩ ካብ ትግራይ ዝመጽኡ ተምሃሮ ናብ ትግራይ ተመሊሶም፡ ኣመራርሓ እቲ ክልል ረኺቦም ኣዘራሪቦምዎም'ዮም። ርኢይትኡ ንቢቢሲ ዝሃበ ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ፡ "ፈተና ብመርበብ ኢንተርኔት ወይ ካልእ ኣማራጺ ኣብዚ ኮይንኩም ንኽትፍተኑን ትምህርቲ እትውድእሉ ኩነታት ክመቻቾ'ዩ ኢሎምና" ኢሉ።

መንግስቲ ትግራይ ኩለ መዳይ ምርድዳእን ብምክያድ መፍትሒ ከናድይ ቃል ስለ ዝኣተወልና ድማ፡ ነናብ ስድራ ቤትና ንብገስ ኣለና ኢሎም። ይኹን'ምበር፡ በዚ ድማ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑን ጎቦ ልቦም ይኸዱ ምህላዎም ተዛሪቦም።

"ክሳብ ሕዚ ዝደኸምናሉ ባኺኑ ከይተርፍ ስግኣት ኣለና። ንክምረቑ 30፣ 20 መዓልታት ዝተረፎም ሰባት ድኻሞም ከንቱ ክተርፍ ምርኣይ ዝፈጥሮ ስነ ኣእምሮኣዊ ጽዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን" ትብል ሓንቲ ካብ ኣቶም።

ካብ ደብረማርቆስ ዩኒቨርሲቲ ናብ ትግራይ ዘምርሑ ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Firyat

መግለጺ ስእሊ, ካብ 179 ንላዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ደብረማርቆስ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ንዓዶም ኣትዮም

ካብ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ዝላበድ ዘሎ ጎንጺ

እቲ ኣብ ደብረማርቆስ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈፀመ ቅትለትን ማህሰይትን ተምሃሮ፡ ኣብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት ሓደጋ ፈጢሩ'ዩ። ኣብዚ ሰሙን፡ ነዚ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ምኽንያት ገይሩ ብዝተልዓለ ዕግርግር፡ ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ሞይቱ፡ ካልኦት ተምሃሮ እውን ጉድኣት በጺሑዎም።ነበርቲ እታ ከተማን ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲን እቲ ኩነታት ክሃድእን ተምሃሮ ናብ ፈተንኦም ክምለሱን'ኳ እንተገበሩ፡ በቲ ቅትለት ዝተደናገጹ ተምሃሮ ግን ነናብ ስድራ ክንከይድ ኢና ኢሎም ኣንቂሎም ከምዝነበሩ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ድማ፡ ትማሊ መንቀሊኡ ዘይተፈለጠ ጎንጺ ተላዒሉ ኣብ ተምሃሮ ጉድኣት በጺሑ'ዩ።

ዳይሬክተር ርክባት ህዝቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣይተ ተፈራ ኣስናቀ "ብሓፈሻ 10 ተምሃሮ ክጉድኡ እንከለዉ ዝሞተ ተምሃራይ ግን የለን። እቲ ሓደ ንላዕለዋይ ሕክምና ናብ መቐለ ተላኢኹ ኣሎ። እቶም ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ሕክምና ይረኽቡ ኣለው" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ቐጽሪ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ለቒቖም ኣላማጣ ዝኣተዉ እንትኸውን፡ ምምሕዳር ሰሜን ወሎ ግን ፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከምዝሃደአ ብምግላፅ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ጻውዒት ገይሩ'ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ጎንጺ ተላዒሉ ቀንዩ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን፡ "ብመንነትና ንጥቃዕ ኣለና" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዞም ብሄር ተኮር ጥቕዓት ይፍጸመና ኣሎ ዝብሉ ተምሃሮ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ንመዓልታት ከም ዝዘለቐ ይገልጹ።

"ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ህንጻ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ድማ ኣብ ካልእ ክንጸንሕ ገይሮምና። መግቢ ካብ እንበልዕ ሎሚ ሳልስትና'ዩ። 'ጸገምኩእመ እንታይ'ዩ' ኢሉ ዝሓተተና ኣካል'ውን የለን" ኢላ ሓንቲ ሽማ ከይትጽራሕ ዝሓተት ተምሃሪት እቲ ዩኒቨርሲቲ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ጎንጺ ጉድኣት ዝበጽሖም ተምሃሮ ድማ ካብ ህንጽኦም ከይወጽኡ ከም ዝተኸልከሉ ይገልጹ።

ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም መንጎ ዝመጽአ ተምሃሮ ሓደ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ቑጽሮም ንኡሽቶ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ጠጠው ከብሉዎ ኣይክኣሉን ይብል።

"ንሳቶም [እቶም ኣኽበርቲ ጸጥታ] ምንም ክገብሩ ኣይክኣሉን። ተምሃሮ ክንወቅዕ ኢና ኢሎም ንዝተልዓሉ ሰባት ይልምኑዎም እምበር ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ኣይወስዱን። ኣብ ቀይዲ ኣእቲዮም ናብ ሕጋዊ ኣካል ኣየቕርቡዎምን" ኢሉ።

ክልተ ቐነ ዘቑጸረ ዕግርግር

ብተመሳሳሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ክልተ ቕነ እንተቑጽር፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ንነዘ እናበርተዐ ምምጽኡ ተምሃሮ የረድኡ።

መልዐሊ እቲ ጎንጺ እዚ'ዩ ክብሃል ኣይኽእልን ዝብሉ እቶም ተምሃሮ፡ ንተወላዲ ሓደ ብሄር ፈሊኻ ምውቃዕ ከም ዝተጀመረ ይገልጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ተወቒዑ ጉድኣት ዝበጸዕሖ ተምሃራይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ተወቒዑ ጉድኣት ዝበጸዕሖ ተምሃራይ

''ዝበጽሐና ዘሎ መጥቃዕቲ ክዓግተልና ዝኽእል ኣካል ስለ ዘይተኸበ፡ ብሰኑይ እንታይ ክንገብር ኣለና ኣብ ዝብል ዘተ ጀሚርና" ክብሉ ዒላማ ኾይንና ኢና ካብ ዝበሉ ተምሃሮ እቲ ሓደ የረድእ።

ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን፡ ዝተወደቡ ተምሃሮ እምኒ ምድርባይ ከም ዝጀመሩ ድማ ይዛረብ።

ምኽትል ኮማንደር ካልኣይ ፖሊስ ጣቢያ ከተማ ደብረ ብርሃን ዘነበ ገብሩ ብወገኑ፡ "ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰባት ዝጀመረ ቅርሕንቲ ናብ ናይ ጉጅለ ባእሲ ሰጋጊሩ" ብምባል መልዐሊ እቲ ጎንጺ እዩ ዝበሎ ምኽንያት ገሊጹ።

ተወለድቲ ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ ተምሃሮ፡ ብዝሓደሮም ስግኣት መግቢ ንምምጋብ'ኳ ናብ መመገቢ ኣደራሽ ኣይኸዱን ዘለው'ውን ኢሉ።

"እምኒ ክድርብዩ ዝተትሓዙ 10 ተምሃሮ ሽሞም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስተመዝገበ፡ ማዕዳ ተለጊሱሎም ተፋንዮም። ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ተምሃራይ የለን" ዝበለ እቲ ኮማንደር፡ ካብ ደገ መጺኦም'ውን ገለ ኣካላት ኣጥቂዖምና'ዮም ዝብል ኽሲ ተምሃሮ ይነጽጎ።

"ካብ ቐጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወጻእ መጥቃዕቲ ዘብጽሐ የለን። ካብቲ ቐጽሪ ወጺኡ ዕግርግር ክፈጥር ዝደሊ ሰብ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ብኣና ወገን ግን ኣይተረጋገጸን" ኢሉ።

ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ፡ በዚ ኩነታት ትምህርቶም ክቕጽሉ ከም ዝኸብዶም ብምግላጽ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ክምለሱ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም።

ብጠንቂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ዝተወለዐ ዕግርግር: ክልተ ተጋሩ ተመሃሮ ከምዝተወቕዑን ዝሞተ ተመሃራይ ዘይምህላዉን ካሊእ ተመሃሪት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ተጋሩ ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምሉእ ንምሉእ እቲ ቐጽሪ ለቒቖም ትማሊ ምሸት ወፂኦም።

ተምሃሮ ደቂ ኦሮሞ ፍርቆም ወፂኦም እዮም። ዝተረፉ ድማ ሎምዓልቲ ኣብ ሰዓት ፋዱስ ንምውፃእ ተኣኪቦም ምህላዎም ምፍላጥ ተኻኢሉ።ሰበ ስልጣናት ክልል ኦሮምያ: ብዛዕባ እቶም ተመሃሮ ምስ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምዝታይ ከምዝርከቡ'ውን ተሓቢሩ።

ሓለፍቲ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ኣብ ኣኼባ ኢና ብምባሎም፡ ርኢይትኦም ክነካትት ኣይክኣልናን።

ብተመሳሳሊ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት መብርሂ እንተሓተትና'ኳ፡ ዛጊድ ምላሽ ኣይረኸብናን።

ምምሕዳር ሰሜን ወሎ ፀጥታዊ ኩነታት ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ከምዝሃደአ ብምግላፅ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ፀዊዑ።ሓላፍነት ከምዝወስድን ፖሊስ ፌደራል ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዘእተወን እውን ከምዝገለፀሎም ኣባል ሕብረት ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ::ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ምስ ሽማግለታት ዓዲ ኣላማጣ ኣትዮም ኣለዉ።ኣብዚ ሰዓት እዚ እቶም ተምሃሮ ኣብ ኲይሓ ይርከቡ:: ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተቐቢልዎም'ሎ።ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ዝምለሱ እንተሃልዮም ንኽምለሱ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ኣውተቡሳት ቀሪቡ'ሎ።