ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ተምሃሮአን ንምቕባል ድለዉነተን ከመይ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Education Ethiopia
ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝበጋገሰለን ቀጽርታት'የን ዝብል ታሪኽ ኣሎ።
እዘን ትካላት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ሃገርን ጎደቦን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክቐስሙ ዝመጽኡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ፡ ባህልን ቋንቋን ዓቕምን ክእለትን፣ ድልየትን ጠለብን ዘለዎም ውዑያት ዕድመ መንእሰያት የአንግዳ።
ተመሳሳሊ ብዙሕነት ዘአንግዳ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ብዝፈጥሮ ኩነታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ይጽለዋ ኣለዋ።
ኣብ 2008 ዓ.ም (2015 ብፈረንጂ) ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ጀሚሩ ቀስ ብቐስ ናብ ከባቢታት ኦሮሚያን ሶማሌን ዝለሓኸ ጸጥታዉን ፖለቲካዉን ዘይምርግጋእ፡ ነተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብቐጥታ ሃስዩወን'ዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ፡ ብምኽንያት ፖለቲካ፡ ንዓሌታዊ ጥቕዓት ተቓሊዖም፤ ትምህርቲ ኣሞናጒዮም ነናብ ዝመጽእሉ ክልል ክምለሱ ተገዲዶም።
ንድሕንነቱ ሽሙ ክጽራሕ ዘይደለየ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ መቱ መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 4ይ ዓመት ናይ ኢንጅነሪንግ ትምህርቱ ኣቋሪጹ እንትወጽእ፡ "ተጋሩ ከካብ ዝተሓባእናሉ እናተኣለሽና ጥቕዓት ይበጽሐና ነይሩ" ክብል'ዩ ነቲ ኩነታት ዝዝክሮ።
"እቲ ዝበጽሕ ዝነበረ በደል፣ ሞት ተምሃሮ፣ ምቅጻል ንብረትን ካልእን ካብ ዝኽረይ ከይተኣልየ ከመይ ኣቢለ'የ ዳግም ንክመሃር ዝኸይድ" ይብል።
እዚ'ዉን ኮይኑ ግና እዚ ዓመት ሓድሽ ዓመት'ዩ።
እዞም ታሪካት ዘአንገደ ኣረጊት ኣመት ዘይኮነ፤ ሓድሽ ተስፋ ሰላምን ቅሳነትን ዝተሰነቖ ዓመት ኾይኑ፡ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃሮ ድማ ናብ ላዕለዎት ትካላት ክኣትዉ ምድላዉ ይግበር ኣሎ።
ሽሕ'ኳ እቶም ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ተመሊሶም ትምህርቶም ክቕጽሉ ልዑል ድልየት እንተለዎም፡ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ዝፈጠሩሎም ስክፍታን ስግኣትን ግና፡ ኽዉል ክብለሎም ኣይክኣለን።
"ኣይኮነን ክንመሃር ክንነብር'ዉን ከፊኡና"
እዚ ወርሒ (መስከረም 2011 ዓ.ም) ብዝሒ ነባራት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ናይዚ ዘመን ትምህርቲ ንምጅማር ናብ ዝተመደቡለን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝኸድሉ እዋን'ዩ።
እንተኾነ ግና፡ ብመጸዋዕታ ሚኒስቴር ትምህርቲ፡ እተን ትካላት ትምህርቲ፡ ተምሃሮአን ዝቕበላሉ ግዜ ቑሩብ ንቕድሚት ክደፍአኦ ተገዲደን ኣለዋ።
ሕጂ'ዉን ንድሕንነቱ ሽሙ ዘይንጸርሖ ነባሪ ዓድዋ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መንእሰይ፡ 'ዉሕስነትና ክሕልዋልና ኣብ ዝኽእላ ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ እምበር ናብ ካልኦት ኣይንኸይድን' ብምባል ኣብ ትግራይ ሰልፊ ካብ ዘካይዱ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ'ዩ።
"ኣብዚ ሕዚ ሰዓት እተን ደሓን ዝበሃላ ከባቢታት፡ ዳግም ናይ ረብሻ ኩነታት የአንግዳ እየን ዘለዋ እምበር እቲ ሃገራዊ ኩነታት ይመሓየሽ የለን። ስለዝኾነ ካብ ክልልና ወጻኢ ክንኸይድ ኣይንኽእልን" ድማ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ስግኣት ነባራት ተምሃሮ ጥራሕ ዝስምዖም፡ ብሕታዊ ስምዒት ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ወሲዶም መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም፡ ምድቦም ፈሊጦም መዓስ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ዝጽበዩ ዘለዉ ተምሃሮ 12 ክፍሊ'ዉን'ዩ።
ኣብዚ ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ 'ኣርክቴክቸር' ከጽንዕ ምድቡ ዝፈልጠሉን ዝጽዉዐሉን መዓልቲ ዝጽበ ዘሎ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ዝተመደበሉ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ድልየት'ኳ እንተለዎ፡ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝነበረን ከባቢታት ናብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲ ግና ክኸይድ ድልዉ ኣይኮነን።
"ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ'የ ክምደብ ዝደሊ። ኣብተን ጸገም ደሕንነት ኣለወን ናብ ዝብሃላ ዩኒቨርሲቲታት (ኣብነት ኣምቦ) ክኸይድ ኣይደልን። ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ካብቶም ክኸይድ ዝመርጾም'ዩ" ይብል።
ወለዲ ግና፡ ደቆም ካብ ጥቕኦም ኣርሒቖም ንትምህርቲ ክልእኹ ቅሳነት ኣይስመዖምን ዘሎ።
"ኣብዚ ዓመት እትምረቕ ተምሃሪት ጓለይ ኣላትኒ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ በቲ እትነግረና ዝነበረት ኣብ ስግኣት ኢና ነይርና። ጓለይ፡ ኣዝያ ትጭነቕ ነይራ። ሕዚ፡ እንታይ ከምዝገብር ጸጊሙኒ'ዩ ዘሎ" ይብሉ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ሓደ ወላዲ።
እቶም ወላዲ ቐጺሎም፡ ከመይ? መዓዝ? ኣበይ? ጥቕዓት ይፍጸም ኣይፍለጥን፤ ሓይልታት ጸጥታ ከይተረፈ ካብ ቑጽጽርና ወጻኢ ኾይኑ'ዮም ዝብሉ ዘለዉ ይብሉ።
"ሕዚ እኮ፡ ሓቢሩካ ዝነበረ ጎረቤት ብዘይገመትካዮ ኩነታት ጥቕዓት ይበጽሖ ኣሎ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ድማ ነዚ ቐረባ'ዩ። ኣነ ጓለይ ኣብ ኸባቢኣ ክትመደበለይ'የ ዝደሊ። ካብዚ ወጻኢ ኣሚነ ክሰዳ ይጽግመኒ'ዩ"።
ነባሪ ከተማ ዓድዋ ኣቶ በሪሁ ዉነህ መዓሾ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳ ተምሃራይ ካልኣይ ዓመት ዉላድ ኣለዎም።
"ኣይኮነን'ዶ ዉላደይ፡ ንባዕለይ'ዉን እቲ ኩነታት ኣሰኪፉኒ'የ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዓድዋ መጺአ" ዝብሉ ኣቶ በሪሁ፡ ወዶም ዝጀመሮ ናይ ካልኣይ ዓመት ትምህርቲ ኢንጅነሪንግ ካብቲ ዝነብረሉ ክልል ወጻኢ ኸይዱ ክመሃር መሪቖም ዝሰድሉ ትብዓት ከምዘይብሎም ይዛረቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዘይምህላዉ፣ ሕጊ ኣብ ዘይተኸበረሉ፣ ተሓታትነት ኣብ ዘይብሉን ናይ ጸጥታ ኣካላት'ዉን ንህይወቶም ዉሕስና ኣብ ዘይህብሉ'ዩ ይብሉ።
"በዚ ኩነታት ደቅና ናትና ተስፋ ክመልኡ ክመሃሩ ኸይዶም፡ ሞይቶም ናታቶም ሬሳ ክንቅበል ኣይንደልን። ስለዝኾነ፡ ሃላዋቶም ናብ ሞት ክንሰዶ የብልናን፤ ኣነ'ዉን ከም ወላዲ ፍቓደኛ ኣይኸዉንን" ኢሎም ኣቶ በሪሁ።
ምኽባር ጸጥታን ምርግጋጽን ደሕንነትን ዜጋታት፡ ብፍላይ ክኣ ትኹረት ዝግበሩ ዝነበሩ ጥቕዓታት እናኾኑ ዝመጽኡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲታት፡ ሎሚ ጽባሕ ዘብል ጉዳይ ክኸዉን ኣይግብኦን ብምባል እቶም ተምሃሮ ኾኑ ወለዲ የስምርሉ።
"ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እኮ ተራእዩ'ዩ። ብዙሓት ተምሃሮ ሞይቶም እዮም። ግና መን ኢኻ እዚ ዝገበርካ? ተባሂሉ ዝሕተት ኣካል የለን። እቲ ጸገም ጸጥታ ድማ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናበኣሰ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዉላድኻ ናብ ካልእ ከባቢ ክትሰድድ ከቢድ'ዩ" ኢሎም ኣቶ በሪሁ።
"ተማሃራይ ኣብ ክልልና መጺኡ ይመሃር ኣሎ። ንሕና ግና ኣይኮነን ክንመሃር ክንነብር'ዉን ከፊኡና ኣሎ" ዝብል ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኮነ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ኣብዚ ሰዓት ካብ ትግራይ ኣይንወጽእን ኢሉ።
ሚኒስተር ትምህርቲ፡ "ሓንቲ ሃገር'ያ ዘላትና"
መምሃራን፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ንዝቕጽሉ 15 ዓመታት ግብራዊ ክኸዉን ኣብ ዙርያ ዝተዳለወ ፍኖተ ካርታ ትምህርትን ስልጠናን ይዝትዩ ብምህላዮም፡ ተምሃሮ ዝጽዉዕሉ ግዘ ክናዋሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለጽ።
ብዛዕባ እዚ ኩነታት ዝተሓቱ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሓላፊ ክፍሊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ናይ ዓሚ ኩነታት
እዚ ንተምሃሮ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ሕብረተሰብ'ዉን ዘስግእ ብምንባሩ፡ ወለዲ'ዉን ደቆም ካብ ክልሎም ወጻኢ ናብ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ንምልኣኽ ይጽገሙ'ኳ እንተነበሩ፤ ኣብዚ ዓመት ግና ዝተቐየረ ነገር ክህሉ'ዩ ኢልና ንሓስብ ይብሉ። ከመይ?
"ከም ሃገር ብቐጻሊ ክስራሕ ዝግብኦ ነገር'ኳ እንተሃለወ፡ ሕጂ ግና ምርግጋእ ይመጽእ ኣሎ። ሓሓሊፉ ዘጋጥሙ ጸገማት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። እዚ ግና፡ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ክፈትሖ ይደሊ'ዩ" ይብሉ።
በዚ ምኽንያት ተምሃሮ ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ዕድል ይፍጠር ስለዘሎ፡ ናብ ዝተመደብሉ ዩኒቨርሲቲ ኽኸዱ ይኽእሉ'ዮም ዝብሉ እቶም ሓላፊ፡ ናብ ዘስግእ ኩነታት ዘእቱ ነገር ኣይክህሉን ዝብል እምነት ኣለዎም።
"መንግስትን ሓይሊ ጸጥታን ደሕንነት ተምሃሮ ኮነ ህዝቢ ንምሕላዉ ዘኽእሎ ቑመና ስለዘለዎ ተምሃሮ ኮኑ ወለዲ ክሰግኡ የብሎምን። ተምሃሮ ናብ ዝተመደቡዎ ኢና ክንልእኾም፡ ብከምኡ'ዉን ኢና ክነምህሮም" ይብሉ ዶክተር ሳሙኤል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተወለድናሉ ክልል ክንምደብ ኣለና ዝብል ሕቶኸ?
"ብሓጺሩ ተቐባልነት የብሉን" ብምባል ዝምልሱ ዶክተር ሳሙኤል፡ "ሓንቲ ሃገር እያ ዘላትና። ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ድማ ብፌደራል ዝመሓደሩ'ዮም። ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይዱ ክመሃር ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ። እዚ ዘረጋግጽ ሕገ መንግስትን ህዝብን ድማ ኣሎ" ክብሉ ይገልጹ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ዉሕስና ሰላምን ደሕንነትን ናተይ ኣብ እትብሎ ከባቢ ብምዃንካ ጥራሕ ዝረጋገጽ ኣይኮነን'ዉን ዝብሉ ዶክተር ሳሙኤል፡ መንግስቲ ንዝነበሩ ጸገማት ክፈትሕ ጻዕሪ ይገብር ምህላዉ ይሕብሩ።
"ከም ሃገር ሰላምን ምርግጋእን እንተዘይሃልዩ፡ ኣብ ክልልካ ስለዝተመደብኻ ጥራሕ ሰላም ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ንሃገርና ሰላም ክንገብራ እንተዘይኽኢልና፡ ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ፣ ክንብተን፣ ክንጠፋፋእ ኢና ማለት'ዩ። ሕዚ ግና፡ ህዝብን መንግስትን እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ንምዕራይ ይሰርሕ'ዩ ዘሎ። ስለዚ ተምሃሮና ኣብ ኩሉ'ዮም ክምደቡ" ብምባል የስምርሉ።
ዩኒቨርሲቲታትከ ምድላወን እንታይ ይመስል?
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም መብዛሕትአን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ነባራት ተምሃሮአን ክጽዉዓ መደብ ኣለወን።
ዳይሬክተር ህዝብን ዓለምለኻዊ ርክባትን ዩኒቨርሲቲ ዲላ ኣቶ ሄኖክ ንጉሰ፡ ተምሃሮና ንምቕባል ምድላዋትና ንወጋግን ኢና ዘለና ኢሎም።
"ተምሃሮና ንምቅባል ዘድልዩ ነገራት ኣማሊእና ኢና። ካብ ካልኦት ክልላት ዝመጽኡ ተምሃሮ ጸገም ደሕንነት ክስምዖም ዝገብር ነገረ የለን፡ ናጻ ኾይኖም ክመሃሩ ዘኽእሎም ናይ ተምሃሮ ኣወዳድባን ሰላማዊ ምምሃር ምስትምሃር ክህሉ ዝገብሩ ትልሚታት ሓንጺጽና ኢና" ኢሎም።
ምኽትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ዶክተር ድንኳና ንጉሴ ብወገኖም፡ ተምሃሮ ቅድሚ ምጽዋዕና ክማልኡ ዝግብኦም ነዳሉ ኢና ዘለና በሃሊ'ዮም።
"ተማሃሮ ካብ መላእ ኢትዮጵያ መጺኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ይመሃሩ'ዮም። ስግኣት ጸጥታ ኣብ ከባቢና'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣድላዪ ሓለዋ ግና ክንገብር ኢና። ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ዝነብረሉ ከባቢ ስለዝኾነ ዝኾነ ዘስግእ ነገር የለን"።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዳይሬክተር ሬጅስትራርን ኣልሙናይን ዶክተር ኣብዱልዋሴ ሑሴን ብወገኖም፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብጸገም ጸጥታ ከምዘይሕመ ብምግላጽ፡ በብዓመቱ ዝግበር ልሙድ ቅድመ ምድላው ኣቀባብላ ተምሃሮ ግና ይማላእ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
"ኹሉ ተምሃሪ ዘብዒ ናተይ ዝብላ ሰላም'ዩ። እዚ ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ ናእ ተምሃሮ ኣወዳድባታት ድማ ኣለዉ'ዮም። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና፡ ናብዚ ዝመጽኡ ተምሃሮ ደቅና ስለዝኾኑ፡ ንዉሕስንኦም ዝኸዉን ሰላምን ኣብቲ ክልል ኾነ እታ ከተማ ኣሎ'ዩ" ኢሎም።
ተወካሊት ዳይሬክቶሬት ህዝብን ዓለምለኻዊ ርክባትን ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ወይዘሮ ይዳኝ ማንደፍሮ ድማ" እቲ ዩኒቨርሲቲ ተምሃርኡ ንምቕባል ብዝተፈላለዩ መዳያት እኹል ምድላዉ ገይሩ'ዩ ኢለን።
"ተምሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምእታው እንትጅምሩ፡ ሕግን ደንብን ስለዝንገሮምን ትምህርቲ ስለዝወሃቦምን ቅድም ኢሉ'ዉን ጸገም ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን። እቲ ዩነቨርሲቲ ሓሙሽተ ቐጽሪ እንትህለዎ፡ እኹልን ዘተኣማምንን ጸጥታ ዘለዎም ክሰግኡ የብሎምን"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







