ኣብ ስራሕ-ኣልቦነትን ሰላሕታዊ ቅብጸትን ጥሒለ ነይረ - ካብኡ ከምልጥ ካኣ ከኣልኩ!

በን፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ድሕሪ ምቍራጽ ንኣቡኡ በቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክነግሮ ዓቐብ ኰኖ። ኣይተቓንዐን'ምበር ርእሰ-ቅትለት ፈቲኑ ነይሩ'ዩ፡ ካብ ቤቱ ድማ ንሓሙሽተ ደቕቅ'ኳ ክወጽእ ኣይክእልን ነበረ። ኣብ መጠርሽታ ግን፡ ኣብዚ ከም ዝገልጾ፡ መገዲ ህይወቱ አቕኒዑ ከም ብሓድሽ ክነብር ከኣለ።
ንዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ኣብ ትሕቲ መጽዓን ዝኣቶኹ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ትምህርቲ ሕጊ ኣጽኒዐ ጠበቓ ክኸውን'ዩ ሕልመይ። ምስ ኣቶኹዎ ግን ከም ዝተጸበኹዎ ኣይኰነለይን፣ እቲ ትምህርቲ ሓያል ኰይኑ ረኺበዮ፡ ብልበይ ዝምነዮ ትምህርቲ ከም ዘይኰነ ኸኣ በጻሕኩዎ።
ቈልዓ ከሎኹ ከም ሓውሲ ብሕቱው'የ ነይረ - ስቕተኛን ኮርፋፍን። ንዩኒቨርሲቲ ምስ ነቐልኩ ግን ኵነታተይ ንቝልቁል ኣፉ ተደፍአ።
ኣብ ናይ ደርቢ-ሰራሕተኛ ድሕረ-ባይታ ስለ ዝዓበኹ ግዲ ዀይኑ ኣብቲ ማሕበረ-ኮም ተምሃሮ ተሳንየ ክኣቱ ኣይከኣልኩን፣ ካብ ስድራይ'ውን እኹል ሓገዝ ኣይረኸብኩን።
ብኣውቶቡስ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝበጻሕኩሉ ፈለማይ መዓልቲ ይዝከረኒ፣ እቶም ካልኦት ግን ብስድራኦም ተሰንዮም ኣቍሕቶም ካብ መኪናታቶም ከውርዱ ይዝከረኒ። ሞድዩል ትምህርተይ ከመይ ገይረ ከም ዝመርጽን ሰሌዳ-ጊዜይ ብኸመይ ከም ዝሰርዕን ጽልምት በለኒ - እቲ ሃዋህው ካብቲ ዝነበርኩዎ ኮልጅ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኰይኑ ረኸብኩዎ፡ ናብራይ ንከወሃህድ ተጸገምኩ። ንዓይ ዝድግፍ ቅርጺ ኣብ ከባቢየይ ኣይረኸብኩን፡ እቶም ካልኦት ተምሃሮ ግን ዓቢ ክቢ-አዕሩኽን ጽኑዕ እኹል ሓገዝ ስድራቤትን ግዲ ነይሩዎም ኣይተሸገሩን።
ኣቦይ፡ ብጐበዙ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ኣብ ውትህድርና ተኸትበ፣ ስለዚ ኵነታት ዩኒቨርሲቲ እንዶ ኣይነበሮን። ኣብ ዓሰርተ-ሽድሽተ ዓመተይ ኣቦይን ኣደይን ተፋትሑ፡ ኣነ ኸኣ ምስ ኣቦይ ክነብር ተወሰነ። ምስ ኣቦይ ስኒት ኣይነበረንን። ናይ መስተ ሽግር ነይሩዎ፣ ኣብ ገዛና ጎነጻዊ ባህርይ ነይሩዎ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ዳርጋ ሃጽ ኢለ'የ ኣትየ። እንተዀነ ኣብኡ'ውን ቅሳነት ክረክብ ኣይከኣልኩን። ተገሊለ'የ ዝነብር ዝነበርኩ። ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ቤተይ ወጺአ ክነብር፡ ኣመጋግባይ ኰነ ኣደቓቕሳይ ቕጥዒ ሰኣኑ፣ ኵሉ እዋን ኣብ ዙርያይ ከኣ መስተን ድሮጋን ብሽሾ።
ኣብ ሽድሽተ ወርሐይ ኵነታተይ ከንቈልቍል ጀመረ። ንመጀመርያ ጊዜ ምስ ሓንቲ ብጸይቲ ተመሓዘኹ፣ ዘይተዳለኹሉ ግዲ ነይሩ ኣይሰለጠንን። ምስኣ ኣብ ቀጻሊ ንትርኽ እኣቱ ነይረ፣ ኢልና-ኢልና ድማ ተፈላለና። ምስቲ ሓድሽ ዓርካ ኸኣ ገጠምኩ! ብድሕሪኡ ኣብ መስተ-ዓለም ስለ ዝኣቶኹ ንትምህርተይ ሸለል ክብሎ ጀመርኩ፡ ካብ ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ጠፋእኩ።
ናይ መስተ ሽግር ከም ዘሎኒ እቲ ዩኒቨርሲቲ በጽሑዎ፡ ኣማኻሪ ከኣ ፈለዩለይ። ስለ ዘይተቐበልኩዎ ኸኣ 'ከመይ ኣሎኻ?' ንዝብል ሕቶ 'ጽቡቕ ኣሎኹ" እናበልኩ አታለልኩዎም። ኣብ መኸተ ነብሰ-ምክልኻል ኣቶኹ። ስለዚ ነቲ ዝተገብረለይ ሓገዝ ነጸግክዎ።
ኣብ ሸሞንተ ወርሐይ ብተስፋ-ኣልቦነት ተጠቓዕኩ። ዕላማይ ሰሓትኩ፡ ክስዕቦ'ውን ሓንገድኩ። ንቤተይ ክምለስ ኣይደለኹን ... ኵነተይ-ቤተይ ሕማቕ ከም ዝነበረ ኣይረሳዕኩዎን። ተሸኸልኩ፡ ምግልጋል ሰኣንኩ።
ብዝወሰድክዎ ኵሉ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፈተና ወደቕኩ፣ ንገዛይ ክምለስ ምስ ተገደድኩ ንኣቦይ ብውድቀተይ ክነግሮ ኣይደለኹን። ንኽልተ ኣዋርሕ ዕግንግን ድሕሪ ምባል ንዩኒቨርሲቲ ክምለስ ፍቓደኛ ከም ዘይነበርኩ ክነግሮ'ውን ኣይከኣልኩን።
ብሓቂ ቅዛነት ዝመልኦ እዋን ነበረ። ኣቦይ መስቲኡ ቀጸለ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ክፍለይ ዳርጋ ተሓቢአ እነብር ነበርኩ። ሽዑ'የ ርእሰ-ቅትለት ዝፈተንኩ። ኣብ ገዛ ዝነበረ ጐዳኢ መድሃኒ'ዩ ዝበልኩዎ ኣብዚሐ ወሰድኩ።
ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት፡ "እንታይ'የ ዝገብር ዘሎኹ?" ኢለ ኣብ ኣውቶቡስ ተሳፊረ ናብ ሆስፒታል ተበገስኩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ኣትየ ዝገበርኩዎ ንኸይነግሮም ፈራህኩ፣ ብሕማቕ ዝቕበሉኒ ስለ ዝመሰሉኒ። ብትኽክል ኣሓስብ ኣይነበርኩን፣ እንታይ ከም ዝገብር'ውን ጠፍኣኒ። ኣቦይ ንስራሕ ወፊሩ ስለ ዝነበረ፡ ንቤተይ ክምለስ ወሰንኩ።
ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምድቃስ ተበራበርኩ። ን24 ሰዓታት ሕማቕ ተሰምዓኒ። ንሓደ'ኳ በቲ ዘጓነፈኒ ኣይካፈልኩን። ከም ምስጢር ዓቐብኩዎ።

ክብል-ክብል ኵነታተይ ክልወጥ ጀመረ። ህይወተይ ብሕማቕ ክኸትም ምኸኣለ ነይሩ። ተመሊሰ ነቲ ሽዑ ዘጓነፈኒ ክዝክሮ ከሎኹ ክሳብ ክንደይ ሓገዝ ንክሓትት ከም ዝፈራህኩ ይዝከረኒ። ሓገዝ ሓቲተ ነይረ እንተ ዝኸውን ብዙሕ ነገራት ክሳዃዕለይ ምኸኣለ። ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት'ዩ ተፈጢሩ ነይሩ።
ሰብ ብርእሰ-ቅትለት ክሓስብ ምስ ዝጅምር ካብቲ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ዘንቢሉ ኣሎ ማለት'ዩ። እቲ ስምዒት ሓያል ስለ ዝነበረ ክውሕጠኒ ምኸኣለ። ንመዋጽኦ ክረክብ እጽዕር ነበርኩ፣ ከም ኣቦይ ኣብ ዉትህድርና ክኽተብ፡ ወይ ከኣ ገበን ብምፍጻን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክዕቘብ ዝሓሰብኩሉ እዋን'ውን ነይሩ።
ሓጋይ ኣብ ምውድኡ ሓንቲ ደብዳቤ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተቐበልኩ፣ መልእኽታ ድማ ፈተና ስለ ዝወደቕኩ ንኽምለስ ዕድል ከም ዘይወሃበኒ ተነግረኒ። ስለዚ ንኣቦይ ኵነታተይ ኣብሪሀ ከካፍሎ ናይ ግድን ኰነኒ። ምስ ኣቦይ ብከምዚ ዘኣመሰለ ኣርእስቲ ክዛረብ ኣሸጋሪ ነበረ። ነገርኩዎ፡ መልእኽተይ ብስቕታ ተቐበሎ ... "ስራሕ ድለ" ዚብል መልሲ ኸኣ ሃበኒ።
ነቶም ዝሰዓቡ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን፣ ኣብ ፍጹም ቅዛነት ከኣ ጠሓልኩ። በቲ ዝነበረኒ ሒደት ገንዘብ ኣብ ግዳም ገፈጥመፈጥ መግቢ ክበልዕ ጀመርኩ። ለይተ-ለይቲ ኸኣ ኣብ መደቀስየይ ተዓጽየ ኣብ ኢንተርነት ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ ክጻወት እሓድር ነበርኩ።
ቀስ-ብቐስ ናብ ግሉል፡ ጸረ-ማሕበረሰብ ተለወጥኩ፣ ክቱር ሕርቃን ኣባይ ዓሰለ። ስራሕ ናይ ዓዋናት'ዩ፡ መጥፍእ ጊዜ'ዩ ዚብል እምነት ሓደረኒ፣ ገንዘብ ንምድላብ ላዕልን-ታሕትን ዝብሉ ሰባት ከም ዓያሱ ክርእዮም ጀመርኩ። ኣባይ ዝዓሰለ ቅዛነት ብጽልኢ-ኣብ-ልዕሊ-ኵሉ ተጋህደ። ተደናጋጽነት ካባይ ረሓቐ።
ውዒሉ-ሓዲሩ ናይ ስራሕ ልምምድ ዝገብረሉ ቦታ ረኸብኩ። ንሓደ ዓመት ሰጥ ኢለ ሰራሕኩ፣ ዝኣከብኩዎ ገንዘብ ካብ ገዛይ ንመህደሚ ምእንቲ ክጠቕመኒ።
ሓደ ካልእ ብጻየይ፡ ኵነታቱ ልክዕ ከም ናተይ፡ ነበረኒ። ናብራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ስለ ዘሰልከየና ኣብ ፈቐድኡ ክንገይሽ መደብና። እቲ ዝነበረና ገንዘብ ኣኪብና ንቡዳፐስት (ሃንጋሪ) ቲከት-ነፋሪት ገዛእና። ቅያር ክዳውንትን መደቀስ-ከረጺት ሒዝና ተበገስና። ንኣቦይ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክምለስ'የ ኢለ ተፋነኽዎ።
ንሓደ ዓመት ዝኸውን እዋን ኣይተመለስናን።
ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ኣቦይ ክሻቐል ከም ዝጀመረ ኣይጠፍኣንን። ፖሊስ ኣብ ዘሎኹዎ ፈሊጦም ብስልኪ ረኸቡኒ፣ ገለ ዀይነ ወይ ከኣ ተጨውየ ከይከውን ምዃኑ ተነግረኒ። ድሓን ምዃነይ ምስ ነገርኩዎም ምስ ኣቦይ ክዛረብ ፍቓደኛ ከም ዘይኰንኩ ሓበርኩዎም። "ከም ድላይካ" ኢሎም ስልኪ ዓጸዉዋ።
ንቡዳፐስት ክኸይድ ብሃውሪ'የ መሪጸዮ - ኣርሒቐ ክኸይድ ስለ ዝደለኹ - ይዅን'ምበር ወርሒ መስከረም ስለ ዝነበረ ኵነታት-ኣየር ኣዝዩ ቍሪ ነበረ። ኣብ ባቡር ተሳፊርና ን ግሪኽ ሰገርና። ካብኡ ንቱርኪ ቀጸልና፣ ብድሕሪኡ ናብ ሃገራት ባልካን፡ እስጳኛ፡ ሞሮኮ - ኣብ ግዳም እናደቀስና ኣሕሊፍናዮ።
ኻብ ሓደ ንኻልእ ቦታ ድንብርጽ ከይበለና ተማሉኡና እናበልና ብምጕዓዝ፡ ሓድ-ሓደ እዋን ብምርፋዕ፡ ምስ ዝኸፍኣና ድማ ንእለተ-መግብና እናለመንና ኣሕለፍናዮ።
ንሓደ-ክልተ ወርሒ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤተይ እነብረሉ ዝነበርኩ እዋን ዕርበተ-ሕልና የጥቅዓኒ ነይሩ። ቀስ ኢሉ ግን እቲ መገሻ ፍወሳዊ ውጽኢት ከርእየኒ ጀመረ ... ምናዳ ንጭንቀተይ።

ምናልባሽ እቲ ኣብ ጸሓይ ንነዊሕ እዋን ዝጸናሕክሉ እዋን ክኸውን ይኽእል'ዩ ... ወይከኣ እቲ ኣካላተይ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ብምርካቡ ክኸውን ይኽእል ... ከም ዝመስለኒ ኣብ ዝዓበየ ዓለም ብምእታወይ'ውን ከይኰነ ኣይተርፍን - ናጻ ዀይነ እቲ ዝነበረኒ ፍርሂ እናተቐንጠጠ ስለ ዝኸደ።
እቲ ቀደም እንተዀነ ግዳም ምውጻእ እፈርሕ ነይረ፡ ምድሪ ክጽልምት ልበይ ምስኡ ይዓርብ ነይሩ፡ ምሸት ድማ ንከተማ ምውጻእ ኣይግድን። ጸኒሑ ግን ኵነታተይ ተልወጠ፣ ህይወት ዝዀነ እንተዀነ እንተደርበየለይ ክቕበሎ ጀመርኩ። እቲ ብውሽጠይ ኣዝዩ ዘፍርሓኒ ዝነበረ ጕዳይ ኣቦይ ካብ ገዛ ኣውጺኡ ኣብ ጽርግያ ከይድርብየኒ ነበረ። ኣብ መጠረሽትኡ ግን ናብራ-ግዳም ይሕሸኒ ኢለ ኵሉ ንድሕሪት ራሕሪሐዮ ከድኩ።
ገለ ካብ'ቶም ኣብ መገድና ዘጓነፉና ሰባት ብስእነት ተስፋ ብድኽነት ይነብሩ ከም ዝነበሩ ኣስተብሃልና። ግን ብዙሓት ሕያዎት ሰባት የጓንፉና ስለ ዝነበሩ ዝሓልዩልናን ዘዐንግሉናን ኣይተሳእኑን። እዚ ዅሉ ግን በቲ ኣብ ቤተይ ጠንጢነዮ ዝኸድኩ ነገራት ከሕስበኒ ጀመረ።
ክብል-ክብል ንዓዲ እንግሊዝ ንቤተይ ተመለስኩ። ብኡ-ንብኡ ኣብ ስራሕ ምድላይን መንበሪ ቦታ ምድላይን ተዋፈርኩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኵነታተይ ክመሓየሽ ጀመረ። እቲ ዘሸግረኒ ዝነበረ ቅብጸተ-ተስፋ በነነ። ሕጂ ወዲ 27 ኰይነ። በዓል ስራሕ ኰይነ፡ ሓዳር ገይረ፡ ቈልዕ'ውን ኣሎኒ።
ብዛዕባ ጭንቀትን ቅዛነትን ብዙሕ ተማሂረ። ንህይወተይ ከመዓራሪ ዝሓገዘኒ ኸኣ ኵነታተይ ብምርዳእን እቲ ዘድሊ ብምግባርን'ዩ። እቲ ዝገበርክዎ ጌጋ ሽዓ ኢለ ካብ ክኢላታት ሓገዝ ብዘይምድላየይ'ዩ።
እቲ ጸገመይ ኣብ ዉሽጢ ገዛይ ስለ እተጀመረ ብግህዶ ክዛረበሉ ፍቓደኛ ብዘይምንባረይ'ዩ። ኣብ ሓደ ኣዝዩ ብጸቢብ ዝተሓጽረ ስድራቤት'የ ዝነብር ነይረ - ምስጢር ገዛና ኣብ ገዛና'ዩ ዝተርፍ ነይሩ - ስለዚ ብዛዕባ ጸገማትና ክዛረበሉ ፍቓደኛ ኣይነበርኩ። ካብ ናይ ደገ ዓለም ተገሊለ እንብር ነይረ።
ርግጸኛ'የ ከምዚ ናተይ ሽግር ዝነበሮም (ወይ ዘሎዎም) ብዙሓት ምዃኖም - ኣብ ጠረፍ ጸድፊ ዘሎዉ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስንባት መወዳእታ ዓለም ገይረ ወሰድክዎ፣ ህይወተይ ንከማሓይሽ ግን ደጊመ ካብ ምፍታን ኣይበኾርኩን።
ኣብ ዓለም እቲ ዝሓሸ ነገር ንኵነታትካ ኣብ ክወናዊ ሚዛን ምእታው'ዩ፣ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ድማ ብግቡእ ድለዮ። እቲ ኣብ መንእሰያት ንኽዕወቱ ዝንበሮም ተጽዕኖ (ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ) ሓያል'ዩ። ካብ ዲግሪ ንምርካብ ንዘይኰነልካ ህርድግ ካብ ምባል ንመጀመርያ ንነብስኻ ምኽንኻን።
በን ዚብል ስም መንነቱ ንክኽወል ናይ ፈጠራ ስም'ዩ ተዋሂቡዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







