ምሁራት ኣብ ሞንጎ ትግራይን ኣምሓራን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምዝሕሓል ክሰርሑ ይግበእ ተባሂሉ

ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ሰላም

ምንጪ ስእሊ, FANA

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተኻየደ ፎረም ሰላም ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንዝተፈጠረ ዘይምቅዳው ናብ ሰላማዊ ምርድዳእ ንምምላስ ዝዓለመ ነይሩ።

ነቲ ሓሳብ ዘበገሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመራማሪ ኣፈታትሓ ጎንፅታት ዶክተር ገብረየሱስ ተኽሉ እዮም።

ሕዚ ኣብ ሞንጎ ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ዘይምርድዳእ ንኹሉ እናበርሃሉ ይመፅእ ከም ዘሎ ዝዛረቡ ዶክተር ገብረየሱስ፡ "እዚ ኩነታት ብፍላይ ነቲ ንብዙሕ ዘበን ብባህሊ፣ ቋንቋ፣ ሓቢርካ ብምንባርን ትውፊትን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዝጎድኦ'ዩ" ይብሉ።

እዚ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበፅሐ ግን ቀልጢፍካ ሞንጎኛ ኮይንካ ብምእታው ክእለ ዝግበኦ ከም ዝኾነ ይዛረቡ። ንዓመታት ዝተኻየደ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ኮንፈረንስ ሰላም ክዳለዉ ከም ዝኸኣለ ድማ ይገልፁ።

"ኣብዚ ጉዳይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ስፍሕ ዝበለ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ኣካይድና ነይርና። ከም ውፅኢቱ ድማ፡ ካብቲ ፖለቲካዊ መራሕቲ መንቀሊ ጎንፂ ገይሮም ዝግምትዎ ንላዕሊ፡ ዓለም-ለኻዊ፣ ዞባውን ዘቤታውን መንቀልታት ከም ዘለዉ ኣረጋጊፅና" ይብሉ።

ሙሁራን ከተዓርቑ ይኽእሉ!

ዶክተር ገብረየሱስ፡ ሰላም ንምምፃእ ብወገን ክልትኤን ክልላት ዝርከቡ ልሂቃን ርክብ ክፈጥሩ ምግባር ኣገዳስን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእን ከም ዝኾነ ይኣምኑ።

ንሶም ከም ዝብልዎ ፖለቲኛታት ተራኺቦም ብቕንዕና ክዘራረቡ፤ መንፈስ ውድድር ዘይኮነስ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ክምዕብል ምግባር ከምኡ'ውን ኮንፈረንስ ሰላም ብምድላው ክመያየጡ ምግባር ኣገደስቲ እዮም።

"ሓሳብ እቲ ፎረም ኣበጊሰ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ዘርጋሕክዎ ብወገን ክልቲኡ ህዝቢ ቅኑዕ ደገፎም ዝገለፁን ቀልጢፉ ክካየድ ዝፅውዑን ሓሳባት መፂኦም" ዝብሉ ዶክተር ገብረየሱስ፡ ንናይ ጎንፂ ሓይልታት ዝምክት፡ ካብ ፖለቲካ ነፃ ዝኾነ ናይ ሰላም ሓይሊ ንምውዳብ ከም ዝተበገሱ ተዛሪቦም።

እቲ ፎረም ንመሪሕነት ክልቲአን ክልላዊ መንግስታት ብማዕረ ዕድል ዝህብ፡ ንህዝቢ'ውን ብዘሳተፈ መገዲ ምርድዳእ ንምፍጣር ክሰርሕ እዩ።

"ቀንዲ መንቀሊ ጎንፂ ፅቡቕ ርክብ ዘይምህላዉ ኮይኑ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓቂ ክልል ኣምሓራ ክፈልጦ ዘይምኽኣሉ፤ ኣብ ኣምሓራ ዘሎ ድማ ትግራይ ብንፁር ክርድኦ ዘይምኽኣሉ ስለዝኾነ ብግልፂ ተራኸቡ ንምባል'ዩ ዕላማ እዚ ኮንፈረንስ" ኢሎም።

ሙሁራት ተወለድቲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዝተረኸበት ስማ ክግለፅ ዘይደለየት ዶክተር፡ ኣብ ሞንጎ ልሂቃን ክልቲአን ክልላት ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ ናብ ኣካላዊ ጎንፂ ከይተኣተወ ከመይ ምህዳእ ይከኣል? ኣብ ዝብል ከም ዝተዘተየሉ ትዛረብ።

"እቲ ፀገም ካብ መሪሕነት ተበጊሱ ናብ ህዝቢ ይሰፍሕ ስለዘሎ፡ መጀመርታ ነቶም ፖለቲከኛታት ከመይ ክንዓርቆም ንኽእል? መምህራንከ ውልቃዊ መርገፂ ነኪዮም ነዓኣቶም ንምትዕራቕ እንታይ ክሰርሑ ይግባእ? ኣብ ዝብል ተዘቲዩ'ሎ" ትብል።

እታ ስማ ዘይገለጸት ዶክተር፡ "እቲ ጉዳይ ከይተኻረረ ናብ ዘተ ንኽመፁ ምግባር ዝከኣል ይመስለኒ። ሙሁራን ከኣ ዕምቆት ዘለዎ መበገሲ ሒዞም ከተዓርቑ ይኽእሉ እዮም። ኣፈላላይ ከይሰፍሐ ከሎ ክእርምዎ ይኽእሉ እዮም" ክትብል ተረድእ።

ፅልዋ እቲ ፎረም

ዶክተር ገብረየሱስ፡ ኣብ ምሕደራ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ነቲ ዘይምቅድዳው የጓሃህሩ ከም ዘለዉ ኣብ ዝዝረበሉ እዋን፡ ተቐራሪቦም ክዘራረቡን ሰላም ክፈጥሩን ምግባር ክቕድም ከም ዘለዎ ይኣምኑ።

"እቶም መሪሕነት ብህዝቢ ይፅለዉ ዘለዉ ይመስለኒ። ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት፣ ዝወስድዎ ፖለቲካዊ ቅዋማት ክትርኢ ከለኻ እቲ ዝመርሕዎ ዘለዉ ህዝቢ ዝፀልዎም ዘሎ ይመስለኒ።" ይብሉ።

"ስለዚ ብህዝቢ ይፅለዉ እንተደኣ ሃልዮም፡ ህዝቢ፣ ሙሁራትን ካልኦት ዓበይቲ ዝበሃሉ ሰባትን ብደረጃ መሰረተ ሓሳብ እንተተለዊጦም፤ ነቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ'ውን ክልውጥዎም እዮም" ክብሉ ይዛረቡ።

ሙሁራት ድማ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ምስቶም ፖለቲከኛታት ስለዝራኸቡ፡ ካብቲ ፎረም ብዝምንጭዉ ሓሳባት ክፀልውዎም ከም ዝኽእሉ ዘለዎም እምነት የረድኡ።

"እቲ ፎረም እናዓበየ፥ ቁፅሪ ኣባላቱ እናወሰኸ፣ ተኣማንነቱን ተደማፅነቱን እናሓየለ ምስ ከደ እቶም መራሕቲ'ውን ነቲ ጎንፂ ዝደልይዎ ኣይመስለንን። እቲ ሙሁር ዝበሃል መገዲ እናሓበረሎም እንተኸይዱ ክፅለዉ እዮም" ኢሎም።