ሓካይም ሓደ ሰብ ዳግም ካብ ኤችኣይቪ ተፈዊሱ ኢሎም

ኣዳም ካስቲሌጆ "ኣምባሳደር ተስፋ" ክኸውን ይደሊ

ምንጪ ስእሊ, Andrew Testa/New York Times/Redux/eyevine

መግለጺ ስእሊ, ኣዳም ካስቲሌጆ "ኣምባሳደር ተስፋ" ክኸውን ይደሊ

ዶኳትር፡ ሓደ ኢንግሊዛዊ ሰብኣይ ካብ ኤችኣይቪ ኤድስ ከም ዝድሓነን ኣብ ዓለም ካልኣይ ካብዚ ቫይረስ ነጻ ምኻኑን ይገልጹ።

ኣዳም ካስቲሌጆ፡ ሕክምና ጸረ ኤችኣይቪ ምውሳድ ደው ካብ ዘብል ልዕሊ 30 ኣዋርሕ ገይሩ'ሎ።

ንሱ ብመድሓኒት ኤችኣይቪ ዘይኮነ መንሽሮ ንምክልኻል ብዝወስዶ ሕክምና ጉንዲ ዋህዮ እዩ ክፍወስ ክኢሉ ይብል መጽሄት ላንሴት ኤችኣይቪ።

ለገስቲ እቶም ጉንዲ ዋህዮታት፡ ኣዳም ኤችኣይቪ ክከላኸለሉ ዝኽእል ዝህቦም ልሙድ ዘይኮነ ዘርኢ ዘለዎም እዮም ተባሂሉ።

ኣብ 2011 "ሕሙም በርሊን" ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ቲሞቲ ብራውን ዝተብሃለ ሰብ፡ ተመሳሳሊ ሕክምና ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ወሰደ ካብ ኤች ኣይቪ ናጻ ዝኾነ ፈላማይ ሰብ'ዩ።

እዚ ዓይነት ሕክምና እንታይ'ዩ?

ጉንዲ ዋህዮ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ንከይራባሕ ደው ብምባል፡ ናይቲ ሕሙም ሕማም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ክትክኡ ይገበር።

"ሕሙም ለንደን" ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ወዲ 40 ዓመት ኣዳም ካስቲሌጆ፡ መንነቱ ዕላዊ ክኸውን ዝፈቐደ ኮይኑ፡ ሓካይሙ ኣብ ደሙ፣ ፈሳሲ ዘርኡን ቲሹታቱን ሓድሽ ረኽሲ እቲ ቫይረስ የለን ኢሎም።

እቶም ሓካይም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምኻኑ ካብ ዝዛረቡ ሓደ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።

"እዚ ርግጸኛ ፈውሲ ኤችኣይቪ ምኻኑ ዘመላኽት'ዩ" ኢሉ መሪሕ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ፕሮፌሰር ራቪንድራ ኩማር ጉፕታ።

"ውጽኢት መጽናዕታትና፡ ምፍላስ ጉንዲ ዋህዮ ንኤችኣይቪ ክፍውስ ከም ዝኽእል እዮም ዘርእዩ፤ ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት 'ኣብ ሕሙም በርሊን' ዝተገብረ ተመሳሳሊ ሕክምና ክሰፍሕ ምግባር እዩ" ኢሉ።

ዋህዮታት ኤችኣይቪ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

እንተኾነ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ሕሙማት ኤችኣይቪ መድሓኒት ክኸውን ኣይክእልን።

እዚ ዓይነት ሕክምና፡ ፈለማ ሕሙማን መንሽሮ እምበር ሕሙማት ኤችኣይቪ ንምሕካም ዝተምሃዘ ኣይኮነን።

እቲ ሕጂ ዘሎ ጸረ ኤችኣይቪ መድሓኒት ድማ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ዘሎ ሰባት ብግቡእ ብምውሳድ ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ዝገበረ'ዩ።

ፕሮፌሰር ጉፕታ፡ "እዚ ዓይነት ሕክምና ዓብዪ ሓደጋ ከም ዘለዎ ምግንዛብ ኣገዳሲ'ዩ። እዚ ንህይወት ዘስግእ ሕማም ዋሕዲ ደም ንዘለዎም ሕሙማት ኤችኣይቪ ኣማራጺ ኮይኑ ዘገልግል ሕክምና እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እዚ ንኹሎም ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሕሙማት ኤችኣይቪ ዝወሃብ ሕክምና ከም ዘይኾነ ምፍላጥ የድሊ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ሕክምና ጂን ብምጥቃም መድሓኒት ኤችኣይቪ ምምሃዝ ከም ዝከኣል ተስፋ ዝህብ'ዩ።

እዚ ብዘላቕነት ንኤችኣይቪ ዘሕዊ ድዩ?

መርመራ ሕክምና ኣዳም ካስቲሌጆ፡ 99 ሚኢታዊት ዋህዮታቱ ካብ ለገስቲ ብዝተረኸቡ ዋህዮታት ከም ዝተተክኡ የርኢ።

እንተኾነ ኣብ ሰብነቱ ናይቲ ቫይረስ ተረፍ ከም ዘሎ ዶክተር ብራውን ገሊጹ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ርግጸኛ ኮይንካ ኤችኣይቪ ተመሊሱ ክመጽእ ኣይክእልን ምባል ኣይከኣልን።

ኣዳም ንኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝበሎ፡ "ሕጂ ዘለኹሉ ኩነታት ዝተፈለየ'ዩ፤ ኣብ ፍሉይን ደስ ዝብልን ቁመና'የ ዘለኹ። ኣምባሳደር ተስፋ ክኸውን እየ ዝደሊ። ሰባት ነዚ ዝተሓረኹ ክመስሎም ኣይደልን ግን ኣጋጣሚ ዝኾነ ነገር'ዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ትኽክለኛ ቦታን ግዘን ስለ ዝተረኸብኩ ክኸውን እኽእል እዩ" ኢሉ።