ተስፋ ዝተገብረሉ ክታበት ኤችኣይቪ ኣይሰመረን

ዝኽተብ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕማም ኤይድስ ንዘስዕብ ኤችኣይቪ ቫይረስ ንኽከላኸል ተስፋ ዝተነበረሉ ክታበት ከምዘይተዓወተ ተሓቢሩ።

እቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ክታበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ 5,000 ሰባት ዝተፈተነ ኮይኑ፡ ንኤችኣይቪ ክከላኸል ብዘይምኽኣሉ ከምዝተቛረጸ፡ ሃገራዊ ትካል ጥዕና (NIH) ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ ጥዕና በቲ ውጽኢት እኳ እንተሓዘኑ፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝግበር ፈተነታት ክታበት መከላኸሊ ኤችኣይቪ ክቕጽል ተጸብዮም።

እዚ ክታበት ኣብ ታይላንድ ብዝተገበረ ፈተነ፡ ሰባት ካብዚ ሕማም ንምክልኻል የኽእሉ እዮም ካብ ሞንጎ ዝተብሃሉ ዓይነታት ክታበት ተስፋ ተገይርሉ ነይሩ።

ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኤችኣይቪ ዘለዉ ኮይኖም፡ እዚ ክታበት ብዙሓት ሰባት ብኤችኣይቪ ካብ ሞንጎ ዝተሓዙለን ሃገራት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ዓይነት ኤችኣይቪ ንምክልኻል እዩ ተዳሊዉ ነይሩ።

እዚ ክታበት ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዓይነታት ኤችኣይቪ እውን፡ ክታበት ንምድላው ክሕግዝ ተተስፍይሉ ነይሩ።

ወለንተኛታት ኣብ ዝኾኑ ሰባት ዝተፈተነ እዚ ክታበት፡ ካብ ሞንጎ ዝተኸተቡ እቶም 129 ሰባት እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም እንትኸውን፡ እዚ ክታበት ካብ ሞንጎ ዘይወሰዱ ድማ 123 ሰባት በዚ ሕማም ተለኺፎም እዮም።

እዚ ውፅኢት ኣብዚ ምርምር ንዝተዋፈሩ ሰብሞያ ተስፋ ዘቑረፀ ኮይኑ ኣሎ። ይኹን'ምበር ነዚ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ግና፡ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም።

ዋላ'ኳ በዚ ሕማም ንከይትተሓዝ ዝከላኸል በብመዓልቱ ዝውሰድ pre-exposure prophylaxis ዝተባሃለ መድሓኒት እንተሃለወ፡ በብመዓልቱ ካብ ምውሳድ ብዝዘለለ ግና ክታበት ክኸውን ኣይከኣለን።

መድሓኒት pre-exposure prophylaxis ኣብ ዘይብለን ሃገራት ድማ፡ ቫይረስ ኤችኣይቪ ንምክልኻል፡ ፆታዊ-ርክብ ካብ ምፍፃም ምዕቃብ ወይ ድማ ኮንዶም ምጥቃም እንኮ ኣማራፂ ከምዝኾነ ሰብሞያ ይሕብሩ።

ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ኣብ ዘዳለውዎም ኣፋውስ፡ መድሓኒት ፀረ-ኤችኣይቪ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ዝርከብ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንክነብሩን ጥዕነኦም ንክሕለውን ኣኽኢሉ እዩ።

ሰብሞያ፡ ዋላ'ኳ ኤችኣይቪ ንምክልኻልን ንምሕካምን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት እንተሃለዉ፡ ሰባት ብቫይረስ ኤችኣይቪ ንከይተሓዙ ዝገብር ክታበት ምርካብ ግና ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።