ህንዲ፡ ካብ ሓደ ተሓካሚ ልዕሊ 7 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኩሊት ብሕክምና ተኣልዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህንዳውያን ዶካትር 7.4 ኪሎግራም ዝምዘን፡ ወይ ክንዲ ክልተ ሓደሽ ዝተወለዱ ህጻናት ክብደት ዘለዎ ኩሊት ካብ ተሓካሚ ብመጥባሕቲ ኣልዮም።
ኣብ ህንዲ ብሕክምና ዝተኣለየ፡ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ኩሊት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ክብደት ኩሊት ወዲሰብ ብማእኸላይ ገምጋም ካብ 120-150 ግራም ይምዘን።
እቲ ተሓካሚ ከቢድ ዝኾነ ምንፋሕ ፍሒኛ ብዘስዕብ ብሕማም ኩሊት (ኮላሊት) [Autosomal Dominant Polycystic] ክሳቐይ ምስጸንሐ'ዩ፡ ሕክምና መጥባሕቲ ተገይርሉ።
ሓደ ኣብቲ ዝተገበረ መጥባሕቲ ዝተሳተፈ ዶክተር ከምዝሓበሮ፡ ግዳያት እዚ ዓይነት ሕማም ዝኾኑ ሰባት፡ ዓብይ ኩሊት ክህልዎም ልሙድ'ዩ።
ዶክተር ሳቺን ካቱሪያ፡ ረኽስን ውሽጣዊ መድመይትን እንተዘይኣጋጢሙ፡ ከምዚ ዝበለ ግዝፊ ዘለዎ ኩሊት ወይ ኩላሊት ብመጥባሕቲ ክእለ ከምዘይግበር ኣረዲኡ።
"እዚ ተሓካሚ ከቢድ ዝኾነ ረኽሲ ኣጋጢምዎ ነይሩ፤ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ግዝፊ ኩሊቱ ድማ ጸገም ምስትንፋስ ኣኸቲሉሉ፤ ስለዚ ክንኣልዮ ወሲንና" ኢሉ።
ነቲ ሕክምና ከካይዱ ከለዉ ቁሩብ ግዝፍ ዝበለ ኩሊት ከምዝረኽቡ'ኳ ገሚቶም እንተነበሩ፡ ክንድቲ ዝተረኸበ ክብደት ከምዝህልዎ ግን ኣይተጸበዩን።
"እቲ ካልኣይ ኩሊቱ'ውን ብጣዕሚ ዓብዪ እዩ" ኢሉ ዶክተር ሳቺን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ካልኦት ገዘፍቲ ኮላሊት
ዶክተር ሳቺ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኩሊት 4.5 ኪሎግራም ከምዝምዘንን፡ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ሰፊሩ ከምዝርከብን ይዛረብ።
ልዕሊ'ቲ ሕዚ ኣብ ህንዲ ዝተረኸበ ክብደት ዘለዎም ከምዝተመዝገቡ'ውን ገለ መረዳእታታት ይሕብሩ።
ኣብ ኣሜሪካ 9ኪሎግራም፤ ኣብ ኔዘርላንድስ ድማ 8.7 ኪሎግራም ዝምዘኑ ከምዝተረኸቡ፡ እቲ ዶክተር ገሊጹ።
ነቲ ኣብ ህንዲ ብመጥባሕቲ ዝተኣለየ ኩሊት ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ከመዝግብዎ ከምዘይወሰኑ ዝሓበረ ዶክተር ሳቺ፡ ኣብ ግምት ከምዘእትውዎ ተዛሪቡ።
እዚ ከቢድ ዝኾነ ምንፋሕ ፍሒኛ ዘኸትል ሕማም ኩሊት (ኮላሊት) [Autosomal Dominant Polycystic] ዕድሚኦም ካብ 30-60 ኣብ ዝርከብ ሰባት፡ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







