'ብዘይፍቓደይ ማህጸነይ ከምዝተኣልየ ድሕሪ 11 ዓመታት ፈሊጠ'

ቦንገካይል ምሲቢ ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, Bongekile Msibi

መግለጺ ስእሊ, ቦንገካይል ምሲቢ

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ቦንገካይል ምሲቢ፡ ጓል 17 ዓመት እናሃለወት እያ ዝተቦከረት።

ድሕሪ 11 ዓመታት ካልእ ቆልዓ ክትወልድ ምስ ደለየት ኣብቲ ጓላ ዝወለደትሉ ሆስፒታል ብዘይ ፍቓዳ ማህጸና ከምዝተኣልየ ፈሊጣ።

ንሳ፡ ካብተን ብዘይ ፍቓደን ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል ክመኽና ዝተገበራ 48 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ከምዝኾነት፡ ንማዓርነት ደቂ-ኣንስትዮ ዝጣበቕ ትካል ይገልጽ።

ዋላ'ኳ እቲ ትካል ነዞም ጉዳያት ከጻሪ ሓላፍነት ዘለዎ እንተኾነ፡ ብምኽንያት ምስዋር ሰነድ ተሓከምትን፡ ነቶም ዘጻርዩ ኣካላት ኣብ ሆስፒታላት ዝበጽሖም ምንግልታዕን፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ዝግበኦ ከበጸሖ ከምዘይከኣለ ይገልጽ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ኣብቲ ጉዳይ ዕላዊ ዝኾነ መልሲ ኣይሃበን።

"ተግባር ጭካነ"

"ምስ ወለድኩ፡ ካብ መደንዘዚ ነቒሐ ኣብ ከባቢ ከብደይ ዝተኣሰረ ፋሻ ርእየ፤ "እንታይ ዳኣ እዩ ኣብ ከብደይ ዘሎ?" ኢለ ሓቲተ ትብል።

እንተኾነ፡ ረጓድ ቆልዓ ስለዝወለደትን መጥባሕቲ እውን ተገይሩላ ሰለዝነበረን ግን ነቲ ኩነታት ኣየቕለበትሉን።

ዕብቕቲ ጓላን ኣብ ካቢቢ ከብዳ ድማ ዓብዪ ምልክት በሰላ ሒዛ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲታት ካብቲ ሆስፒታል ዝወጸት ምሲቢ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ እንታይ ከምገበሩዋ ንዝቕጽሉ 11 ዓመታት ኣይትፈልጥን ነይራ።

"ካልኣይ ክጠንስ ምስደለኹ እዮም ነገራት ክግለጹ ጀሚሮም" ትብል።

ድሕሪ ምውላዳ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ መካለኸሊ ጥንሲ መድሃኒታት ትጥቀም ስለዝነበረት፡ ወርሓዊ ጽግያታ ምጥፍኡ ኣየተሓሳሰባን።

ድሕሪ 11 ዓመታት ተሓጽያ፤ ክትወልድ ስለዝደለየት ድማ ናብ ዶክተር ከይዳ።

ቦንገካይል ምሲቢ

ምንጪ ስእሊ, Bongekile Msibi

መግለጺ ስእሊ, ቦንገካይል ምሲቢ ማሕጸና ከይፈለጠት እንተወግድዎ ጓል 17 ዓመት ነይራ

"ምርመራ ምስገበረለይ፡ ኮፍ በሊ ኢሉ ብርጭቆ ማይ ክሰቲ ሂቡኒ፤ ድሕሪኡ ማህጸነይ ከምዘየለ ነጊሩኒ" ትብል።

"ኣዝየ ሰንቢደን ተደናጊረን። ቅድሚኡ ስለዝወለድኩ እቲ ዝተዛረበኒ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን'' እትብል ምሲቢ፡ ኣብቲ ጓላ ዝወለደትሉ ሆስፒታል ማህጸና ከምኣልይዎ ተረዲኣ።

"ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ተግባር ዓብዪ ጭካነ እዩ።"

በቲ ተግባር ዝጓሃየት ምሲቢ፡ ናብ መራኸቢ ሓፋሽን ሚኒስትሪ ጥዕናን ጠሪዓ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ዝወለደትሉ ሆስፒታል ከያዳ ነቲ ዘሕረሳ ዶክተር ረኺባቶ።

"ይቕረታ ኣይሓተተንን፤ ንናተይ ህይወት ከትርፍ ከምዘምከነኒ ነጊሩኒ። ካብ ምንታይ ከድሕነኒ ከምኡ ከምዝገበረ ግን ኣይፈልጥን፤ ኣብቲ ሆስፒታል'ውን ዝኾነ መረዳእታ የለን" ትብል።

እቲ ተግባር ኣብኣ ጥራሕ ኣይኮነን ተፈጺሙ። ተመሳሳሊ ጭካነ ዝተፈጸመን ካልኦት 47 ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣለዋ። ንገሊአን ኤችኣይቪ ዝለዝተረኸበን ማህጸነን ክእለ ከምዝተገበረ ገሊጾምለን።

እቲ ዶክተር "ማህጸንኪ ክእለ ፈሪምኪ ኢኺ" ከምዝበላ እትገልጽ ምሲቢ፡ ንሳ ግን ኣብቲ እዋን ትሕቲ ዕድመ ስለዝነበረት ክትፍርም ከምዘይትኽእል ሓቢራቶ።

ጸኒሑ ኣዲኣ ከምዝፈረመትላ እኳ እንተገለጸ፡ ኣዲኣ'ውን ግን ከምዘይፈረመት ትዛረብ።

ቦንገካይል ምሲቢ

ምንጪ ስእሊ, Bongekile Msibi

እቲ ኣብ ልዕሊኣ ብዘይ ድልየታ ዝተፈጸመ ተግባር ንህይወታ ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ።

"ኣብ መወዳእታ ምስ ሕጹየይ ተፈላልየ። ንሱ ቖልዓ ክወልድ ይደሊ ነይሩ፤ ኣነ ድማ ቆልዓ ክህቦ ስለዘይክእል ተፈላሊና" ትብል።

ንሳ፡ ቆልዓ ክትወልድ ሓያል ድልየት ኣለዋ። ጓላ'ውን ኣሕዋት ክትወልደላ ከም እትምሕጸና ትዛረብ።

እቶም ሓካይም በቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ክሕተቱ ከምዘለዎም እትገልጽ ምሲቢ፡ ክፈሪ ዝኽእል እንቋቖሖ ኣነስተይቲ ስለዘለዋ፡ እቲ ትካል ክራይ ማህጸን ከፊሉ (surrogacy) ካልእ ቆልዓ ክህልዋ ክገብር ከምዘለዎ ትገልጽ።

'ሰሮጌሲ' ዘርኢ ተባዕታይን እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይትን ናብ ናይ ካልእ ሰብ ማህጸን ብምቕማጥ ቆልዓ ክውለድ ዘኽእል ሳይንሳዊ መገዲ እዩ።