ኤችኣይቪ ኣብ ዓበይቲ፡ 'ኤችኣይቪ ንመናእሰይ ጥራሕ ዘጥቅዕ መስለኒ ነይሩ'

ብዘጋጠሞ ሕማም መዓንጣ ናብ ሆስፒታል ዝኸደ ወዲ 59 ዓመት ኣሽሊ፡ ንሱ ይኹን እቲ ዶክተር ኤችኣይቪ ክህልዎ ኢሎም ኣይገመቱን።
"ቫይረስ እምበር ካሊእ ጸገም የብልካን ኢሎምኒ" ዝብል ኣሽሊ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሙ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ነይሩ። እቲ ቫይረስ ኣብ ደሙ ከምዘሎ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ ፈሊጡ።
ምስ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ከምዝነበሮን ጥንቃቐ ዝጎደሎ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈን ይዛረብ።
ኣሽሊ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሙ ከምዘሎ ደንጉዩ ብምፍላጡ፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክዳኸም ገይሩዎ።
ተጓንፎ ኣሽሊ ኣብ ብዙሓት ሰባት'ውን ዝረአ እዩ።
ሓበሬታ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ 2018 ጥራሕ፡ ካብቶም ዓሰርተ ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ቫይረስ ዘለዎም ልዕሊ 50 ዓመት ዕድሚኦም ሰባት፡ እቶም ሽዱሽተ ደንጉዮም ዝፈለጡ እዮም።
ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ጾታዊ ርክብ ኣተኩሮ የብሎምን ዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ፡ ምልክታት እቲ ሕማም እንተተርኣዮም'ውን ሰብ ከየስተውዕሎ ከምዝገብር ሰብ ሞያ ጥዕና ይዛረቡ።
"ፍትሕ ዝፍጽሙ ልዕሊ ሓምሳ ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ጥንሲ ከጋጥም ስለዘይክእል ጥራሕ፡ ንሓደጋ ዝቃልዑ ኣይመስሎምን" ዝብል ኣሽሊ፡ "እቲ ሕማም ናይ መናእሰይ እዩ" ዝብል ግጉይ ኣርዳድኣ ከምዘሎ ይገልጽ።
'ዘይትትንከፍ ይመስለካ'
ሓበሬታ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ከምዘመላኽቶ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 45 ዓመት ኣብ ዝኾኑ ሰባት ዘጋጥሙ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ርኽሲታት ብሓደ ሲሶ ወሲኾም እዮም።
በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኖራህ ኦብሪን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ዝኽእሉ ኣይመስሎምን ትብል።
ቅድሚ ዓመታት ብኤችኣይቪ ዝተትሓዘት ጓል 63 ዓመት ካረን ኖርተን ድማ "መብዛሕቴና ዘይንትንከፍን፡ ኣባና ዘይበጽሕን እዩ ዝመስለና" ትብል።

ዋላ ብዙሓት ሰብ ሞያ ልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ዝኾኑ ሰባት እቲ ቫይረስ ክርከብ ትጽቢት ከመዘይገብሩ እትገልጽ ካረን "ኩልና ኣብቲ ክሊ ዕድመ ዘለና 'ውን እንሓስቦ ነገር ይመስለኒ" ትብል።
"ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ እዚ ሕማም ክርከቦም ይኽእል እዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትደልይን፤ ግን ከጋጥም ዝኽእል እዩ።"
ካረን ክበጽሓ ካብ ዝኽእል መምግላል ንምድሓን፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደማ ከምዘሎ ንነዊሕ እዋን ኣይተዛረበትን።
"ጥንቃቐ ዝጎደሎ ጾታዊ ርክብ እንተፈጺምካ ከጋጥመካ ይኽእል እዩ፤ ኣነ ህያው ምስክር እየ" ትብል።
ብኣጋ መድሓኒታት እቲ ቫይረስ ምውሳድ ዝጅምሩ ሰባት፡ ብህይወት ዝጸንሕሉ ዕድመ ምስቲ ኤችኣይቪ ዘይብሉ ሰብ ተመሳሳሊ እዩ።
እቲ ቫይረስ ምስኣጋፈሐ ዝውሰድ ሕክምና ግን ምስቶም ቀዲሞም ዝጀመሩ ሰባት እንትወዳደር፡ ቀልጢፉ ንሞት ናይ ምቅላዕ ዕድሉ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







