ኮሮናቫይረስ፡ ትራምፕ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ጉዕዞ ደው ኣቢሉ

ፕሬዝደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝርግሐ ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ካብ ኤውሮጳ ዝገበሩ ሓደሽቲ ጉዕዞታት ደው ክብሉ ወሲኑ።

ንሱ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ንዝቕጽሉ 30 መዓልታት ደው ክብል'ዩ ኢሉ።

እዚ "ጽኑዕ ግን ድማ ኣገዳሲ" እገዳ ግን ንዓዲ ኢንግሊዝ ዝሓውስ ኣይኮነን ኢሉ። ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር 460 ሰባት በዚ ቫይረስ ተጠቒዖም።

ኣብ ኣሜሪካ 1,135 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትልከፉ፡ 38 ሰባት ሞይቶም።

"ናብ ከባቢና ሓድሽ ረኽሲ ከይኣቱ ንምክልኻል፡ ኩሎም ናይ ኤውሮጳ ጉዕዞታት ደው ከነብሎም ኢና" ዝበለ ትራምፕ፡ "እዚ ካብ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን እዩ" ኢሉ።

እዚ እገዳ ግን፡ ንዜጋታት ኣሜሪካ ዝሓውስ ኣይኮነን።

ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ሕብረት ኤውሮጳ "ተመሳሳሊ ቅድመ ጥንቃቐ ክወስድ ኣይክኣለን" ብምባል ነቒፉ።

እዚ እገዳ ጉዕዞ፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት፤ ቅድሚ ናብ ኣሜሪካ ምእታው ኣብ ሃገራት እቲ ሕብረት ዝነበረ ናጻ ቪዛ ሸንገን ዝነበሮ ሰብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ማለት፡ ኣባል 26 ሃገራት ሸንገን ዘይኮነት ኣየርላንድ ኣብቲ ምኽልካል ጉዕዞ ኣይትኻተተትን።

ቡልጋርያ፣ ክሮሽያን ሮማንያን'ውን ኣካል ሸንገን ከይኮና ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ስለ ዝኾና፡ በዚ ኣሜሪካ ወሲዳቶ ዘላ ምኽልኻል ጉዕዞ ቐጸልቲ 30 መዓልታት ኣይክግደባን።

ምዕባለታት እዚ ቫይረስ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ?

ትማሊ ሮብዕ፡ ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ብወግዒ ኣዊጁ።

እዚ፡ ብፍጥነት ኣብ መላእ ዓለም ዝላባዕ ዘሎ ምዃኑ ዝገለጸ ጀነራል ዳይሬክተር እቲ ትካል፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ጥራሕ ካብ ቻይና ወጻኢ ብ13 ዕጽፊ ወሲኹ'ዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጥልያን ጁሴፐ ኮንተ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝለዓለ ብራኸ እናወሰኸ ምምጽኡን ናብ ዘስግእ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ተዛሪቡ።

ኣብ ሞንጎ ተገልገልቲ ክህሉ ንዝግብኦ ርሕቐት ውሕስና ክህቡ ዘይኽእሉ መብዛሕትኦም ድኳናት፣ ባራት፣ እንዳ ጸጉሪ፣ ቤት መግብን ካፌታትን፡ ክሳብ 25 መጋቢት ክዕጸው ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

ጥልያን፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዑ ዘረጋገጸት ኮይና፤ 827 ሰባት ሞይቶም።

ኣብዛ ሃገር፡ 900 ዝጽግዑ ሰባት ድማ ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ከም ዝርከቡ ትካል ጠዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዴንማርክ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ብ10 ዕጽፊ ዝወሰኸ ኮይኑ፡ 514 ሰባት ተጠቒዖም። ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ክትዓጹ እያ።

ልዕሊ 100 ሰባት ዝሳተፉሎም ኣኼባታት ኩሎም ክስረዙ'ውን መንግስቲ እታ ሃገር ኣዚዙ።

ህንዲ ብወገና፡ ክሳብ 15 ሚያዚያ ንወጻእተኛታት ቪዛ ኣይክትህብን። ጓቲማና'ውን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ዜጋታት ኤውሮጳ ናብ ሃገራ ኸይኣትው ኸልኪላ።