ኮሮናቫይረስ፡ ኤርትራ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ ክትውሽብ ምዃና ኣፍሊጣ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ከምዘየለ ገሊጹ።
እነተኾነ፡ ኤርትራ ብባሕርን መሬትን ከምኡ'ውን ብኣየር ምስተን በቲ ሕማም ዝተጠቕዓ ሃገራት ርክብ ስለዘለዋ፡ ኤርትራ ነቲ ሕማም ንምክልካል ህጹጽን ኣገዳስን እትብሎ ጥንቃቐታት ከምእትወስድን፡ ንዝኾነ ኩነት ድልውቲ ከምዘላ እቲ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።
በዚ መስረት እቲ ሚኒስትሪ ነዘን ዝስዕባ መምርሒታት ኣመሓላለፉ'ሎ፡
ንህዝቢ፡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ብቀጻሊ ከምዝምህርን ከምዝጉስጉስን ዘድሊ ሓበሬታ ኣብ ስዓቱ ከምዘመሓልፍን ኣፊሊጡ።
ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ገያሾን በጻሕቲ ዓድን ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ንኩሎም ዜጋታትን ወጻእተኛታትን፡ ካብን ናብን ክንቐሳቐሱ ሓሳብ ዘሎዎም ንግዚኡ መገሸኦም ንካልእ ግዜ ከሰጋግርዎ ኣተሓሳቢቡ'ሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ንዘሎ ምዕባለታት ናይቲ ሕማም ብቀጻሊ ከምዝከታተሎን፡ ዘድሊ ሓበሬታተትን መምርሒታትን ኣብ እዋኑ ከምዝዝርግሕ'ውን ሓቢሩ።
ካብ ሃገራት ቻይና፤ ኢጣልያ፤ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ዝመጽኡ ወይ በዘን ሃገራት ዝሓለፉ ገያሾ ግን ብቐጥታ ክውሸቡ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።


ኤርትራ፡ ናብ ኣስመራ ዝተመልሱ ገያሾ፣ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ቤት-ምኻእ ተወሺቦም ከምዘለዉን፡ ናይ ውሸባ ግዚኦም ዝወድኡ ድማ ከምዝተፋነው ገሊጻ'ላ።
መንግስቲ ኢጣልያ፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝምጽእ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኮሮናቪረስ ንምቁጽጻር፡ ካብታ ሃገር ምውጻእ ይኹን ናብታ ሃገር ንምእታው ንዘይተወሰነ ግዜ ደው ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ።
ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ድማ መላእ ኢጣልያ ተወሺባ ትርከብ።
ኢጣልያ እታ ኣብ ኤውሮጳ ቀንዲ ግዳይ እዚ ሕማም ኮይና፡ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እቲ ቫይረስ ክርከቦም እንከሎ ልዕሊ 631 ድማ ሞይቶም ኣለው።
መንግስቲ ጀርመን'ውን 70 ሚእታዊት ካብ ህዝባ በቲ ሕማም ክልከፍ ከምዝኽእል ኣጠንቑቁ'ሎ።
ሚኒሰትር ጥዕና ኢራን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 63 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ኢራን፡ እዚ ኮሮናቫይረስ ናብ ዓዳ ካብ ዝኣቱ 9000 ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ 354 ድማ ሞይቶም ኣለዉ።
ዓባይ ብርጣንያ ቀጽሪ ግዳያታ ኣብ ምውሳኽ ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 382 በዚ ቫይረስ ተለኺፎማ ኣለዉ። ካብዚ ብምብጋስ ብኮሮናቫይርስ ክጽሎ ዝኽእል ዕዳጋታትን ሰባትን ዝውዕል 30 ቢልዮን ፓውንድ ከምዝሰለዐት ሎሚ ኣፍሊጣ'ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







