ናብ ሑመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር ኣመሪካ ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ እንታይ በለ?

ምንጪ ስእሊ, Amhara Media Corporation
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ምብጻሕ ኣካይዱ።
ሎሚ ናብ ከተማ ሑመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር አርቪን ማሲንጋ፡ "ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ንህዝቢ ቀዳምነት ክወሃብ" ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ተፈናቐልቲ ካብቲ ዞባ ናብ ማእከል እቲ ክልልን ሱዳንን ከምዝሃደሙ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መቐለ ዝርከብዎም ቦታታት ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ተዓቚቦም ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ዕድል ክረኽቡ ይጽበዩ ኣለዉ።
እቶም ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተቐደደ ኬንዳ ኣደዳ ፀሓይን ቁርን ኮይኖም ዝርከቡ ተፈናቐልቲ፡ ብመሰረት ነቲ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ውሕስነት ተዋሂብዎም ናብ ቦትኦም ክምለሱ'ዮም ዝጠልቡ።
"ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ግጭታት ነባሪ ፍታሕ ተግባራዊ ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ዝተማዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ብምምላስ ንህዝቢ ቀዳምነት ምሃብ ግዚኡ'ዩ" ክብል እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር ጸዊዑ'ሎ።
ግዳያት ግጭት ዝኾኑ "ቆልዑ ናብ ቤትምህርቲ ክምለሱ ምርግጋጽን ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝረኽቡ ብምግባርን" ወሳኒ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።
"ብስም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝግብር ሕጊ-ኣልቦነት ክቋረጽ" ከምዝበለ'ውን እቲ ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተወሉ ምውቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሉ ዝገለጸ እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፡ "ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ዝገጥሞ ዘሎ ብድሆታት ብቐጥታ ክዕዘብ ክኢለ" ኢሉ።
ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺታት፡ ድሩት ኣገልግሎት ጥዕናን ስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ልዕሊ ህይወት ነበርቲ ኣሉታዊ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላዉ ኣረዲኡ።
ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ናይ ምምላስ መስርሕ ብኢትዮጵያ ዝምራሕ ክኸውን ሃገሩ ከምእትድግፍ ድማ እቲ ኣምባሳደር ኣፍሊጡ።
"(ተመዛበልቲ) ብውሑስነትን ክብረትን ንምምላስ ብውልቂ ዝውስንሉ፡ ብኢትዮጵያ ዝምራሕን ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን መስርሕ ኣመሪካ ትድግፎ እያ።
"ኩሎም ወገናት፡ ልዕሊ ፖለቲካ ንህዝቢ ብምቕዳም፡ ህዝቢ ፖለቲካዊ መጻኢኡ ኣብ ዝጥዕም እዋን ክውስን ክገድፍዎ ንምሕጸን" ድማ ኢሉ።
ክልል ኣምሓራ እቲ ማእከሉ ሑመራ ዝኾነ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ዞባታት ዘለዉ ገለ ከባቢታትን ፈለማ ክልላት እታ ሃገር ኣብ ዝቖመሉ ብሓይሊ ዝተወስደ'ዩ ብምባል ናይ ይግባኣኒ ሕቶ የቕርብ።
ኣብቲ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ፋኖን ናይቲ ክልል፡ ከምኡ'ውን ሓይልታት ኤርትራ ዝተሳተፍሉ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ድማ ብሓይሊ ነቲ መሬት ብምቁጽጻር ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ የመሓድርዎ ኣለዉ።
እቲ ጉዳይ ፡ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ብህወሓት ዝቕለስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ቀጻሊ ምስሕሓብን ውጥጥን ዘስዓበ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Amhara Media Corporation
ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቶም ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልሶም ዘይምኽኣሉ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ምስ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ብዘይምቅዳዉ ስልጣኑ ኣረኪቡ ካብታ ክልል ዝወጸ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ግን ተመዛበልቲ ከይምለሱ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ምዃኑ'ዩ ዝኸስስ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይኹን ካልኦት ኣሰሓሓብቲ ቦታት ብምውጻእ ተመዛበልቲ ከምዝምለሱ ኣብ ምግባር ሓላፍነቱ ኣይተዋጽአን ክብሉ ይኸስሱ።
ጌታቸው ዝርከቦም ሰብመዚ ፈደራልን ክልል ኣምሓራን፡ እቶም ተጋሩ ተመዛበልቲ ብውልቂ ናብቲ ዞባ ክምለሱ ከምዝኽእሉ'ዮም ዝምጉቱ። ብዙሓት ካብቶም ተፈናቐልቲ ግን ናብቲ ሓይልታት ኣምሓራን ፈደራልን ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ብውልቆም ክምለሱ ንህይወቶም ውሕስነት ከምዘይብሉ'ዮም ዝገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Amhara Media Corporation
ቅድሚ ሕጂ ናብቲ ዞባ ከይዱ ከምዝነበረ ዝግለጽ ጌታቸው ረዳ፡ ሎሚ'ውን ምስ ኣምባሳደር ማሲንጋ ናብ ሑመራ ከምዝተጓዕዘ ብወገን ክልል ኣምሓራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብታ ብጎንጽታት ትናወጽ ዘላ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ኣመሪካ ዝክኣላ ክትገብር ምዃና ቃል ዝኣተወ እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ቅሩባት ክኾኑ ተማሕጺኑ።
"ፋኖ ውድዓዊ ዕላማታት ከቕርቡ ኣመሪካ ትምሕጸን፣ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ነቲ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ውግእ ደው ንክብል ድርድር ክቕጽሉ ንጽውዕ።
"መንግስቲ ፈደራል'ውን፡ ብዘይጎነጽ ዝግበር ሰላማዊ ፍታሕ ከናዲን፡ ጸጥታን ድሕነትን ዜጋታቱ ከቐድምን ንጽውዕ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







