ኬንያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ደም ናብ ሶማልያ ዝሸጡ ዝነበሩ ሰባት መርመራ ተካይድአ ኣላ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ፡ ካብ ኬንያውያን ለገስቲ ደም ዝተረኽበ ደም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሶማሊያ የስግሩ ነይሮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ጥርጡራት መርመራ ከም ዝተጀመረ ሓቢሩ።
እቲ ዘይሕጋዊ መስርሕ መሸጣ ደም ብመገዲ መንግስታዊ ትካል ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽል ተገሊጹ።
ሓለፍቲ ኣገልግሎት ደም በዚ ጉዳይ ተጠርጢሮም መርመራ ይግበረሎም ኣሎ።
ኬንያ ንነዊሕ እዋን ሕጽረት ደም ኣጋጢሙዋ ብምጽንሑ፡ እዚ መግለጺ ንብዙሓት ኬንያውያን ዘሰንበደ ኮይኑ ኣሎ።
ብሄራዊ ኣገልግሎት ደም ኬንያ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረሉ ዝጸንሐ ትካል ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ካብ ኣሜሪካ ዝረኽቦ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ኢሉ።
ኬንያ ኣብ ባንኪ ደም ክህልዋ ዝግባእ መጠን ደም ዓቒብኻ ኣብ ምኻድ ክትጽገም እንከላ፡ ብኽፋል እዚ ሓገዝ ደው ብምባሉ ከም ምኽንያት ክለዓል እንከሎ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ባህሊ ምልጋስ ደም ከም ዘይብላ ትንቀፍ።
ዝሓለፈ ዓመት 500 ሽሕ ዩኒት ደም ክትእክብ መደብ'ኳ እንተነበራ፡ ዝተኣከበ ደም ትሕቲ ርብዒ እዚ ቁጽሪ'ዩ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







