ሓያል ፍቕሪ ኩዕሶ ዘለዎም ደገፍቲ ንሓደገኛ ጭንቀት ይቃልዑ - ተመራመርቲ

ምንጪ ስእሊ, Chris Brunskill Ltd/Getty Images
ልዑል ስምዒት ኩዕሶ እግሪ ዘለዎም ደገፍቲ፡ ዝድግፉወን ጋንታታት እንትጻወታ ንሕማም ልቢ ከቃልዕ ዝኽእል ልዑል ጭንቀት ከምዘጋጥሞም መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ብኦክስፎርድ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም 2014 ፡ ብራዚል ብ ጀርመን እንትትሰዓር ዝነበሩ ደገፍቲ ብራዚል፡ ካብ ኣፎም ምራቕ ብምውሳድ ምርመራ ኣካይዱ።
ኣብቲ ብራዚል 7 ን 1 ዝተስዓረተሉ ጸዋታ፡ ኣብ ምራቕ እቶም ደገፍቲ ዝነበረ መጠን ኮርቲሶል ዝተብሃለ ሆርሞን፡ አዐርዩ ወሲኹ ነይሩ።
እዚ ድማ ጸቕጢ ደምን ኣብ ልቢ ዘሎ ምስሕሓብን ብምውሳኽ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ።
ዋላ'ኳ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ምስ ዝድግፍወን ጋንታታት ዝበለጸ ቅርበት ከም ዘለዎም ዝግለጽ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝተረኸበ መጠን ጭንቀት ግን ተመሳሳሊ እዩ።
ተመራማሪት ኣብ ኦክስፎርድ ዶክተር ማርታ፡ "ምስ ዝድግፍዋ ጋንታ ልዑል ዝምድና ዘለዎምን ምስ ጋንተኦም ሓደ ከምዝኾኑ ዝስመዖምን ደገፍቲ፡ እታ ጋንታ እንትትጻወት፡ ኣብ ዓሚቕ ጭንቀት ይጥሕሉ'' ትብል።
''ሓሓሊፎም ዝድግፉ እውን ጭንቀት የጋጥሞም እዩ፤ ሓያል ዝበሃል ግን ኣይኮነን" ክትብል ወሲሓ ሓቢራ።
ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ልዑል መጠን ኮርቲሶል፡ ምጭምዳድ ትቦታት ደም፣ ልዑል ጸቕጢ ደም፣ ደኺሙ ንዝጸንሐ ልቢ ድማ ብቐሉሉ ብምጉዳእ ንሓደጋ የቃልዕ።
ብተወሳኺ ልዑል መጠን ኮርቲሶም፡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ክስመዖም ይገብር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደገፍቲ ጋንታታት ይኹን ሃገራውያን ጋንታታት፡ ኣብ ወሰንቲ ግጥማት፡ ኣብ ደገፍቲ ዘጋጥም መጠን ጸገም ልቢ ከምዝውስኽ ቅድም ክብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ የመልክት።
ኣብቲ ኦክስፎርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰለስተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ናይ 40 ደገፍቲ ምራቕ ቅድምን ድሕርን ጸወታ ምርመራ ዝገበረ ኮይኑ፡ እቲ ኣዝዩ ዘጨንቕ ፍርቂ ፍጻመ ምዃኑ የመላኽት።
ኣብ ስታድዮማት ዝበርህ መብራህቲ ድብዝዝ ክብልን ድምጺ ዝኽፈቱ ሙዚቃታት እውን ክቕነስ ከምዘለዎ እትገልጽ ዶክተር ኒውሶን፡ ጋንታታት ድማ ጭንቀት ከጋጥሞም ንዝኽእል ቀንዲ ገደፍተን ናይ ልቢ ምርመራ ወይ ካሊእ ጥዕናዊ ስጉምቲታት ክወስዳ ከምዘለወን ትሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







