ዳን ማሎሪ፡ ሕማም ኣእምርኡ ንምሽፋን ክብል 'ሕማም መንሽሮ ኣለኒ' ዝበለ ስሙይ ፀሓፊ

ዳን ማሎሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዘ ውመን ኢን ዘ ዊንደው ብዝብል መፅሑፉ ዝፍለጥ ዳን ማሎሪ፡ ናይ ሓንጎል መንሽሮ ኣለኒ ኢሉ ምሕሳዉ ኣሚኑ።

ኣብቲ እዋን ኣጋጢምዎ ዝነበረ ስነልቦናዊ ፀገም ክጻወር ስለዘይከኣለ ንክሕስው ምኽንያት ከምዝኾኖ ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 'ኒውዮርከር' ዝተብሃለ መፅሄት፡ ዳንማሎሪ ብዛዕባ ውልቀ ህይወቱ ብዙሕ ከምዝሓሰወ ኣቃሊሑ።

ከም ፀብፃብ እቲ መፅሄት፡ እቲ ፀሓፊ ናይ ሓንጎል መንሽሮ ከምዘለዎ ብተዳጋጋሚ ዝገለፀ እንትኸውን፡ ኣብ ናይ ዩኒቨርስቲ መሕትትን ኣብ ለንደንን ኒውዮርክን ቤት-ሕትመታት ይሰርሐሉ ኣብ ዝነበረ ግዘ ድማ፡ ንኣዕርኽቱ መንሽሮ ከምዘለዎ ተዛሪቡ እዩ።

ዳን ማሎሪ፡ ወላዲቱን ሓዉን ብሕማም መንሽሮ ከምዝሞቱ ምሕሳዉ'ውን እቲ መፅሄት ሓቢሩ።

ዳን ማሎሪ ዋላ'ኳ ቆልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ወላዲቱ ብመንሽሮ ሓሚማ እንተነበረት፡ ሞይቶም ዝበሎም ወላዲቱን ሓዉን ግና ብህይወት ኣለዉ እዮም።

ስሙይ ፀሓፊ ዳን ማሎሪ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ወላዲቱ ብመንሽሮ ጡብ ትሳቐይ ከምዝነበረትን እዚ ድማ ንከቢድ ጭንቀትን ፀገም ጥዕናን ከምዘሳጥሖ ተዛሪቡ።

"ሕማም ሓንጎል ከምዘለኒ እንተተዛሪበ፡ ጉድለት ከምዘለኒ እዮም ክሓስቡኒ ኢለ ስለዝሓሰብኩ እየ፡ እዚ መንገዲ መሪፀ" ኢሉ።

ብተደጋጋሚ ከቢድ ጭንቀት፣ ፀገም ምዝካርን ሓቂ ናይ ምፍላይ ፀገምን ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ድማ ገሊፁ።

"ኣብ ከቢድ ጭንቀት ስለዝነበርኩ ሓደሓደ ግዘ ዝብሎ ነገር እውን ኣይዝክሮን" ይብል።

ንዝኾነ ይኹን ኣካል ንምግጋይ ኮነ ብጥቕሚ ንምሓዝ ዕላማ ከምዘይነበሮ ድማ ነቲ መፅሄት ሓቢሩ።

ዳን ማሎሪ፡ ኣብ ዝርዝር ልዑል ሽያጥ ኒውዮርክ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘስርዖ መፅሓፍ ውመን ኢን ዘዊንደው ቅድሚ ምፅሓፉ፡ ኣሰናዳኢ መፅሓፍቲ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

መፅሓፍ ውመን ኢን ዘዊንደው ካልኣይ መፅሓፍ ዳን ማሎሪ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት2018 ወርሒ ጥሪ እዩ ናብ ሕትመት በቒዑ።