ብውድቀት ጽፈት ትምህርቲ ትግራይ መን'ዩ ተሓታቲ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ዝሓለፈ ቅነ ውጽኢት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተዉ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ የውሃንስ ሰሊኹ፡ ናብ ማሕበራዊ ሚድያታት ምውጽኡ ሲዒቡ መዘራረቢ ዛዕባ ጽሬት ትምህርቲ ትግራይ ኮይኑ ቀንዩ።
ኣብ 2009 ዓመተ ምሕረት፡ ኣብ ትግራይ መእተዊ ፈተና ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝወሰዱ 18 ሽሕን 831 ተመሃሮ 12 ክፍሊ፡ እቶም 10 ሽሕን 987 ተመሃሮ ጥራሕ፡ ነቲ ብኤጀንሲ ፈተናን ምዘናን ዝተወሰነ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም ናብ ዩኒቨርሲታት ከምዝተመደቡ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ይሕብር።
ቁጽሪ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፉ ተመሃሮ ትግራይ ብሚኢታዊት እንትግበጥ (ክቕመር) እንከሎ ድማ 58 ሚኢታዊት ከምዝኾነ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ቢሮ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣይተ ዳኘው ኣይጠገብ፡ ሎምዘበን ኣብ ትግራይ ዝተመዝገበ ውጽኢት ተምሃሮ 12 ክፍሊ ትሑት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ከም ኣገላልጻ ኣይተ ዳኘው፡ እቲ ዝተመዝገበ ትሑት ውጺኢት መምሃራን፣ ወለድን መዳርግቲ ( መሻርኽቲ) ኣካላትን ተዋዲዶም ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎም ከምዝኾነ ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝሓሸ ንዋት ኮነ መምሃሪ ክፍልታት ዝተወደበ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ የውሃንስ ከምዚ ዓይነት ውድቀት ምምዝጋቡ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ተመሃራይ ዶክትሬት ዲግሪ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ግን 'መምሃራንን ተምሃሮን ሎምዘበን ተዋዲዶም ብዘይምስርሖም'ዩ እቲ ውድቀት ኣጋጢሙ' ብዝብል ሓሳብ ኣይተ ዳኘው ኣይጠገብ ኣይሰማዕማዕን።
''ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፡ ተማሃሮ ሎሚ ዓመት ስለ ዝወደቑ እቲ ሽግር ናይ ሎሚ ዓመት እዩ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ናይ 12 ዓመት ዝነበረ ጉዕዞ ግጉይ ምንባሩ እዩ እቲ ውፅኢት ዝሕብር'' ብምባል ዝሙጉት መመህር ኣብርሃ ሃይለዝጊ፣ እቲ ዝተመዝገበ ትሑት ውጽኢት ንዓመታት ተኣጂሉ ናይ ዝመጽአ ሕመቕ ኣተገባብራ እምበር ናይዚ ሕሉፍ ዓመት ኣፈጻጽማ ጥራሕ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Hahu Ethiopia
ምኽንያት ውድቀት ብዝሒ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ የውሃንስ፡ ኣብ እዋን ፈተና ጥቡቕን ምቅድዳሕ ዘይነበሮን ስለዝነበረ'ዩ ኣጋጢሙ ዝብል መካትዒ ነጥቢ ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ፣ መምህር ተወልደ ገብረሚካኤል፡ ዘዕግብ ኣይኮነን ይብል መምህር ኣብርሃ ሃይለዝጊ።
እኳ ድኣስ መስርሕ ተሓታትነት፣ ኣብ ፅሬት (ጭቡጥ ናይ ተምሃሮ ብቕዓት) ዘተኮረ እንተይኮነስ፡ ኣብ ቁፅሪ ጥራሕ፡ ማለት፡ ክንደይ ተምሃሮ ሓሊፎም? ክንደይ ነጥቢ ኣምፂኦም? ክንደይ ተማሃሮ ተመዝጊቦም? ኣብ መወዳእታ ዓመት ከ ክንደይ ተምሃሮ ተፈቲኖም? ብዝብሉ ረቛሒታት ዝተዓጀበ ከምዝኾነ ዝገልጽ መምህር ኣብርሃ ሃይለዝጊ፣ መማህራን ንውድቀት ተምሃሮ ዘቀላጥፍ፡ ንኽቐዳድሑ ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ክሳብ ፈተና ሰሪሖሙሎም ከምዝመጽኡ ኣብሪሁ።
ናይቲ ኣብ 10ይ ይኹን ኣብ 12 ክፍሊ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ተማሃሮ ብበዝሒ ምውዳቕ፡ መንቀሊኡ፡ ካብ ታሕቲ ጀሚሮም ብኣግባቡ ነቲ ነንኽፍሉ ዝተቐመጠ ዝነኣሰ ናይ ምምሃር ብቕዓት እናጨበጡ ክሓልፉ ዝገብር ኣካይዳን ሜላ ፈተናን ምዘናን ከምዝኾነን'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ውጽኢት 12 ክፍሊ ተመሃሮ ትግራይ
ፍልፍል መረዳእታ (መወከሲ) ውጽኢት ተመሃሮ፡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







